ሕብረት ኣውሮጳ ምስጓግ ስደተኛታት ከም ዝውስኽ ኣፍሊጡ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ለየን፡ እቲ ሕብረት ካብቲ ስደተኛታት ናብ ገማግም ባሕሪ ኣልባንያ ብምምላስ ጉዳዮም ክረአ ዝገብር ኣካታዒ ፖሊሲ ኢጣልያ “ትምህርቲ ክወስድ ከም ዝኽእል” ኣፍሊጣ።

እታ ፕረዚደንት፡ እቲ ሎሚ ሓሙስን ዓርብን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ብራስለስ ዝካየድ ኣኼባ እቲ ሕብረት ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ዝፀሓፈቶ ደብዳበ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ምስጓግ ስደተኛታት ክብ ንምባል ሓድሽ እማመ ሕጊ ከም ዘቕርብ ኣፍሊጣ።

ሓላፊት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኰይና ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቕጽል ካልኣይ እብረ ዘመነ ስልጣን ዝጀመረት ቮን ደር ለየን፡ ካብ መላእ ኣውሮጳ ንዝመጽእ ፍልሰት ምላሽ ትህብ ዘላ ትመስል።

ኣብዚ እዋን መጠን ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝምለሱ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት 20 ሚእታዊት ጥራይ ከም ዝዀነ ኣብ ደብዳበኣ ዝገለጸት እታ ፕረዚደንት፡ ካብ ኣባል ሃገር እቲ ሕብረት ዝዀነት ሃገር ለቒቘም ንኽወጽኡ ዝተኣዘዙ ስደተኛታት ከምኡ ከም ዘይገብሩ ሓቢራ።

መብዛሕትኦም ኣብ ዘለውሉ ሃገር ይጸንሑ ወይ ድማ ኣባል እቲ ሕብረት ናብ ዝዀነት ካልኣይቲ ሃገር ይሰግሩ ኢላ።

ቮን ደር ለየን፡ “ኣብ ሓንቲ ሃገር ክምለሱ ዝተወሰኖም ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ንዘይምምላስ ኣብቲ ስርዓት ዘሎ ሃጓፋት ክምዝምዙ ከም ዘይክእሉ” ንምርግጋጽ፡ ኵለን ኣባል ሃገራት ንውሳነታት ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍልጦ ክህባ ከም ዝግባእ ኣብቲ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ኣነጺራ።

ኢጣልያ፡ ንገለ እቶም ካብ ባሕሪ መዲትራንያን ዝደሓኑ ስደተኛታት ጉዳዮም ኣብ ኣልባንያ ኰይኖም ክረኣየሎም ዝገብር ንነዊሕ እዋን ክትጽበዮ ዝጸንሐት መደብ ተግባራዊ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን’ዩ፡ ፕረዚደንት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ነዚ ርእይቶ ሂባ ዘላ።

ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን፡ ባንግላዲሽን ግብጺን ዝመበቆሎም 16 ደቂተባዕትዮ ስደተኛታት ካብታ ማእከል ስደተኛታት ዝዀነት ላምፔዱሳ፡ ነዚ ዕላማ ተባሂለን ናብ ዝተሰርሓ ኣብ ገማግም ኣልባንያ ዝርከባ ክልተ ማእከላት ክግዕዙ ዝተገበረ ኰይኑ፡ ሕቶ ዑቕባኦም ድማ ኣብኡ ኰይኖም ክከታተሉ እዩ።

እዘን ኣስታት 650 ሚልየን ዩሮ ዝወድኣ፡ ብመንግስቲ ኢጣልያ ክፍሊት ዝተፈጸመለንን ብሕጊ እታ ሃገር ዝሰርሓን ኣብ ገማግም ኣልባንያ ዝተሃነጻ ክልተ ማእከላት ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ ክኽፈታ መደብ’ኳ እንተነበረ ብነዊሕ ምድንጓያት ግን ኣብ ብድሆ እየን ጸኒሐን።

ኢጣልያ ንሕቶ ዑቕባ እዞም ስደተኛታት ክሳብ ትምርምር ድማ እዞም ስደተኛታት ክነብሩለን እዮም። ነፍሰጾር ኣደታት፡ ህጻናትን ተቓላዕቲ ሰባትን ኣብዚ መደብ እቱዋት ኣይኰኑን።

ንየማናይ ክንፊ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ ዝቃወሙ ፖለቲከኛታትን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላትን ግን፡ “ውጥን ኣልባንያ ጨካን፡ ዘይረብሕ፡ ክቡር፡ ተወሳኺ ጉድኣትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘስዕብን’ዩ” ብምባል፡ ነዚ ኢጣልያ ምስ ኣልባንያ ዝኸተመቶ ስምምዕ ነቒፎምዎ።

እንተዀነ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ ብሰሉስ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እዚ መደብ “መንፈስ ኣውሮጳውያን ዘንጸባርቕ፡ ሓድሽ፡ ተባዕን ተራእዩ ዘይፈልጥ መንገድን’ዩ” ብምባል መጒታ።