መዝነት ኣፈጻጽማ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝከታተል ጉጀለ ሕብረት ኣፍሪቃ ተናዊሑ

ምንጪ ስእሊ, @USEMBASSY ADDIS
መዝነት ናይቲ ንኣፈጻጽማ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝከታተል ጉጀለ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ዝተናውሐ ተገሊጹ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ 7 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጻንሒት እቲ ኮሚቴ ክሳዕ ዝቕፅል ወርሒ ታሕሳስ ከም ዝተናውሐ ኣፍሊጡ።
ውዕል ሰላም ፕሮቶርያ ካብ ዝፍረም ናብ ሻውዓይ ወርሑ ዘምርሕ ዘሎ ዀይኑ፡ እቲ ኲናት ጠጠው ከም ዝበለን ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስትን ግዝያዊ መንግሰቲ ክልል ትግራይን ርክባት ተመሓይሹ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ብመሰረት ዓንቀጽ 11 ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ መዝነት ናይቲ ጉጀለ ክኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝተዋፈረሉ ግዜ ጀሚሩ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ'ዩ ነይሩ።
ይኹን’ምበር ክልቲኦም ወገናት እንተተሰማሚዖም ጻንሒቱ ክናዋሕ ይኽእል እዩ።
ኣፈጻጽማ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ናይ ምክትታል፡ ምርግጋፅን ምትግባርን ሓላፍነት ዝተወሃቦ እቲ ኮሚተ ክኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃ ብኬንያዊ ጀነራል ስቲቨን ራዲና ዝምራሕ'ዩ።
ብተወሳኺ፡ ናይጀርያዊ ኮሎኔል ሩፋይ ዑመር ማይሪጋን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኮሎኔል ተፎ ሰኮለን ብኣባልነት ዝሓቖፈ እዩ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መቐለ ወግዓዊ ስራሕ ከም ዝጀመረ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እቲ ኮሚተ ስርሑ ምጅማሩ ንህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ መሰረታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ሕጂ ድማ ኣሜሪካ፡ ጻንሒት እቲ ኮሚቴ ምንዋሑ ኣብ ዘላቒ ሰላም ቁልፊ ተራ ከም ዝጻወት ብምግላጽ ብሓጎስ ከም እትቕበሎ ኣፍሊጣ'ላ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ካብ 31 ግንቦት ክሳዕ 6 ሰነ፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ ኣሎ።
እቲ ኣብ ምፍራም ውዕል ሰላም ፕሮቶርያ ልዑል ግደ ዝነበሮ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ መቐለን፡ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ምዕባለታትን ቀዳምነታትን ኣፈፃፅማ እቲ ውዕል ኣመልኪቱ ተዘራሪቡ ነይሩ።
እቲ ኣምባሳደር ኣብ መቐለ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ እቲ ግጭት ብቐዋምነት ደው ክብል ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝግበር መስርሕን ዘጋጠሙ ብድሆታትን ብዝምልከት ምስ ግዝያዊ መራሕቲ ክልል ትግራይ ተላዚቡ።
ግዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ’ውን፡ ተመዛበልቲ ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝምለሰስሉ መስርሕ ብዝምልከት ምስቲ ኣምባሳደር ከም ዝዘተዩ ኣብ ትዊተር ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍጸም ትጽቢት ዝግበረሉ ምውጻእ ናይቶም ካብ ሰራዊት ፈደራል ወጻኢ ዝኾኑ ሓይልታት ተፈጻሚ ዘይምዃኑ እቲ ስምምዕ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ከይከውን የዐንቅፍ ምህላዉ ኣመልኪቶም'ውን ተዘራሪቦም ኣለዉ።
ኣብቲ ዘተ፡ ናብ ትግራይ ዝተላእኸ ሓገዝ ካብቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ወፃኢ ይውዕል ኣሎ ብዝብል ዝተገብረ መርመራን ውጽኢቱን ዝምለከት መብርሂ'ውን ከም ዝተወሃበ ይግለጽ።
ውፅኢት እቲ ምርመራ ኣብ ቀረባ እዋን ተገሊጹ፡ ተሓታትነት ክረጋገፅን ኣመሪካ ነቲ ደው ዝበለ ሓገዝ ክትቅፅል ሰብመዚ ትግራይ ጸዊዖም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሊ ከሎ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ እውን ኣብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘተኮረ ዘተ ከም ዘካየዱ እቲ ሚኒስትሪ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።
ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ብቐረባ ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ የመልክት።
እንተዀነ እቲ መግለጺ፡ ብዛዕባ ኵነታት ስምምዕ ሰላም ተዛትዮም ድዮም ኣይተዛተዩን ዝብል ግን ኣየነጸረን።
ኣፈጻጽማ እቲ ውዕል ዝከታተል ጉጀለ ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን፡ ዕጥቂ ምፍታሕ በቲ ዝተተሓዘሉ መደብ ይፍጸም ከም ዘሎ ዝገለጸ ዀይኑ፡ ምስኡ ጎድኒ ንጎድኒ ክፍጸም ዝነበሮ ምውጻእ ሓይልታት ደገ ግን ተፈጻሚ ከም ዘይኰነ ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ብተደጋጋሚ እናኸሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ጎድኒ ሰረዊት ኢትዮጵያ ዀይኖም ዝተዋግኡ ሓይልታት ኤርትራ፡ ዛጊድ ገለ ዶባዊ ከባብታት ትግራይ ተቖጻጺሮም ከም ዝርከቡን ኣብ ገለ ከባብታት ረድኤት ምሕላፍ ከም ዝኸልከሉን ይኸሰሱ።
እተኾነ ግን ሓደ ኤርትራዊ ዲፐሎማት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶባቱ ከምዝሰሓበን እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ርትዓዊ ከምዘይኮነን ተዛሪቡ ነይሩ።
ከምኡ'ውን፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ፡ እቲ ኲናት ምስተወለዐ ዝተቖጻጸርዎ፡ እቲ ክልል ሕቶ ይግበአኒ ዘልዕለሉ፡ ምዕራባዊን ደቡባውን ዞባታት ትግራይ ዛጊድ ኣብ ኢዶም ተቖጻጺሮምዎም ይርከቡ።
ኣብቶም ዝተቘጻጸሩዎም ከባብታት፡ ግፍዕታት ይፍጽሙ ከምዘለውን ሓድሽ መለለዪ ካርዲ ይዕድሉ ከም ዘለውን ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይገልጹ። ሰብመዚ መንግስቲ ግን እቲ ጸብጻባት ሚዛኑ ዘይሓለወ ክብሉ ይነቕፍዎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
