ኢትዮጵያን ኣሜሪካን 'ነቲ ኣሰካፊን ዝተዋደደን ጥምዘዛ ረዲኤት ብሓባር ክንቃለሶ' ይብላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለምለኸ ትካል ልምዓት መንግስቲ ኣመሪካ (ዩ-ኤስ-ኤ_ኣይ-ዲ) ንኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ መግቢ ንተጠቀምቲ ከይበጽሐ ንኻልእ ዕላማ ይውዕል ብምህላዉ ክቋረጽ ከም ዝወሰነ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
ነዚ ምርኵስ ብምግባር፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ኣሜሪካ - ዩኤስኣይድን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ንመግቢ ረዲኤት ናብ ዘይግባእ መዓላኡ ምጥምዛዝ ኣመልኪቶም፡ ብ 8 ሰነ 2023 ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ነቲ ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ንምፍታሕ ብሓባር ብዕቱብ ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም።
ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንኣፈኛ እቲ ትካል ብምጥቃስ ከም ዝሓበሮ፡ ዩ-ኤስ-ኤ-ኣይ-ዲ ናብዚ ውሳነ ዝበጽሐ፡ "እቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክወሃብ ዝነበሮ ሓገዝ መግቢ ብብዝሒን ብዝተዋደደ ኣገባብን ካብቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ወጻኢ ይውዕል ስለዘሎ’ዩ።"
ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ፡ እቲ ውሳነ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውህሃድ ከም ዝተወሰደ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ነዚ ቀረብ ረድኤት ንካልእ ዕላማ ኣብ ምጥቃም ዝተዋፈሩ ወገናት መን ምዃኖም ኣይጠቐሰን።
ወሃቢ ቃል እቲ ትካል፡ "ሃገር-ለኸ ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ፡ ዩኤስኤኣይዲ ኣብ ኣወሃህባ ሓገዝ ለውጢ ክሳብ ዝግበር ምቕጻል ዝለዘይከኣል፡ ከቢድ ግን ከኣ ኣገዳሲ ውሳነ ወሲኑ'ሎ" ክብል ብኢሜል ከም ዝገለጸ ብሉምበርግ ጸብጺቡ።
ብመሰረት’ቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ ክልቲኦም መንግስታት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን፡ ነቶም ኣብ ተግባራት ጥምዘዛ ምግቢ ረዲኤት ተዋፊሮም ዘለዉ ኣካላት ተሓተቲ ንምግባር ቈራጽነቶም ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ብተወሳኺ ክልቲኦም መንግስታት፡ ኣኽሊ ረዲኤት ኣብ ዘይግቡእ መዓላኡ ካብ ዝጥምዝዝ ኣሰራርሓታት ውሕስነቱ ተረጋጊጹን ተሓልዩን ብግቡእ ኣብ ዝግባኦ መዓላ ንኽውዕል ዘድሊ ምክትታልን ጻዕሪን ክገብሩ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ መርመራ ከም ዘመልክቶ፡ ብለገስቲ ዝተወሃበ ሓገዝ መግቢ፡ ካብ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ወጻኢ ናብ ዕዳጋ ከም ዝቐረበን፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ናብ ወጻኢ ሃገራት ከም ዝተላእከን፡ ብሉምበርግ ዝረኣዮም ሰነዳት ይሕብሩ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዩ-ኤስ-ኤ-ኣይ-ዲን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ስርቂ ኣብቲ ክልል ዝህብዎ ዝነበሩ ሓገዝ ምግቢ ከም ዘቋረጹ ይፍለጥ።
ናይ ወጻኢ ለገስቲ ትካለት ውሽጣዊ መዘክር ከም ዝረኣየ ዝገልጽ ሮይተርስ፡ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ “ሓገዝ መግቢ ናብ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ኢትዮጵያ ከም ዝበጽሐ ይኣምን” ኢሉ።
"ብመንግስታት ፌደራልን ክልላትን ብዝተዋደደ ኣገባብ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ተጠቀምቲ ሓገዝ መግቢ ኰይነን እየን" ይብል ካብቲ እቲ ትካል ኣባል ዝዀነሉ ጕጅለ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተረኸበ ሰነድ።
ሮይተርስ ኣብዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ምክልኻልን ምላሽ ክረክብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን። ዓለምለኸ ውድብ ልምዓት ኣሜሪካ እውን ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ጸብጻብ ርእይቶ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።
ኣብ ኢትዮጵያ ንሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝበዝሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዝህቡ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን እቲ ቀንዲ መንግስቲ ኣሜሪካ ምዃኑ ይፍለጥ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ከም ዝተራኸበን ኣብዚ ጉዳይ ከም ዝተዘራረቡን ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ወሃቢ ቃል እቲ ዓለምለኻዊ ትካል፡ እቲ ስርዓት ኣወሃህባ ሓገዝ ውሑስ ምዃኑ ምስተረጋገጸ ሓገዝ ዳግማይ ክጅመር ምዃኑ ከም ዝሓበረ የመልክት።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
