ኣመሪካ ቀታሊ ዲፕሎማሰኛኣ ናብ ቤትማእሰርቲ ክምለስ ጠሊባ

Published

ኣመሪካ፡ እቲ ብቕትለት ሓደ ዲፕሎማሰኛኣ ተፈሪዱ ዝነበረ ሱዳናዊ ናብ ቤትማእሰርቲ ክምለስ ሓቲታ።

ሰብመዚ ሱዳን፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ነቲ ወልቀሰብ ካብ ቤትማእሰርቲ ከምዝወጽእ ምግባሮም "ኣዝዩ" ከም ዘሻቐላ ኣመሪካ ትማሊ ገሊጻ ነይራ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ በቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ንኣምባሳር ሱዳን ኣብ ዋሽንግቶን ጸዊዑ ኣዘራሪብዎ።

ስድራቤት እቲ ግዳይ ቅትለት ዕጡቓት እስላማውያን ዝኾነ ዲፕሎማሰኛ፡ ነቲ ውልቀሰብ ይቕረ ከምዝበልሉ ዝገልጽ ሓበሬታ ሰብመዚ ሱዳን ቅኑዕ ከምዘይኮነ ኣመሪካ ገሊጻ'ላ።

ዓብደል-ራዑፍ ኣቡ ዛይድ፡ በቲ ቅድሚ 15 ዓመት ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝጽበ ዝነበረ'ዩ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ካርቱም ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ስድራቤት ናይቲ ግዳይ ክፍታሕ ከምዝፈቐዱ ዝገልጽ ግጉይ ሓበሬታ "ኣዝዩ ዘሻቕል'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

"ብዛዕባ'ዚ ወሳኒ ጉዳይ ብዝለዓለ ደረጃ ንዘራረብ ኣለና" ክብል'ውን ኣምባሳደር ጆን ጎድፈረይ ሓቢሩ'ሎ።

ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ጆን ገራንቪል ኣብ ሓድሽ ዓመት 2008 ብእስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ከም ዝተቐትለ ይፍለጥ። ምስኡ ዝነበረ ዘዋሪ መኪናኡ፡ ዓብደል ራሕማን ዓባስ'ውን ኣብቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ ነይሩ።

ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ጉዳይ ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ካሕሳ ግዳያት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘይተኣሳሰር ብምጥቃስ፡ እቲ ሰብመዚ ሱዳን ዝወሰድዎ ስጉምቲ ባህ ከም ዘየበሎ ገሊጹ።

ኣቡ ዛይድ ብሰኑይ'ዩ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ።

እቲ ኣብ መበል 33 ዓመቱ ዝተቐትለ ዲፕሎማሰኛ፡ ምስ ዓለምለኻዊ ትካል ረዲኤትን ልምዓትን ኣመሪካ (ዩ-ኤስ-ኤ-ኣይ-ዲ) ዝሰርሕ ዝነበረ'ዩ።

ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ተሳቲፉ እናተመለሰ እንከሎ ድማ፡ ካብ ዕጡቓት ብዝተተኮሰ 5 ጠያይት ተሃሪሙ ክመውት ኪኢሉ።

ኣብቲ እዋን፡ ሱዳን ብሰንኪ'ቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታት ብምዕራባውያን ሃገራት ትንቀፍ ብምንባራ፡ ኣንጻር ኣመሪካ ዝቐንዐ ስምዒታት ኣብታ ሃገር ሓያል ምንባሩ ይግለጽ።

ንነዊሕ እዋን መራሒ ሱዳን ዝነበረ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድና ተመሓይሹ እዩ።

ስርዓት ኣል-በሽር ንከም መራሒ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣል-ቃዒዳ ዝነበረ ቢንላደን ዝበሉ ሕሉፋት እስላማውያን ብምእንጋዱ እገዳታትን ተነጽሎን ኣስዒቡሉ ምንባሩ ይዝከር። ብሰንኩ ኣመሪካ ኣብ ካርቱም ዝነበራ ኤምባሲ ኣብ 1996 ክትዓጽዎ ተገዲዳ'ያ።

ድሕሪ 25 ዓመታት ከኣ ኣብ ነሓሰ 2022 ኣመሪካ ኣምባሳደራ ናብ ካርቱም ሰዲዳ። እቲ ኤምባሲ ግን ኣቐዲሙ ኣብ 2002 ብትሑት ደረጃ ዳግማይ ከም ዝተኸፍተ ይፍለጥ።

ሱዳን ብወገና፡ ድሕሪ 26 ዓመታት ኣብ 2020 ኣምባሳደራ ናብ ዋሺንግቶን ሰዲዳ ነይራ።

ኣብ 2021 ሱዳን፡ ንግዳያት ናይቲ ኣብ 1998 ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምኽሓስ 335 ሚልዮን ዶላር ድሕሪ ምኽፋላ'ዩ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ተኸፊቱ ዘሎ።