ሶማልያ ኣብ ቀራና፡ ኣብ ሞቓድሾ ንምንታይ ብርቱዕ ተዅሲ ተሰሚዑ?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ተቓወምትን ኣብ መቓድሾ ብርቱዕ ምልውዋጥ ተዅሲ ተኻይዱ።
እዚ ፍጻመ'ዚ ዝሰዓበ፡ ፕረዚደንታዊ መረጻ ካብ ምዱብ ግዜኡ ብምንዋሑ ምስሕሓብ እናኸረረ ብምምጻኡ እዩ።
ስልጣን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብ15 ግንቦት ከብቅዕ እኳ እንተ ነበሮ፡ ንሓደ ዓመት ግን ተናዊሑ ኣሎ።
ተቓወምቲ፡ ነዚ ዝተወስደ ስጕምቲ ሕገ-መንግስታዊ ኣይኰነን ብምባል ሓያል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክካየድ ንሓሙስ ጸዊዖም ነይሮም።
ከም ጸብጻብ ነበርቲ እታ ርእሰ-ከተማ፡ እቲ ድምጺ ተዅሲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዝተሰምዐ ኰይኑ፡ ምሉእ ለይቲ ቀጺሉ ሓዲሩ።
ፖሊስ ብወገኖም ኣብ ገለኡ ከባቢታት፡ "ኣብ ልዕሊ ብሞርታር መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት" ሓያል ስጕምቲ ይወስዱ ከም ዘለዉ ገሊጾ።
ሶማልያ ንመወዳእታ ግዜ ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ ዝህበሉ ምርጫ ኣብ 1969 ዘካየደት ኰይና፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ድማ ብውግእ ሓድሕድ ክትሕመስ ጸኒሓ።
ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ሓሰን ዓሊ ኻይረ ከም ዝገለጾ፡ ንሱን ካልኦት መራሕትን ንሓሙስ "ሰላማዊ" ሰልፊ ንምክያድ እናተዳለዉ እንከለዉ፡ ብሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ተፈንይሎም።
"በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንዝወርድ ዝዀነ ይዅን ዕንወትን መጕዳእትን፡ ሓላፍነት ዝስከም እቲ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት እዩ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ገሊጹ።
ቀጺሉ፡ "እዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ልዕሊ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ዜጋታት ሶማልያ ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕትን ነቲ ሰላማዊ ምእካብ ንምዕፋን ዝተገብረ ኰነ ኢልካ ዝተሃቀነ ፈተነን እዩ፡" ኢሉ።
ሓደ ነባሪ ንሮይተርስ ከም ዝገለጾ፡ ሓደ ቦምባ ናይ ሞርታር ኣብ ጐረቤቶም ብምውዳቑ ንሓንቲ ኣደ ኣቝሲሉዋ ኣሎ።
ኣሕመድ እስማዒል ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ጥቓና ዘሎ ዓቢ ገዛ ይነድድ ኣሎ፤ ሞርታራትን ካልኦት ኣጽዋራትን እዮም ኣዕሊቦምሉ፡" ኢሉ።
በዚ ምኽንያት ዝሞቱ ወይ ዝቘሰሉ ሰባት ቍጽሮም ዛጊት ኣይተፈልጠን፤ ፕረዚደን'ውን ዝሃቦ ርእይቶ የሎን።
ኣብ ኤክስ ኣብ ዝወጽአ መግለጺ፡ መሻርኽቲ ኻይረ ዝዀነ ፕረዚደንት ነበር ሸኽ ሸሪፍ ኣሕመድ፡ ተቓወምቲ ብኸምዚ ተግባራት ከም ዘይስከኑ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"እቲ ፕረዚደንትን ወተሃደራቱን ዝፈራሕና ወይ ክንድምስስ ኢና ኢሎም እንተ ሓሲቦም፡ ንሕና ጋእ ኣይንብልን ኢና፡" ኢሉ።
እቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ብምቕጻሉ፡ እቲ ዝተሓሰበ ሰልፊ ኣይተኻየደን።
እታ ርእሰ-ከተማ ብተዛማዲ ርግኣት ዓሲሉዋ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ግና ሓሓሊፉ ድምጺ ተዅሲ ይስማዕ ነይሩ።
ስቪል ኣቭየሽን ሶማልያ፡ እቲ ግጭት ንበረራታት ኣይዓገቶን ብምባል፡ ተጓዓዝቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ዝግበር ንጥፈታት ኣብ ንቡር ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም እዮም።
እቲ ብዓል-መዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኵሎም ሎሚ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ዓደ ክግበሩ ዝተመደቡ በረራታት ከምቲ ዝተሓሰበሉ ይሰርሑ ኣለዉ፤ ዝተሰረዘ የሎን፡" ኢሉ።
ኣብ መቓድሾ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ነቲ ግጭት "ሓላፍነት ዘይብሉ" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ መራሕቲ ናይ ኵሎም ወገናት ድማ "ርግኣት ኣብ ምስፋንን ፍልልያት ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምፍታሕን ሓላፍነት ኣለዎም፡" ኢሉ።
ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ኵሉ ዓይነት ተግባራት ዓመጽ ብምዅናን፡ ኵሎም ወገናት ገዛእ-ርእሶም ክገትኡን ንዘይምርድዳኣት ብዘተ ንምፍታሕ ክሰርሑን ተማሕጺኑ።
ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሶማልያ ብወገኑ፡ መራሕቲ ንሃገራዊ ረብሓታት ቀዳምነት ክህቡን፡ "ኣብ ረብሓ ህዝቢ ሶማልያ ዝተመርኰሰ ናብ ስምምዕ ዘብጽሕ መርሓ-ጐደና ክኽተሉን፡" ኣተሓሳሲቡ።
ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ ኣብ 2022 ብባይቶ ዝተመርጸ ኰይኑ፡ ንመሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ (ፋርማጆ) ብምስዓር ተመሪጹ።
ንሱ ኣቐዲሙ ካብ 2012 ክሳዕ 2017 ፕረዚደንት ኰይኑ ዘገልገሉ ኰይኑ፡ ናይ ሽዑ እብረ ስልጣኑ ኣብ ውግእ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝተኰረ ነይሩ። እዞም ጅሃዳውያን ዕጡቓን ክሳዕ ሕጂ ንሓያሎ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺሮም ኣለዉ።
ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ምብቅዑ ስዒቡ፡ ፈደራላዊ መንግስትን ተቓወምትን መስርሕ ዘተ እኳ እንተ ጀመሩ፡ ናብ ስምምዕ ክበጽሑ ግን ኣይከኣሉን።
ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ ንሶማልያ ናብ ደሞክራስያዊ መረጻ ንምስግጋር ክጽዕር ጸኒሑ እዩ፤ ዓበይቲ ዓዲ ንኣባላት ባይቶ ዝመርጽሉ ከምኡ'ውን ንሳቶም ብግደኦም ፕረዚደንት ዝመርጽሉ ስርዓት ግን ክቕየር እዩ ዝደሊ።
ተቓወምቲ እቲ ቅኑዕ መረጻ ብኸመይ ክካየድ ከም ዘለዎ ኣይሰማምዑን። ነቲ ኣብ መጋቢት ዝተገብረ ቅዋማዊ ምምሕያሽ ንስልጣን ፕረዚደንት ንሓደ ዓመት ዘናውሕ ስጕምቲ ድማ ይነጽጉዎ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ሓድሽ ናይ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ሕግን ምሻም ኮምሽነራት መረጻን ንዅሉ ዘጠቓለለ ኣይኰነን፤ ስለዚ ድማ ንፍትሓዊ መረጻ ዝሃሲ እዩ ክብሉ ይማጐቱ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

