ሊቨርፑል-ማን ዩናይትድ፡ መን ትዕወት ትኸውን-ግምት ግጥማት ፕሪምየር ሊግ

Published

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር፡ ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ንማንቸስተር 7 ብ 0 እያ ኣዕንያታ፤ ሎም ዘበንከ ኣብቲ ንሰንበት ተሰሪዑ ዘሎ ግጥም፡ ጋንታ የርገን ክሎፕ ነዚ ትደግሞ ዶ ትኸውን?

ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሳተን “7 ብ 0 እኳ እንተዘይኮነ፡ ካብኡ ብዙሕ ዝፍለ ኣይመስለንን ይብል”።

ዓርቢ 15 ታሕሳስ

ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ቶተንሃም

ኖቲንግሃም ድሕሪ እቲ ዘጋጠማ ተኸታታሊ ኣርባዕተ ስዕረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዎልቭስ ማዕረ ምፍልላያ ቅሩብ ትንፋስ ሂብዋ ኣሎ። እንተኾነ ኣሰልጣኒ ስቲቭ ኩፐር ጌና ኣብ ትሕቲ ሓያል ጸቕጢ ብምህላው ካብዚ ግጥም ገለ ክረክብ ክደሊ እዩ።

ቶተንሃም ኣብ ልዕሊ ኒውካስል መሳጢ ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ ነቲ ከተርእዮ ዝጸንሐት ድኽመት መዕለቢ ዝገበረትሉ ትመስል።

ግምት 1-3

ቀዳም 16 ታሕሳስ

በርንመዝ ምስ ሉተን

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በርንመዝ ንማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ዝሰዓረትሉ ጸወታ መሳጢ እዩ ኔሩ። ብሉጽ ምንቅስቓስ እዮም ኣርእዮም።

እቲ ብርያን ክሪስቲን ሌዊስ ኩክን ዝምራሕ መስመር ምክፍፋሎም ኣዝዩ ውጽኢታዊ ኔሩ።

በርንመዝ ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ግጥማት ነቲ ኣርባዕተ ክትዕወተሉ እንከላ ነቲ ሓሙሻይ’ውን ማዕረ ብምፍልላይ ሓደ ነጥቢ ረኺባትሉ'ያ። ኣብዚ ግጥም ሉተን ኣዝያ ተዳልያ ከም እትመጽእ ፍሉጥ’ኳ እንተኾነ በርንመዝ ሰለስተ ነጥቢ ክወትወስድ እየ ዝጽበ።

ግምት 2-0

ቸልሲ ምስ ሸፊልድ ዩናይትድ

ሸፊልድ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ልዕሊ ብረንትፎርድ ዝረኸበቶ ዓወት ትደግሞ ዶ ትኸውን?

ተጻወትቲ ሸፊልድ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ካብ ሜዳኦም ወጻኢ፡ ዓወት ኣይመባልዕቶምን እያ ኮይና ዘላ። ካብ ሸውዓተ ግጥማት 1 ነጥቢ ጥራይ እዮም ረኺቦም።

ኣሰልጣኒ ቸልሲ ማውሪሽዮ ፖቸቲኖ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኤቨርተን ድሕሪ ምስዓሮም ሓደስቲ ተጻወትቲ ከምዘድልዮ ተዛሪቡ። ኣብ ሜዳኦም ብምዃኑ ዝዕወቱ ይመስለኒ።

ግምት 2-0

ማንቸስተር ሲቲ ክሪስታል ፓላስ

ዓወት ተነፊጋ ዝጸንሐት ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሉተን ተዓዊታ ኣላ።

ጀረሚ ዶኩ ጌና ዝሓወየ ኣይመስልን፤ ኤርሊን ሃላንድ እውን ኣይክህሉን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሪስታል ፓላስ ብሊቨርፑል ምስዓራ ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ ኔሩ፤ ቀዳም ኣበርቲዖም ዝከላኸሉ ይመስለኒ፡ ሲቲ ጻዕርታት ከድልያ እዩ።

ግምት 2-0

ኒውካስል ምስ ፉልሃም

እታ ሸቶ ከተመዝግበላ ዝቐለለት ዝነበረት ፉልሃም ኣብ ፕረምየር ሊግ ቁመናኣ ኣመሓዪሻ ብምህላዋን ኒውካስል ክትተኣማመነላ እትኽእል ጋንታ ብዘይምዃናን እዚ ግጥም ምግማቱ ኣጸጋሚ እዩ።

ኒውካስል ብቶተንሃም ብሰፊሕ ክትሰዓር እንከላ ኤሲ ሚላን እውን ብረቡዕ ኣይነሓፈታን።

ግና ንጋንታ ኤዲ ሆዊ ኣይቀበጽክዎምን ክዕወቱ እዮም እብል።

ግምት 3-1

በርንሊ ምስ ኤቨርተን

ኣብዚ ዓመተ-ውድድር፡ ኡናይ ኤምርን ፖስተኮግሎን ከም ኣሰልጠንቲ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ጽልዋኦም ልዑል እኳ እንተኾነ፡ ሲን ዲይች'ውን ኣብቲ ኣብ ኤቨርተን ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ተጠማቲ ክኸውን ጀሚሩ'ሎ።

ዲይች መሳጢ ሰራሕ ሰሪሑ ኣሎ። ንሱ ንኤቨርተን ሒዙ ምስታ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ንዘላ ናይ ቀደም ጋንትኡ እዩ ክገጥም።

ግምት 1-2

ሰንበት 17 ታሕሳስ

ኣርሰናል ብራይተን

ኣርሰናል ድሕሪ እቲ ብኣስቶን ቪላ ዝገጠማ ስዕረት ቅሩብ ጸቕጢ ኣለዋ። ነቲ ጸወታ ክትዕወተሉ ለውጥታት ጌራ እያ። ብራይተን ሸቶታት ተጥፍእ ምህላዋ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣርሰናል ክትዕወት እያ።

ግምት 3-1

ብረንትፎርድ ምስ ኣስቶን ቪላ

ተጻወትቲ ኣስቶን ቪላ ኣብ ሜዳኦም ብሉጻት እዮም፤ ኣብ ካልእ ግና ኣይግድን - ዛጊት ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ካብ ሜዳኦም ወጻኢ ካብ ዘካየድዎ ሸሞንተ ግጥማት ንሰለስተ ጥራይ እዮም ተዓዊቶምሉ።

ምስተን ኣብ ቻምፕየንስ ሊግ ዝሳተፋ ጋንታታት ክጽንበሩ እንተኾይኖም ወይ'ውን ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ታምር ክሰርሑ እንተኾይኖም ካብ ሜዳኦም ወጻኢ ክዕወቱ ከድልዮም እዩ።

ብርያን ምቤሞ ጎዲልዋ ንዘሎ ብረንትፎርድ ቀሊል ፈተነ ኣይኮነን።

ቪላ ኦሊ ዋትኪንስ በዘመዝግባ ሸቶ ብጸቢብ ክትዕወት እያ እብል።

ግምት 0-1

ዌስት ሃም ምስ ዎልቭስ

ኣብ ኣውሮጳ ሊግ ኣብ ምድባ ቀዳመይቲ ክትከውን እትፍትን ዘላ ዌስት ሃም ሓሙስ'ውን ኣንጻር ኤስ ሲ ፍረይበርግ ክትገጥም እያ። እዚ ንዌስት ሃም ሓጋዚ ኣይኮነን።

ዎልቭስ ርጉኣት እዮም፡ እንተኾነ እዚ ግጥም ብማዕረ ዝዛዘም ይመስለኒ።

ግምት 1-1

ሊቨርፑል ምስ ማን ዩናይትድ

ሊቨርፑል ንዘለዋ ኣጥቃዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከምእትስዕር ርግጸኛ እየ። ዩናይትድ ዕድል ዘለዋ ኣይመስለንን።

ተኸላኸልቲ ሃሪ ማጓየርን ሉክ ሻውን ኣንጻር ባየርን ኣብ ዝነበረ ጸወታ ዝገጠሞም ማህረምቲ ንጋንታ ኤሪክ ተን ሃግ ሃስያ እዩ።

ዩናይትድ ጸረ-መጥቃዕቲ ብምግባር ጥራይ እዮም ክዕወቱ ዝኽእሉ፤ እዚ ክሰርሕ ግና ኣጥቃዕቶም ካብቲ ከርእዩና ዝቐነዩ ዝበለጸ ጻዕሪ ከድልዮም እዩ።

ዩናይትድ ዛጊት ኣብ ሰሌዳ ፕሪምየር ሊግ ኣብ ላዕለዋይ ፍርቂ ንዝርከባ ጋንታታት ኣይሰዓረትን። ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ካብ ዘካየድዎ 16 ግጥማት 18 ሸቶታት ጥራይ እዮም ኣመዝጊቦም።

ሊቨርፑል ኣብ ጥርዚ ሰሌዳ ምህላዎዋ ጥራይ ዘየኮነ ዓባይን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዘላን ጋንታ እያ።

ግምት 4-0