ኣሰልጣኒ ማን ዩናይትድ፡ ቸልስን ርያል ማድሪድን ነበር ሆዜ ሞሪኖ ካብ ሮማ ተባሪሩ

Published

ኣሰልጣኒ ማን ዩናይትድ፡ ቸልስን ርያል ማድሪድን ዝነበረ ሆዜ ሞሪኖ ካብ ኣሰልጣንነት ኢጣልያዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሮማ ተባሪሩ።

እቲ ወዲ 60 ዓመት ፖርቱጋላዊ ኣብ ግንቦት 2021 እዩ ነታ ጋንታ ተረኪብዋ። ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ከኣ ንዋንጫ ኣውሮጳ ኮንፈረንስ ሊግ ክትዓትር ኣክኢልዋ እዩ።

ሎምዘበን ግና ብዙሕ ዘይሰለጦ ሞሪኖ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ከተማ ብእትርከብ መቐናቕንቲ ጋንታ ላዝዮ ካብ ግጥማት ኮፓ ኢጣልያ ተገሊፋ።

ኣብ ሰሌዳ ‘ሴርያ ኣ’ ኣብ ታሽዓይ ታርታ እትርከብ ሮማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ ኤሲ ሚላን 3 ብ 1 ተሳዒራ።

ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ንምስታፍ ካብ ዘኽእል ደረጃ ሓሙሽተ ነጥቢ ጐዲላ እትርከብ እታ ኢጣልያዊት ጋንታ ምስ ሞሪኖ ዝጸንሓ ውዕል ምስራዛ ኣፍሊጣ።

ወነንቲ እታ ጋንታ፡ ዳንን ራያን ፍራይድኪንን ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ “ሆዜ ሞሪኖ ንዘርኣዮ ወንን ተወፋይነትን ብስም ጋንታና ክነመስግኖ ንፈቱ፡” ኢሎም።

ወሲኾም’ውን “ንጥቕሚ እታ ጋንታ ብምቕዳም፡ ለውጢ የድልይ ኢዩ ኢልና ኢና ንኣም” ኢሎም።

ሞሪኖ ኣብ 2022 ሮማ ተዓዋቲት ኣውሮጳ ኮንፈረንስ ሊግ ክትከውን ኣብቂዕዋ እዩ።

እታ ጋንታ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ነቲ ጽዋዕ ብምልዓላ፡ ሞሪኖ ኣብ ደገፍቲ ዓቢ ስፍራ እዩ ረኺቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሮማ ንግጥም ፍጻመ ኣውሮጳ ሊግ እኳ እንተበጽሐት ብፍጹም ቅላዕ ብሲቪያ ተሳዒራ ተሰናቢታ።

ንግጥማት እዚ ዓመተ-ውድድር ብድኹም ምንቅስቓስ ዝጀመረት ሮማ፡ ካብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ግጥማት ሓሙሽተ ነጥቢ ጥራይ እያ ረኺባ።

ሞሪኖ ኣብ ሮማ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣብ ግጥማት ናይ ምዕዋት ተኽእሎኡ ብሚእታዊት ክግምገም ከሎ 49% እዩ።

ንሱ ኣሰልጣኒ ፖርቶን ርያል ማድሪድን ኣብ ዝነበረሉ እዋን 72% ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ኔርዎ።

እቲ ኣዘራራቢ ኣሰልጣኒ ንቤንፊካ፡ ፖርቶ፡ ቸልሲ፡ ኢንተር ሚላን፡ ርያል ማድሪድ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ቶተንሃምን ኣሰልጢኑ እዩ።

ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ውዕሉ ከብቅዕ ምዃኑ ዝግለጽ ዝነበረ ሞሪኖ፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምርሕ ከምዝኽእል ገለ ምንጭታት ይገልጹ።