'ፍርሕን ጸሎትን' ዘንጸላለዋ ዝተኸበት ከተማ

ምንጪ ስእሊ, Mohamed Zakaria/BBC
ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ሱዳን እትርከብ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ዘላ ናይ መወዳእታ ማእኸል ዝኾነት ከተማ ኤል ፋሸር ዘንጸላለወ ስግኣት ወራር ንመዓልታዊ ቃልሲ ህይወት ነበርቲ ኣጸልሚትዎ’ሎ።
ወዲ 31 ዓመት መምህር እንግሊዝኛ ዑስማን መሓመድ “ኩላትና ኣብ ፍጹም ፍርሕን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት እንታይ ከም ዝጽበየና ኣብ ጭንቂ ኢና ንነብር” ይብል።
ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑ ዝኾነ መሓመድ ዓሊ ኣደም መሓመድ ዝተባህለ ወዲ 36 ዓመት ወናኒ ድኳን እውን ኣብ ከቢድ ስግኣት ተሸሚሙ ይርከብ።
"ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ኣብ መንጎ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ሰራዊትን ውግእ እንተድኣ ተወሊዑ ንሕና ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ክንከውን ኢና" ክብል ንቢቢሲ ይገልጽ።
ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅመር ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቝጸረ ኮይኑ፡ እቶም ብሓባር ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ ክልተ ወተሃደራዊ መራሕቲ እታ ሃገር [እቲ ሓደ ኣዛዚ ዕጡቓት ሓይልታት እቲ ካልኣይ ድማ ኣዘዚ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ] ኣብ ጉዳይ መጻኢ ዕድል እታ ሃገር ከይተሰማምዑ ብምትራፎም ዝሰዓበ እዩ።
ከተማ ኤል ፋሸር ክሳብ ሎሚ ካብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ኣብ ዝኾነት ዳርፉር ዝፍጸም ሕሱም ዓመጽን ዓሌታዊ ቅትለትን ዝተዓቀበት እያ ነይራ።
ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ግን እቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ነታ ብዕጡቓቱ ካብ ዝተታሕዙ ካልኦት ከባቢታት ዝሃደሙ ሓዊሱ ኣማኢት ኣሽሓት ተመዛበልቲ ዘዕቆበት ኤል ፋሸር ኣብ ከበባ ኣእትይዋ ይርከብ።
ክሳብ ሕጂ ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ቦምባን ብሰንኪ ነኣሽቱ ግጭታትን 43 ሰባት ከምዝሞቱ መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ነበርታ፡ ብርግጽ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ምሉእ መጥቃዕቲ ክኸፍት ድዩ ኣይክኸፍትን ንዝብል ብጭንቀት ተዋሒጦም ኣብ ዝጽበዩሉ ዘለዉ እዋን ቀንዲ ትኹረቶም ብኸመይ ሃዲሞም ንነብሶም ከድሕኑ ከምዝኽእሉ ምሕሳብ ኮይኑ’ሎ።
ዑስማን ተሓጽዩ’ሎ፤ ስለዚ ምስ ሕጽይቱ ንሓድሽ ህይወት ክዳሎ ምተገበአ። እኳ ደኣስ ኣብ ክንድኡ ህይወቱ ኣብ ምድሓንን መሰረታዊ ድሌታት ንምምላእን ተፀሚዱ ይርከብ።
"ህይወት ብሰንኪ ጸገም ውሕስነትን ሕጽረት ዋሕዚ ጥረ ገንዘብን ልዕሊ ዓቐን ከቢድ'ዩ ዘሎ። ኩሉ ነገር ኣዝዩ ክቡር እዩ። መግቢ፣ ማይ፣ መጓዓዝያ፣ ትምህርትን ኩሉ ይኸብር ኣሎ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
መሓመድ፡ “ማእከላይ መነባብሮ ዝነበሮ’ውን ስለዝጠፍአ ሕጂ 80 ሚኢታዊት ዜጋታት ድኻታት ኮይኖም ኣለዉ” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Mohamed Zakaria/BBC
ኣብ መጀመርታ እቲ ግጭት ድኳኑ ብተባራሪ ጥይት ስለዝተወቐዐት ነታ ነባር ሹቕ ዓጽዩ ካልእ ንእሽቶ ክኸፍት ተገዲዱ። ግን ከኣ ሕጽረት ሸቐጣት ስለዘሎ ፡ ብሰንኪ ምልውዋጥ ዋጋን ዕብለላ ውሑዳንን እቲ ንጥፈታት ንግዲ ለሚሱ’ሎ።
"ጽርግያታት ኣብ ዝዕጸዉሉ እዋን ዋጋታት ኣዝዩ ይውስኽ" ይብል።
ሓይሊ ኤሌክትሪክ የለን፤ ከቢድ ሕጽረት ማይ ኣሎ። ሕጽረት ነዳዲን ዋሕዚ ተመዛበልቲ ዘንቀሎ ወሰኽ ጠለባትን ተደሪቦም ነቲ ጸገም ብዝያዳ የጋድድዎ።
"ዋጋ ማይ ብዘሻቕል ኩነታት ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ" ይብል ዘዋሪ ታክሲን ነጋዳይ መግብን ሑሴን ዑስማን ኣዳም።
“ህይወት ብቑጠባ፣ ብጥዕናን ስነ-ኣእምሮኣውን መዳይ ክግለጽ ብዘይክእል ኩነታት ንኹሉ ሰብ ኣዝዩ ዘሕዝን ኮይኑ’ሎ” ዝብል ሑሴን፡ ሕማም ሽኮርያ ዘለዎ ኮይኑ ንመጠን ሽኮር ደም ዝዕቅነሉ መሳርሒ ግን ኣብ ዕዳጋ ክረክብ ኣይከኣለን።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ዝኾነ ነገር ጥራይ ኢና ንጽበ ዘለና" ይብል።
ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ዝኸፍአ ኩነታት ከጋጥም ከምዝኽእል እዮም ዘጠንቅቑ።
ኣብቲ ኣብ ኣፍደገ ጥሜት ዝርከብ ከባቢ ምሉእ መጥቃዕቲ ምኽፋት ዘስዕቦ ሳዕቤን ብዝምልከት መጠንቀቕታታት ኣውጺኦም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Mohamed Zakaria/BBC
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን "ሰፊሕ ጨፍጫፍ፤ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ዕንወት” ከይፍጸም ኣጠንቂቓ ነይራ።
ነዚ ሻቕሎታት ዘንቀሎ ድማ፡ እቲ ኣብ ካልኦት ብሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን መሻርኽቶም ዓረብ ምልሻታትን ዝተትሓዛ ከተማታት ዝተፈጸመ ሰፊሕ ዝምታ፣ ዓሌታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ዘይዓረብ ዓሌታት ጾታዊ መጥቃዕትን እዩ።
ኣዘዝቲ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ግን ነዚ ክስታት ይነፅግዎ።
ካብ ወራር ሰራዊት ንዓርሶም ናይ ምክልኻል ሕጋዊ መሰል ከምዘለዎም ብምግላፅ፡ “ሰራዊት መንግስቲ ኮነ ኢሉ ብቦምባታት ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ” ይኸሱ።
ሓደ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ንከተማ ኤልፋሸር ክቆጻጸሩዋ ዘይከኣሉ ምኽንያት፡ ኣብኡ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ምስ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ብምሕባሮም እዩ። ብቐንዱ ካብ ብሄረ ዛጋዋ ዝኾኑ እቶም ዓመጽቲ ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ቅልጡፍ ደገፍ ወሳኒ ስዕረት ከብጽሑ ዝነቐሉ እዮም።
ስለዚ፡ ኣብታ ኣብ ክባ ኣትያ ዘላ ከተማ ኲናት እንተተወሊዑ ብርቱዕን ደማውን ከም ዝኸውን ትጽቢት ይግበር።
“ኣብዚ እዋን’ዚ ሲቪላትን ዕጡቓት ሓይሊታት ሱዳንን ንጹር መህደሚ መንገዲ የብሎምን” ይብል ናትናኤል ራይሞንድ - ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥዕና ማሕበረሰብ ያል ፈጻሚ ዳይረክተር ሰብኣዊ ምርምር።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ነዚ ኩነታት... ቀታሊ ሳንዱቕ ኢና ንብሎ፤ ምናልባት’ውን እቲ ምትእትታው ክግበረሉ ዝኽእል ዕድል ጠፊኡ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢሉ።
መርትዖታት ከምዝረኸቡ ዝገልጽ እቲ መሁር፡ እቲ ሰራዊት “ክሳብ ሞት” ብቐረባ ንዝካየድ ውግእ ይሸባሸብ ከምዘሎ ይዛረብ።
ኣብ ባይታ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ትካል ግብረ ሰናይ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም (ኤም ኤስ ኤፍ) ክሳብ ሕጂ ብወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ነፈርቲን ደብዳብ ከበድቲ ኣጽዋር ሓይሊታት ቅልጡፍ ደገፍን ንዝቖሰሉ 125 ሕሙማት ከምዝሓከመ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ዝወሰኸ ወጥሪ ነቲ ካብ ቀደሙ ዝነበረ ጸገም ብዝያዳ ኣሰካፊ ከምዝገበሮ እትዛረብ ሓላፊት ህጹጽ ምላሽ ኤምኤስኤፍ ኣብ ሱዳን ክሌር ኒኮሌት፡ ውግእ እንተተወሲኽዎ ድማ ኣዝዩ ከጋድዶ’ዩ ትብል።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብቲ ከባቢታት ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰባት ናብ ከተማ ኤል ፋሸርታ ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት መአከቢ ቦታታትን ኣዕቊቦም ይርከቡ።
ፋይዛ ኢብራሂም ዑስማን ኣብ ሓንቲ ካብቶም መዕቆቢታት ኣብ ዝኾነት ማእከል ታምባሲ ተቖጻጻሪት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ’ያ።
ብገለ መልክዑ ታሪኾም ትካፈል ኮይና ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ ካብ ዝርከብ ገዝኣ እያ ተፈናቒላ። ህይወት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኤል ፋሸር ዘጨንቕ ምዃኑ ብምግላጽ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ውሑስ ስለዝኾነ እዩ ትብል።
እቲ ማእከል መድሃኒት ወይ ሕክምና ንምርካብ ዝተጸገሙ ጥዕናዊ ሽግራት ዘለዎም ሰባት እውን ሒዙ’ሎ።
ሕጽረት መግቢ ግን እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ስክፍታ ኮይኑ፡ ቀይሕ መስቀል ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ መግቢ ምቕራብ ደው ኣቢሉ ኣሎ።
ብሓሙስ ኣብቲ ማእከል ቁርኣን ናይ ምቁራእ ስነስረዓት ተኻይዱ ነይሩ።
"ኣላህ ነቲ ኲናት ደው ንከብሎ ዝተኻየደ ጸሎት እዩ" ትብል ፋይዛ።
"ወረታትን ካብ ርሑቕ ንሰምዖ ድምጺ ቶኽሲን የፍርሐና። ነፈርቲ ክመጻ ከለዋ ድምጺ ጸረ ነፈርቲ ክትኮስ ንሰምዕ። ኣብ ውሽጢ ኤል ፋሸር ግጭት ከይፍጠር ጥራይ ኢና ንፈርሕ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ሕቡራት ሃገራት ሰባት ክሃድሙ እንተፈቲኖም ከይቕተሉ ከምዝፈርሑ እንትገልፅ፡ ግብረ-ሰናይ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም (ኤምኤስ ኤፍ) ዝሃድሙሉ ቦታታት እውን ከምዘየለ ይገልፅ።
![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

