ዶክተር ኢለኒ ገብረመድህን ሽልማት 'ግሎባል ኢኮኖሚ' ተዓዊታ

Published

መስራቲት ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ [Ethiopia Commodity Exchange (ECX)] ዶክተር ኢለኒ ገብረመድህን ኣብ ጀርመን ከተማ ኪል ብዝርከብ ዓለምለኸ ትካል ቍጠባ ኪል ዝተዳለወ መበል 18 ሽልማት ‘ግሎባል ኢኮኖሚ’ ተዓዊታ።

ብሰኑይ 19 ሰነ 2023 ኣብ ከተማ ኪል ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ እቲ ዝተዓወተትሉ ሽልማት ዝተቐበለት ዶክተር ኢለኒ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሰርሐቶም ስርሓት ኣፍልጦ ዝህብ ብምዃኑ ከምዝተሓጐሰት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ንሳ ብዓውዲ ቢዝነስ ክትዕወት እንከላ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ንግዲ ዓለም ዶ/ር ንጎዚ ኦኮንጆ ብፖለቲካዊ ዓውዲ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ‘ስኩል ኦፍ ኢኮኖሚክስ’ ኣፍሪቃ ፕሮፌሰር ሌናርድ ዋንታቸኮ ኣብ ምድብ ቍጠባ ተሸሊሞም።

ዶክተር ኢለኒ ገብረመድህን ኣብዚ እዋን ብፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታት (UNDP) ኣብ ዝተመስረተ ንውልቃውን መንግስታውን ሴክተራት ብምውሃድ ንመናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ዝድግፍ "ቲምቡክቱ" ዝተበሃለ ፕሮግራም ብሓላፍነት ካብ ኒውዮርክ ትመርሖ።

ዓለምለኸ ትካል ቍጠባ ኪል፡ ዶክተር ኢለኒ ነቲ ሽልማት ብቕዕቲ ንክትከውን ደያኑ ዝሃብዎ ምኽንያታት ኣብ ዝገለጸሉ ንኢትዮጵያ ዝገበረቶ ኣበርክቶ ዘርዚሩ።

ህይወት ብዙሓት ሓረስቶትን መንእሰያትን ክመሓየሽ ከምዝገበረት ብምጥቃስ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ብዝዀነን ባዕላ ብዝመስረተቶን ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ [Ethiopia Commodity Exchange (ECX)] ኣቢላ 15 ሚልዮን ሓረስቶት ዕዳጋን እቶትን ክረኽቡ ከምዝገበረት እውን ኣቐሚጡ።

ጸኒሓ ከኣ "ብሉሙን" ዝበሃል ትካል መስሪታ ምስ ሕርሻ ዝተኣሳሰሩ ፈጠራ ስራሕን ሓሳባትን ዝምንጭወሉ ማእከል ንመንእሰያት ከምዘመቻችአት ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

እቲ ትካል ሽልማት ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ንዶክተር ኢለኒ ገብረመድህን "ቈራፅ፡ ተባዕ፡ ኣርሒቓ እትጥምትን ማሕበራዊ ሓላፍነት ዝስመዓን" ክብል ንኢዱ።

ብዛዕባ እቲ ሽልማት እንታይ ኢላ?

ብዛዕባ እቲ ሽልማት ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ዕላል ዶክተር ኢለኒ፡ "ዓቢይ ሓጎስ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ ስራሕ ንኻልኦት ሃገራት ክጠቅም ከምዝኽእል ዘርኢ እዩ" ክትብል እቲ ሽልማት ዝፈጠረላ ስምዒት ገሊጻ።

ብፍላይ ኣብ ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ ዝተሰርሑ ስርሓት ንኣፍሪቃ ኣብነት ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ዝተወሃባ ኣፍልጦ መርኣያ ምዃኑ ተዛሪባ።

"ኣብ 15 ዓመት ዕድመይ እየ ኢኮኖሚስት ክኸውን ከምዘለኒ ወጢነ” እትብል ዶክተር ኢለኒ፡ ሓደ ካብቲ ሕልምታት ቍልዕነታ ዝነበረ ድማ "ንኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንኢትዮጵያ ካብ ጥምየትን ድኽነትን ንምውጻእ ሓሳባት ካብ ዘመንጭዉ ክኸውን እየ” ዝብል ከምዝነበረ ትዝክር።

ዶክተር ኢለኒ ብኣውራኡ ብዛዕባ እትፍለጠሉ ዕዳጋ ፍርያት ክትዛረብ ከላ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መስርሕ-ዕድጊ ስርዓት ኣብ ምትሓዝ፡ ግልጽነት ኣብ ምፍጣር ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ኣፍረይቲ፡ ነጋዶን ለኣኽቲን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ምትዕድዳግ ክህሉ ኣብ ምግባር ከምዝሓገዘ ኣረዲኣ።

“ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኵነታት ባንክታትን ቴሌኮምን .. 'እዚ ዓይነት ስርዓት ምዝርጋሕ ዝከኣል ኣይኮነን’፡ ‘ኵነታት ኢትዮጵያ ኣይፈቅድን’ ኢሎም ፈጺሞም ዘይኣመኑ ብዙሓት ሰባት ነይሮም" ትብል።

ብዛዕባ እቲ ሽልማት ክትገልጽ ከላ ድማ “ዓቢይ ክብሪ ተሰሚዑኒ’ሎ። ኢትዮጵያ ብጽቡቕ ኵነታት ከምእትጽዋዕን ነታ ሃገር ክብሪ ከምዘወንዝፋን እየ ዝቘጽሮ” ኢላ።

ዶክተር ኢለኒ ገብረመድህን ኣብ ዝሓለፉ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ትሕቲ መደብ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝቘመ ‘ቲምቡክቱ’ ዝተባህለ መደብ ሓሳባት ኣብ ምምዕባል ጸኒሓ።

እዚ መደብ እዚ ኣብ መስከረም ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ክምረቕ ኰይኑ መንበሩ ድማ ካብ ኒውዮርክ ናብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ብምዝውዋር፡ ንኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ስርሑ ከካይድ እዩ።