እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ 'ዘስካሕክሕ' መጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኰኒና
ሩስያ፡ ንርእሰ ከተማ ኪቭ ሓዊሱ፡ ንብዙሓት ከተማታት ዩክረይን፡ ብሚሳይል ድሕሪ ምድብዳባ፡ ብሰፊሑ ተዀኒና'ያ።
ኣሜሪካ፡ እቲ "ዘስካሕክሕ" ዝበለቶ መጥቃዕቲ፡ ዩኒቨርስቲን መጻወቲ ህጻናትን ዝርከቦ ወተሃደራዊ ዘይኰነ ዒላማታት ከምዝሃረመ ብምግላጽ፡ ንዩክረይን ቀጻሊ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምእትገበር ቃል ኣትያ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ "ኣዝዩ ከምዝሰንበደ" ገሊጹ።
ቭላድሚር ፑቲን፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሕነ ናይቲ ብሰንበት ኣብ ልዕሊ እቲ ንሩስያ ምስ ክረሚያ ዘራኽብ እንኮ ድልድል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምዃኑ ሓቢሩ።
ዩክረይን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ምፍጻማ ዛጊት ኣየረጋገጸትን።
ዩክረይን፡ ብሓፈሻ 83 ሚሳይላት ከምዝተወንጨፉን ካብዚኦም ልዕሊ 43 ሚሳይላት ኣብ ሰማይ ክፈሽሉ ከምዝተገብሩን ኣፍሊጣ።
ፕረዚደንት ዩክረን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ "ዩክረይን ክትርዕድ ኣይትኽእልን እያ። ዝያዳ ሓድነታ ክተጸንዕ ጥራይ እያ እትኽእል" ኢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማታት ለቪቭ፡ ካርኪቭ፡ ድኒፕሮን ዛፖሪዝያን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ገለ ካብቶም ዩክረይን ንኣዋርሕ ዝረኣየቶም ዝኸፍኡ ኣጋጣሚታት እዮም።
በቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ብውሕዱ 14 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቘሰሉን ሰበስልጣን ገሊጾም።
ሚሳይላት፡ ንመሰረተ ልምዓት ጸዓት ድሕሪ ምውቃዖም ሓያሎ ከባቢታት ብዘይ መብራህትን ማይን ተሪፎም ኣለዉ።
ነበርቲ ርእሰ ከተማ ኪቭ ከምዝበልዎ፡ መጻወቲ ህጻናት፡ ዩኒቨርሲቲን ህቡብ ፓርክ ታራስ ሸቭቸንኮን ዝርከብዎም፡ ሰኑይ ንግሆ ጻዕቂ ተጓዓዝቲ ዝነበርዎም ሲቪላዊ ከባቢታት ዒላማ ኰይኖም ኣለው።
ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቶም መጥቃዕትታ፡ ንጹሃን ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍልሉ ዘለዉ ምዃኑ ብምሕባር፡ "ተቐባልነት ዘይብሉ ምብላሕ’ቲ ኲናት" ክብል ገሊጽዎ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ገበን ኲናት ከምዝተፈጸመ ክገልጽ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ ሩስያ ግብረ ሽበራን ጭካነን ትፍጽም ከምዘላ ከሲሱ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሓደ ካብቶም ምስ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዝተዘራረቡ ብዙሓት መራሕቲ ሓደ ዀይኑ፡ "ዩክረይን ርእሳ ንምክልኻል ዘድሊ ደገፍ፡ እንተላይ ምዕቡል ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ምሃብ ክቕጽል ቃል ኣትዩ" ይብል ዋይት ሃውስ።
ጆ ባይደን፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ "ፍጹም ጭካነ" ናይቲ ፑቲን ዘካይዶ ዘሎ "ዘይሕጋዊ ኲናት" ዘርኢ'ዩ ኢሉ።
ባይደን ድሕሪ እቲ ዝርርብ ቴሌፎን፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንዕጡቓት ሓይልታት ዩክረይን ከሐይልን፡ "እቲ ዓውደ ውግእ ንጸላኢ ዝያዳ ዘሕምም ክገብሮን" ጸዊዑ።
ነቲ ኲናት ዘይኮነና ቻይናን ህንድን፡ እቲ ኲናት ክሃድእ ጸዊዐን።
ኣምባሳደር ዩክረይን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰርገይ ኪስሊትስያ፡ እቶም መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ኣባላት ስድራኡ፡ ኣብ ከተማ ኪቭ ከምዝነበሩን ናብ መዕቆቢ ደብዳብ ክኸዱ ከምዘይከኣሉን ኣረዲኡ።
ሩስያ፡ ንገለ ኣዝማዱ ከምዝተቐተለት ብምግላጽ፡ ተወሳኺ ግፍዕታት ንምክልኻል ብዝተኻእለ መጠን ብዝሓየለ መገዲ ክትዕገት ዘለዋ "ሽበራዊት ሃገር" ኢሉዋ።
ንሱ ወሲኹ፡ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ኣዳራሽ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ "ኣሰር ደም" ከም ዝገድፍ ገሊጹ።
እቲ ሓፈሻዊ ባይቶ፡ ድሕሪ’ቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ሩስያ ህጹጽ ኣኼባ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ኣኼባ፡ ዋላ’ኳ ሩስያ ድሕሪ ዘካየደቶ ረፈረንደም ስዒቡ፡ ንዝተጐበጣ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ኣመልኪቱ ዝተጸውዐ እንተዀነ፡ በቲ ሎሚ ንግሆ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ተዓብሊሉ’ሎ።