ኡሁሩ ኬንያታ መንግስቲ ንስድራኡ የፈራርሕ ከምዘሎ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንስድራኡ ምፍርራሕ ደው ከብል ሓቲቱ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ብዕድመ ንዝድፍኣ ወላዲቱን ደቁን የፈራርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብቲ ትማሊ ምስ ወዱ ኮይኑ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ኡሁሩ ኬንያታ ብተግባር መንግስቲ ከምዝተቖጥዐ የርኢ ኔሩ።
መንግስቲ ኣብ መንበሪ ገዛ ወዱ ሓይልታት ጸጥታ ምውፋሩ ከምዘቆጥዖ ድማ ተዛሪቡ።
እቲ ወፍሪ ሓይልታት ጸጥታ፡ ንወላዲቱ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኣባላት ሓለዋ ምስተልዓሉ ኣብ ዘሎ ሒደት መዓልታት ከምዝኾነ ንጋዜጠኛታት ዝሓበረ ኡሁሩ፡ እቲ ውሳነ ምስ እቲ ዝቐነየ ተቓውሞ ጸረ መንግስቲ ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።
“እዚ መንግስቲ እንታይ’ዩ ዝደሊ ኢለ ንገዛእ ርእሰይ ይሓትት። ምኽንያቱ ንዓይ ዝደልዩ እንተኾይኖም ሱቕ ዝበልኩ ስለዝፈራሕኹ ኣይኮነን። ናባይ ይምጽኡ። ኣደይን ደቀይን ኣብ ምንቲ ምንታዮም?” ኢሉ።
እቲ ብመራሒ ተቓውሞ ራይላ ኦዲንጋ ዝተጸውዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኬንያ ንዝሓለፉ 3 መዓልትታት ክካየድ እንከሎ ምስ ምኽባር ናብራ ዝዛመድ እዩ።
ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት፡ ኡሁሩ ኬንያታ፡ መንግስቲ ንምርባሽ ብገንዘብ ይድግፍ’ዩ ዝብል ክሲ ከቕርበሉ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብቲ ጉዳይ ሕቶ ዝቐረበሉ ኡሁሩ ኬንያታ “ከመይ ጌረ እየ ዝርብሾም? ኣነ ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ዝተፋነኹ ሰብ እየ። መንግስቲ ነቲ እቲ ኬንያውያን ዘልዕልዎ ዘለዉ ጉዳይ እዩ ክሓስበሉ ዘለዎ፡” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ስልጣኑ ዘረከበ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝወርድ እዚ ርእይቶ ንፋልማዩ’ዩ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ስድራይ ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ ምፍራርሕ “መንግስቲ ምሳይ ጉዳይ እንተልይዎ ናባይ ይምጻእ እምበር ናብ ስድራይ እንታይ ዘኽይድ ኣለዎ” ኢሉ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ዝተገበሩ ተቓውሞታት ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ’ሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
