ስለ ምንታይ’ዩ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ሓቢርካ ምንባር ዝያዳ ሕጕስ ዝገብር?

ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልተን ልዕሊኡን ኰይንካ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ምንባር ልሙድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልተን ልዕሊኡን ኰይንካ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ምንባር ልሙድ እዩ
Published

ዋጋታት ናብራና ንምምራሕ እነውጽኦም ወጻኢታት ኣዝዩ ይኸብር ኣሎ።

ብሕታውነት ክኣ፡ ኣመና ዘሻቕል ዓለምለኻዊ ጉዳይ ኰይኑ።

ስለዚ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ምስ ዝዀነ ዘይትፈልጦ ሰብ ገዛ ተኻፊልካ፣ ወጻኢታት ተማቒልካ ምንባር ምርጫ ብዙሓት ይኸውን ኣሎ።

ግን፡ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ብሓባር ምንባይ ከመይ’ዩ?

ምናልባት፡ እቲ መናብትኹም ሽቓቕ ክትጥቀሙ ኣብ እትደልይሉ እዋን፡ በቲ መናብርትኹም ወይ ዝዓደሞም ኣጋይሽ ዝትሓዝ፤ ወትሩ ዘይተሓጸበ ድስትን ሸሓነን ኣብ መሕጸቢ ኣቑሑ ዝጸንሓኩም እንተዀይኑኸ?

ወይ ድማ፡ ክትድቅሲ ኣብ ዝደለኽሉ ሰዓት ኣብ ጐኒ መደቀሲ ክፍልኺ ዘላ ካልአይትኺ ዓው ዝበለ ሙዚቃ እትኸፍት እንተዀይናከ?

ሕራይ፡ ከምኡ ኣይኰነን ንበል።

ግን ድማ፡ ዋጋ ኪራይ ገዛ ኣዝዩ ይንህርን ከምቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝብሎ ድማ፡ ብሕታውነት ስግኣት ዓለምለኻዊ ጥዕና ይኸውን ኣብ ዘለወሉን ግዜ፡ ምስ ዝዀነ ሰብ ገዛ ተኻፊልካ ምንባር ቀልቢ ብዙሓት ዝስሕብ ጉዳይ ይኸውን ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምስ ካልኦት ሰባት ሓቢርካ ክትነብር ምኽኣል ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል፤ እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ግን ሕብረተሰብና ነዚ ድልዊ ድዩ ዝብል’ዩ።

ጓል 30 ዓመት ሮዚ ኬሌት፡ ኣብ ለንደን እትነብር ጸሓፊት መግቢ እያ።

ብ2020፡ ምስ ፍቕረኝኣ ምስ ተፈላለየት ሓድሽ ገዛ ክትካረ ግድን ነይሩ፤ ኣብ ሓደ ነባር ህንጻ ክፍሊ ዝካረ ገዛ ከም ዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትርኢ።

ኣብዚ ህንጻ፡ ኣስታት 100 ዝተፈላለዩ መኽዝናት ዝመስሉ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዘለው ትዛረብ።

ኬሌት፡ ዕድሚኦም ካብ 20 ክሳብ 30 ምስ ዝዀኑ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ብሓባር ትነብር።

ሰሙናዊ፡ ንኣስቤዛ፣ ናይ ጕሓፍ መአከቢ ፕላስቲክ፣ መጽረዪ ገዛ፣ መግብን ካልእን ዝኸውን 25 ፓውንት ናብ ሓበራዊ ሕሳብ ባንክ ኣታዊ ይገብሩ።

ወትሩ ምሸት፡ ሓደ ሰብ መግቢ የዳሉ።

ኣብ ሓበራዊ ናይ ዋትሳፕ ጉጅለ ክኣ፡ ንድራር ክመጽእ’የ ወይ ኣይመጽእን፣ ቁሩብ ከምሲ ይኸውን’የ ድራር ኣጽንሑለይ ወይ ጋሻ ሒዘ ይመጽእ ኣለኹ’የ ዝብል መልእኽቲ ይለዋወጡ።

ዝዀነ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዝወሃቦ ዕዮ ሕጕስ እንተሎ ንምርዳእ ክኣ ናይ ገዛ ኣኼባታት ይገብሩ።

“ን30 ደቓይቕ ንክንእከብ መጀመርታ ብዋትሳፕ ድምጺ ንእክብ፤ እዚ ድማ፡ ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ዝወሃቦ ዘሎ ዕዮ ሕጕስ እንተሎ ወይ ካልእ ክንዘራረበሉ ኣለና ዝብሉዎ ኣጀንዳ ንምፍላጥ ብዝተኽኣለ መጠን ከየቋረጽና ክንእከብ ንፍትን” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ምንባር፡ ወትሩ ኣብ ጐንኻ ሓደ ሰብ ምህላው ክትፈልጥ ዝሕግዝ ምዃኑ’ዩ ትብል፤ ገሊኦም ድማ ናይ ኣባል ስድራ ስምዒት ከም ዘሕድሩልካ ትዛረብ።

“”ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን” እትብል ኬለት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ለንደን ዝካረ ገዛ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይኸውን ከም ዘሎ ሓቢራ።

“ኣብዚ ጽቡቕ ህይወት ክትነብር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝኸውን ዘሎ ይመስለኒ” ኢላ።

እዚ ግን፡ ጐናዊ ሳዕቤናት ኣለውዎ’ዮም።

ኬሌት፡ ንበይና ከተሕልፎ እትደሊ ግዜ ንምርካብ ብዙሕ ጻዕሪ ይሓታ።

“ብዙሕ ሰብ ካብ ዝተኣከበሉ ጠረጴዛ ተላዒለ ክኸይድ የጸግመለይ፤ እቲ ሓበራዊ ምዝናይ ይትረፈኒ ኢለ እንተተፈልየ’ውን ድምጺታት ምስምዐይ ኣይተርፍን። ክልተ ሻወር፣ ክልተ ሽቓቕ ኣሎ፤ እዚ ብሓባር ምጥቃም ኣየጸግመልናን። ግን ክኣ ሓንቲ መሕጸቢት ክዳን ጥራይ እያ ዘላ፤ እኹል ኣይኰነን”።

ኣብ ከምቲ ኬሌት እትነብረሉ መኽዝን ናይ ሓባር ገዛ ዝነብሩ ሰባት ብቐዋምነት ዝነብሩ ዘይክዀኑ ይኽእሉ’ዮም።

ንዝያዳ ቀዋሚ መነባብሮ ተባሂሎም ዝዳለው ካልኦት ሓበራዊ መንበሪ ቦታታት ግን ኣለው።

ጓል 36 ዓመት ክሪል ዜሪንግ ምስ በዓል ቤታን ጓል ሰለስተ ዓመት ጓላን ኣብ ኣመሪካ ዊስኮንሲን ኣብ ዝርከብ ናይ ሓባር ገዛ ትነብር።

“በዓል ቤተይ ነታ እንነብረላ ዝነበርና ናይ መጀመርታ ክፍሊ ገዚኡ። ሓባራዊ ኣባይቲ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ’የ፤ ጽቡቕ’ዩ። ብሓባር እንተጸኒሕና ኣብ መወዳእታ ናይ ብሓቂ ክፈትዎ ይኽእል እየ እብል ነይረ” ትብል።

ናይ ሓባር ኣባይቲ ኣርብኮ፡ ክልተ ኣፓርታማታትን ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ናይ ሓደ ስድራቤት ገዛውትን ኣለዎ።

መንበሪ ኣባይቲ

ምንጪ ስእሊ, Creal Zearing

ነፍሲ ወከፍ ገዛ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ መደቀሲ ክፍሊ፡ ሻወርን ክሽነን ኣለዎ።

ኣብዚ ካብ ቈልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ክሳብ ንበይኖም ዝነብሩ ኣረጋውያን ዝርከቡዎም ኣስታት 100 ሰባት ይነብሩ።

“እዚ እንነብረሉ ቦታ፡ ዳርጋ ማሕበር ኮንዶሚንየም'ዩ - ብሕጋዊ መዳይ፡ ከምኡ'ዩ ክመስል ተገይሩ ዝተሃንጸ’ዩ” ትብል ዘሪንግ።

“እቲ ገዛ ናይ ባዕልና እዩ፤ ግን ወርሓዊ ናይ ኮንዶሚንየም ክፍሊት ንኸፍል። እዚ ድማ ነቲ እንጥቀመሉ ማሕበረሰባዊ ቦታታት ንምድጋፍ ይሕግዝን ንገለ መድሕን ገዛውትና ይሽፍንን”።

ነበርቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሒደት ሰሙናት መግቢ የዋጽኡ። ወርሓዊ ድማ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፍጻመታት ይዳለው።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ናይ ቦርድን ኮሚቴ ከምኡ’ውን ኣባላት ኣኼባ ይካየድ።

ነፍሲ ወከፍ ነባሪ ኣብ ሰሙን ንኣርባዕተ ሰዓታት ኣብቲ ሓበራዊ መንበሪ ዝዀነ ስራሕ ከበርክት ትጽቢት ይግበር።

“ናይ ሙሉእ መዓልቲ ሰራሕተኛ እየ፤ ግን ብዙሓት ጡረታ ዝወጽኡ ሰባት ኣለዉ። ንሳቶም ኣነ ዝናፍቘ ናይ ሓባር ግዜ ዝያዳ የሕልፉ” ትብል።

ወሲኻ፡ “እቲ ዝያዳ ዋጋ ዝህቦ ነገር ዓቢ ናይ ወለዲ ማሕበረሰብ ዘለና ምዃኑ’ዩ። ከም ሓዳስ ኣደ መጠን ምኽሪ ንምርካብ ናብቶም ወለዲ ይጽጋዕ” ኢላ።

ጓላ ምስ ካልኦት ቈልዑ ክትጻወተሉ እትኽእለሉ ዕድላት ምርካባ’ውን ካልእ እቲ ኣነባብራ ክትፈትዎ ካብ ዝገበሩዋ ምኽንያታት እዩ።

ኵሉ ግን ቀሊል ኣይኰነን።

“መብዛሕትና ካባና ትጽቢት ዝግበር ነወፊ ኢና፤ ካልኦት ምንም ዘይገብሩ ሰባት’ውን ግን ኣለው” ብምባል ኵሉ ሰብ ካብኡ ትጽቢት ዝግበር ኣብ ምብርካት ማዕረ ውፍይነት ከም ዘይብሉ ትገልጽ።

'ዓለምለኻዊ ማሕበረሰባት'

ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ገዛ ተካፊልካ ምንባር ኣዝዩ ዝተለምደ እዩ።

ነዚ ዝደረኺ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከም ዘለው ይግለጽ።

ከም ጸብጻብ ዘ ጋርድያን፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ብሪጣኒያ ተገዳስነት ሓበራዊ ናብራ ክውስኽ ኣበርክቶ ገይሩ’ዩ።

ገለ ነበርቲ’ውን፡ እዚ ዓይነት ኣነባብራ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ንምክልኻል ከም ዝሓገዞም ንቢቢሲ ገሊጾም።

ሙሁራት ሓሙሽተን ልዕሊኡ ዝዀኑ እሞ ድማ ዝዀነ ዓይነት ሌላ ዘይጸንሖም ሰባት ብፍቓዶም ብሓባር ክነብሩ እንከለው፡ ‘ዓለምለኻዊ ማሕበረሰባት’ ኢሎም ይጽውዑዎም።

ኣባል ቦርድ ‘ዲገርስ ኤንድ ድሪመርስ’ ዝተባህለ ትካል ዝዀነት ፔኒ ክለርክ፡ ዕዳጋ መንበሪ ኣባይቲ ልዑል ጸቕጢ ይበጽሖ ስለ ዘሎ ብዙሓት ሰባት ናብ ሓበራዊ ኣነባብራ ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ትገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ ኣባላት ስድርኦምን ዝተወለድሉ ከባብን ርሒቘም ብምህላዎም ክኣ፡ ማሕበራዊ ምትእስሳር ክፈጥሩ ምድላይ ንቡር ተውህቦ ይኸውን።

ሓባራዊ ኣነባብራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መጽናዕቲታት፡ በዚ ኣገባብ ኣነባብራ ዝነብሩ ሰባት ምስቶም ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኰይኖም ሕጕሳት ዝኰኑ ሰባት ዝመዓራረ ጽቡቕ ህይወት ከም ዝነብሩ የመልክቱ።

ኵሉ ሰብ ብኸምዚ ኣገባብ ክነብር ይኽእል’ዶ?

ምስ ሰብ ክትንብር እንከለኻ፡ “ሕድገታት ክትገብር ግድን እዩ፤ ብሓባር እትነብሮ ህይወት ቁሩብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ሓሓሊፉ፡ ከምቲ ዘይሓሰብካዮ ኰይኑ ገለ ሰባት ሓሪቘም ክፍለዩኻ ይኽእሉ’ዮም፡ ክትብል ፔኒ ተረድእ።

ሎሚ፡ መሬት ክትረክብ ኣጸጋሚ’ዩ፡ ፋይናንሳዊ ሓደጋታቱ ዝለዓለ ምዃኑ፣ ባንክታት’ውን ልቓሕ ገንዘብ ንምሃብ ሰጋእ መጋእ ስለ ዝብላ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት፡ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ምህናጽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ።

“ጽቡቕ ህይወት. ጽቡቕ ገዛ እንታይ’ዩ ኣብ ዝብል ውሁባት ዝዀኑ ግምታት ኣብ ውሽጢ ዘለዎ ማሕበረሰብ ኢና ንነብር። እቲ ሓባራዊ መነባብሮ ዝብል ጉዳይ ድማ ምስዞም ግምታት ሓቢሩ ዝኸይድ ኣይኰነን።

"ኣብ ሕብረተሰብና ብሕትውና ጽቡቕ እዩ፡ ነገራት ምውናን ድማ ጽቡቕ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለና። ጽቡቕ ገዛ ዝብል ሓሳብ ክኣ ባዕልኻ እትውንኖ ዓቢ ገዛ'ዩ” ብምባል እትነብረሉ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ምክፋል ብቐሊሉ ዝልመድ ከም ዘይኸውን ሓቢራ።