መቐለ፡ ህይወት ምልእቲ ስድራ ዝቐዘፈ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ

ጎረባብቲ ግዳያት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ

ምንጪ ስእሊ, Tigray tv

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ መቐለ ላጪ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መንደር ኣብ ፋርኔሎ ዝነበረ ሓዊ ምስ ኣብ ገዛ ተኸዚኑ ዝጸንሐ ቤንዚን ብምርኻቡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ብዕለት 16 ወርሒ መጋቢት 2017 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ናይ ኣጋምሸት ሰዓት ሓደን ፈረቓን ዘጋጠመ ከምዝኾነ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተተካኢ መተሓባበሪ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋን ድልውነትን ከተማ መቐለ ኣይተ ሃፍቶም ፀጋይ ገሊጹ።

መራሒ እቲ ስድራ ናብራኡ ባጃጅ ብምዝዋር ዝመርሕ ስለዝኾነ ኣብ ገዛኡ 'ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ ኣሎ' ኢሉ ዘቐመጦ ቤንዚን ከምዝነበረ ኣረጋጊጽና ኢና ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ እቲ ቤንዚን ምስ እቲ ኣብቲ ገዛ ዝቀጻጸል ዝነበረ ናይ ፋርኔሎ ሓዊ ምስተናኸሰ ተተኵሱ ባርዕ ከምዝፈጠረ ገሊጹ።

ኣብቲ ገዛ ዝነበሩ ክልተ ደቆም በቲ ሓደጋ ባርዕ ሽዑ ንሽዑ ክሞቱ እንከለዉ እቶም ወለዲ ግን ናብ ዓይደር ሆስፒታል ኣትዮም ነይሮም። እንተኾነ ንሳቶም'ውን ኣብ ናይ 24 ሰዓታት ኣፈላላይ ህይወቶም ሓሊፉ።

እቶም ህጻዉንቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመትን ጓል 9 ወርሕን ከምዝነበሩ'ውን ተገሊጹ።

ኣብቲ መረባ ዝሓድራ ዝነበራ ባጃጃት ኣብቲ ቦታ ዘይምንባረንን ኤሌትሪክ ጠፊኣ ስለዝነበረትን እቲ ሓደጋ ባርዕ ካብቲ ገዛ ወጻኢ ናብ ካልእ ከይዛመት ከምዝሓገዘ ዝገለጸ ኣቶ ሃፍቶም፡ እቲ ባርዕ ሓዊ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ናይ 10 ደቂቓ ኣፈላላይ ናብ ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ተደዊሉ ሓበሬታ ከምዝተውሃበ ተዛሪቡ።

ሓዊ ዘጥፍኡ ሰብ ሞያ መኪናኦም ሒዞም ናብቲ ቦታ በጺሖም ነቲ ሓደጋ ከምዝተቖጻጸርዎ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ሓላፊ ኣስዒቡ መዋቲ መራሒ ስድራ ነቲ ቤንዚን ዓዲጉ ዘቐመጠሉ ምኽንያት፡ ምስ እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ዝተኣሳሰር ከምዝኾነን 'ነዳዲ ጠቕሊሉ ከቋርጽ ይኽእል'ዩ' ካብ ዝብል ስግኣት ገዚኡ ዝኸዘኖ ከምዝኾነ ኣጻሪና ኢና ኢሉ።

ሓደጋ ባርዕ ዝተኸሰተሉ ገዛ

ምንጪ ስእሊ, Tigray tv

ብተወሳኺ ምስ እቲ ሕጽረት ነዳዲ ተዛሚዱ ካልኦት ሰባት'ውን ከምኡ ኣብ ገዛውቶም ከዚኖም ከይኾኑ ስግኣት ኣለና'ዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ መቐለ ካብ ዘጋጠመ 43 ሓደጋ ባርዕ ሓዊ እቶም ዝበዝሑ ብሰንኪ ቤንዚን ዝተልዓሉ'ዮም ኢሉ።

"እዚ ናይ ዝሓለፈ ቅንያት ህይወት ምልእቲ ስድራ ዝቐዘፈ ኣሰንባዲ ተርእዮ ስለዝኾነ'ዩ እምበር ኣብ ቤቶም ቤንዚን ኣቐሚጦም ብዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ኣካሎም ዝጎደሉ ነበርቲ ኣለዉ'ዮም" ኢሉ።

እቲ ሓላፊ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ሰባት ሰጊኦም ኣብ ገዛውቶም ቤንዚን ክኽዝኑ ይግደዱ ስለዘለዉ መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዘራሪቡ ነቲ ጸገም ፍታሕ ክገብረሉ'ውን ተላብዩ።

ነበርቲ መቐለ ቤንዚን ኣሽንኳይ ሓውን ኤሌትሪክን ተወሲኽዎ ተኸዚኑ ግዜ እንተወሲዱ'ውን ባዕሉ ክቃጸል ከምዝኽእል ተረዲኦም ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩ ዝጸውዐ ተተካኢ መተሓባበሪ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋን ድልውነትን ከተማ መቐለ ኣይተ ሃፍቶም ፀጋይ እቲ ሓደጋ እንተጋጥም ድማ ናብ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከተማ መቐለ ደዊሎም ከፍልጡ ይግባእ ኢሉ።