ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝልግሶ ረድኤት ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, UN
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዘለዎ ረድኤት ኣብ ዘይመዓልኡ ስለዝወዓለ ነታ ሃገር ዝልግሶ ዝነበረ ረድኤት ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ።
ዩኤስኤኣይዲ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ንዝጠመዩ ሰባት ዝተለኣኸ ረድኤት ተሰሪቑ ኣብ ዕዳጋ ውዒሉ’ዩ ብዝብል ምኽንያት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ተፈሊጡ።
“እቲ ረድኤት ኣብዘይ መዓልኡ ምውዓሉ ፍጹም ቅቡል ኣይኮነን” ክትብል ዋና ፈጻሚት ስራሕ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሲንዲ ማኬይን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ተዛሪባ።
“ቀንዲ ዕላማና ነቶም ኣብ ናትና ረድኤት ጽግዐተኛታት ዝኾኑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዝጠመዩ ሰባት ምሕጋዝ’ዩ። እቲ ረድኤት ነቶም ጽጉማት ይበጽሕ ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጽና ምስ ኩሎም መሻርኽትና ኮይንና ክነቕጽሎ ኢና” ከምዝበለት ኣብ መግለጺኣ ተጠቒሱ’ሎ።
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ድርቂ ስለዘጋጠመን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሕሉፍ ክልተ ዓመታት ኵናት ሕድሕድ ስለዝተኸሰተን፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 20 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮም ተገሊጹ።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብሰንኪ እዞም ጸገማት ንዝተሃሰዩ 7 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ረድኤት ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ረድኤት ንዘድልዮም ኢትዮጵያውያን 1.8 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ረድኤት ብምልጋስ ቀዳማይ ከምዝኾነ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኮነ ዩኤስኣይዲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘይመዓልኡ ውዒሉ ዝበልዎ ረድኤት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።
እንተኾነ ሮይተርስ ካብ ምሽጥራዊ ሰነድ ለገስቲ ሃገራት ረኺበዮ ኢሉ ኣብ ዝውጽኦ ሓበሬታ፡ ረድኤት ንሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝወዓለ፡ ትካል ልምዓት መንግስቲ ኣሜሪካ ይኣምን ክብል ጸቢጺቡ።
“ብደረጃ ሃገር ኮኑ ክልላዊ መሓውር ተጠርኒፎም ዝርከቡ ወተሃደራት፡ ተጠቐምቲ ናይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም’ዮም” ዝብል ሰነድ ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ።
ናብቶም ዝተጸገሙ ግዳያት ጥምየት ዝኾኑ ዜጋታት ክበጽሕ ዝግብኦ ረድኤት ተዘሚቱ ኣብ ዕዳጋታት ንመሸጣ ምቕራቡ ብምርመራ ስለዝተረጋገጸ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ረድኤት ከቋርጾ ከምዝተገደደ፡ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ቀረባ ግዘ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ተገሊጹ።
እቲ ምዝማት ረድኤት ብሓለፍቲ መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን ከምዝተፈጸመ ዝተሓበረ ኰይኑ፡ ንጽጉማት ተባሂሉ ዝተልኣኸ ረድኤት ንኣባላት ሰራዊትን ነባራት ተዋጋእትን ይቕልብዎ ከምዝነበሩ፡ ዋሽንግተን ፖስት ሞሊቖም ዝወጽኡ ሰነዳት ብምፅራሕ ጸብጺቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ረድኤት ኣብ ዕዳጋ ንነጋዶ ተሸይጡ ተጣሒኑ ክሳብ ናብ ወጻኢ ሃገራት ከምዝተሸጠ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰበ ስልጣናት ንዋሽንግተን ፖስት ሓቢሮም።
ብመሰረት ሓባራዊ መግለጺ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን፡ ነቶም ኣብ ተግባራት ጥምዘዛ ምግቢ ረዲኤት ተዋፊሮም ዘለዉ ኣካላት ተሓተቲ ንምግባር ቈራጽነቶም ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ብተወሳኺ ክልቲኦም መንግስታት፡ ናይ ረዲኤት እኽሊ ኣብ ዘይግቡእ መዓላኡ ካብ ዝጥምዝዝ ኣሰራርሓታት ውሕስነቱ ተረጋጊጹን ተሓልዩን ብግቡእ ኣብ ዝግበኦ መዓላ ንክውዕል ዘድሊ ምክትታልን ጻዕሪን ክገብሩ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ 13 ህጻናት ከምዝሞቱ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ገሊጹ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
