እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ 11 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ሩስያ ትማሊ ቀዳም ክልተ ዕጡቓት ኣብ ሓደ ማእከል ወተሃደራዊ ታዕሊም ብዝኸፈትዎ ተዅሲ፡ ዓሰርተ ሓደ ሰባት ከምዝቐተሉ ተገሊጹ።
ኣብቲ ብዛዕባ ኣተዃኹሳ ስልጠና ዝወሃበሉ ዝነበረ ግዜ፡ ክልተ ሰባት ኣብ ልዕሊ እቶም ብወለንታኦም ኣንጻር ሰራዊት ዩክረይን ክዋግኡ ዝኸተቱ ተዓለምቲ ተዅሲ ከምዝኸፈቱ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሪያ ሓቢሩ።
እቶም መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ውልቀ ሰባት፡ ተወለድቲ እታ ሪፐብሊክ ሶቭየት ነበር ከምዝዀኑ፡ ሚኒስትሪ ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ ኣፍሊጡ፤ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
እቶም ኣብ ልዕሊ ተዓለምቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብቲ ሩስያ ምስ ዩክረይን ዝዳወብ ግዝኣት ቤልጎርድ ከምዝተቐተሉ ተፈሊጡ።
በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት 15 ሰባት ቈሲሎም።
ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ፡ “እቶም ኣሸበርቲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካይዶ ኣብ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ብፍቓዶም ክኸቱ ተመልሚሎም ታዕሊም ዝወስዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት መጥቃዕቲ ከፊቶም” ከምዝበለ እታ መንግስታዊት ማዕከን ዜና ኣቃሊሓ።
ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ድማ 11 ሰባት ሽዑ ንሽዑ ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 15 ሰባት ዝተፈላለየ መጕዳእቲ ኣጋጢምዎም ናብ ማእከላት ሕክምና ተወሲዶም።
ካብ ነበርቲ ግዝኣት ቤልጎሮድ፡ ሞት ይዅን መቝሰልቲ ዝገጠሞ ከምዘየለ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣስታት 300 ሽሕ ቅድሚ ሕጂ ታዕሊም ዝወሰዱ ኣባላት ዕቝር ሰራዊት እታ ሃገር ክኸቱ ከምዝጸውዐ ዝፍለጥ’ዩ።
እቲ ኣዋጅ ክተት ኣብ ሩስያ ናዕብታት ዘለዓዓለ ኰይኑ ገለ ሰባት ድማ ካብታ ሃገር ክሃድሙ ይፍትኑ ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ክተት ድሕሪ ምእዋጁ ሓደ መልማሊ ወተሃደራት ኣብ ሳበርያ ብጥይት ከም ዝተቐትለ ይዝከር።
ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ከምዝኸተቱን ተወሳኺ ዝኸትት ሓይሊ ከምዘየድልን ኣፍሊጡ ነይሩ።