ውፅኢት ዘተ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መንግስትን ህወሓትን ሎሚ መዓልቲ ወግዓዊ ክኸውን’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወተሃደራዊ መራሕቲ ህወሓትን ኣብ ናይሮቢ-ኬንያ ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብ ዝተዛዘመ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ድማ ሎሚ ቀዳም ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ወግዓዊ ክኸውን እዩ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ንምቁራጽ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ትግራይን ስምምዕ ሰላም ፐሪቶሪያ ምፍራሞም ስዒቡ’ዩ ዘተ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክካየድ ቀንዩ።
እቲ 23 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ደው ምባል፡ ቀዋሚ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ከምኡ’ውን ምፍታሕ ኣጽዋር ዘጠቓልል እዩ።
ብመሰረት እዚ፡ እቲ ቀንዲ ስምምዕ ምስተፈረመ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቶም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክዘራረቡ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ዝርዝር ኣተገባብራ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ክሰማምዑ ንዝተበፅሐ ስምምዕ ስዒቡ’ዩ ኣብ ናይሮቢ ዝተራኸቡ።
ካብ ሰኑይ 28 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ፡ ኣብ ናይሮቢ ክካየድ ዝፀንሐ ዕጹው ዘተ፡ ንሰለስተ መዓልታት ክጸንሕ’ኳ ተገሊፁ እንተነበረ፡ ክልተ መዓልታት ብምውሳኽ ክሳብ ዓርቢ ምንውሑ ይፍለጥ።
ብዘይካ ክልቲኦም ተላዘብቲ ወገናትን ኣሸማገልትን ናብቲ ኣብ ናይሮቢ ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ካልእ ዝኾነ ኣካል ክኣቱ ስለዘይተፈቕደ፡ ብዛዕባ መዓልታዊ ዝነበረ ኩነታት፡ ምዕባለ እቲ ዝርርብን ዝተበፅሐ ውጽኢትን ዛጊት ዝፍለጥ ነገር የለን።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘተ መደረ ዘስምዑ ተወከልቲ ክልቲኦም ወገናት፡ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ገደብ ክቐርበሉ ምግባር ጊዜ ዘይወሃቦ ጉዳይ ከምዝኾነን መሰረታዊ ግልጋሎት ብቕልጡፍ ክጅመር ከምዝግበርን ገሊፆም ነይሮም።
ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ብዓርቢ ኣብ ትዊተር ብዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ኩነታት ብዝሓሸ ናብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣቱ ምህላዉ ጠቒሱ።
ይኹን'ምበር ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ከምቲ ዝተብሃለ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን ናብ ክልል ትግራይ ዝወስድ ኩሉ መገድታት ንቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኸፍቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓርቢ ገሊፁ ነይሩ።
ነዚ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕን ኣብ ኬንያ ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብን ሕብረት ኣፍሪቃ ይመርሖ ከምዘሎ ይፍለጥ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
