ግብረ-መልሲ ህወሓት፡ 'ጀነራል ታደሰ ፕረዚደንት ክኸውን ኢና ተስማሚዕና'

ቀዳማይ ምኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ትማሊ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝኸውን ሰብ ካብ ህዝቢ ክጥቆም ጻውዒት ዝገበረ ኰይኑ፡ ህወሓት እዚ ኣካይዳ ንውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ዘይገበረን ካብቲ ዝተበፅሐ ምርድዳእ ወጻእን ምዃኑ ብምግላፅ ተቃዊሙ።
እቲ መግለፂ ከምዝብሎ፡ ኣብቲ ብውዕል ፕሪቶርያ ዝቘም ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ምክትል ፕረዚደነት ኰይኑ ከገልግል ዝፀንሐ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ትግራይ ኰይኑ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ክትክእ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተስማሚዖም ነይሮም እዮም።
እቲ ቀዳማይ ምኒሰተር፡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ትግራይ ንምሿም ብኢመይል ጥቆማ ከካይድ ዝገበሮ ፃውዒት ከዘራርብ ዝወዓለ ኰይኑ፡ እቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት፡ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ኣውፀኦ መግለፂ እዩ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ዝነበሮም ርክባት ህወሓት ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝፀንሐ ፕረዚደንት ምልዓሉ ስዒቡ ኣተኻኽእኡ ዝምልከት ተዘራሪቡ እዩ። በዚ ኣቢሉ 'ውን ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣፈፃፅማ ግዚያዊ ምምሕዳር ብምግምጋም ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ንምቕያር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ" ይብል።
እንተዀነ እዚ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ብዛዕባ ዝተብሃለ ውሳነ ንህዝቢ ተገሊፁ ዘይፈልጥ ኰይኑ፡ እቲ ውሳነ ኰነ እቲ ምይየጥ መዓስን ብኸመይን ከምዝተኻየደ ምፍላጥ ኣይተገልጸን። ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝተውሃበ ምላሽ'ውን ዛጊት የለን።
ህወሓት፡ እቲ ውሳነ ናይ ማእከላይ ኮሚቴ ውሳነ ከምዝኰነ ዝገለፀ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝገበሮ ፃውዒት 'በይናዊ ውሳነ' ዘምስልን ኣንፃር መንፈስ ውዕል ነፕሪቶርያ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
"ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዚደንት ንክኸውን ማ/ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ውን ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ስምምዕ ንጎኒ ብምግዳፍ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተወዝዐ ፃዊዒት ጥቆማ፤ ፕረዚደንት ናይ ምሻም ስልጣን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር በይናዊ ዉሳነ ዘምስልን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝጥሕስን ኣካይዳ ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን" ክብል ተቃዊሙ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ኰይኑ ንኣቶ ጌታቸው ክትክእ፡ ካብ ወገን ዶ/ር ደብረፅዮን ዝቐረበ እማመ ብመግስቲ ፈፌዴራል ተቐባልነት ዘይምርካቡ ምፅብፃብና ዝዝከር እዩ።
ብኸመይ ማዕቢሉ
ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ስዒቡ፡ ኣብቲ ክልል ፈኸም እናበለ ዝመፅአ ወጥሪ መዕለቢ ኣይረኸበን።
ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፡ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ኣቶ ጌታቸው ዝመርሖ ምምሕዳር 'ብስንፍናን ብጥልምትን' ብምኽሳስ፡ ምትዕርራያት ክግበሮ ምግላፆም ድማ ነቲ ኩነታት ኣጋዲዱዎ።
ብዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ክንፊ ብድጋፍ ዕጡቓት፡ ኣብያተ ፅሕፈት ምምሕዳራትን ከከንቲባታትን ተቖፃፂሩ ይርከብ።
ዳርጋ ካብ መንበሩ ተኣልዩ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ማእከላይ መንግስቲ ምስ'ዞም 'ኣሕደግቲ ማህተም' ዝበሎም ኣካለት፡ ከይደራደር ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
እንተኰነ፡ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ገለ ሕጋዊ ምምሕያሻት ተገይሩሉ ንሓደ ዓመት ከምዝናዋሕን ኣብ ውልቀ ሰባት ለውጢ ክምዝግበርን ኣብ ኣባላት ፓርላማ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ኣብሪሁ።
ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝመልኦ ኰይኑ፡ በቲ ደማዊ ኲናት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ዛጊድ ኣደዳ ፀሓይን ቁርን ኰይኖም ይርከቡ።
ህዝባዊ ኣጀንዳታት ንጐድኒ ኢሎም፡ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳዮም ተፀሚዶም ዝኸረሙ መራሕቲ ህወሓት፡ ውዕል ፕሪቶርያ ከይፍፀም ብምዕንቃፍ ምስ መንግሰቲ ፌዴራል ይካሰሱ ኣለዉ።
ኣብ ቀረባ እዋናት ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ውዕል ፕሪቶርያ ዝጥሕሱ 'ጓስጓሳት ሚድያ' ይረአዩ ከምዘለዉ ይኸስስ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ካብ ላዕለዎት ኣዝዝቲ ሓይልታት ትግራይ ሓደ ዝኰነ ብርጋዴር ጀነራል መግበይ፡ ምስ 'ኣኽራሪ ጉጅለ ፋኖ' ይተሓባበር ኣሎ ዝብል ዝርከቦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሰፋሕቲ ክስታት ከምዝሰምዐ ዝዝከር እዩ።
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ፡ ነገር ፃሕታሪ 'ክስን ፀለመን' ክብል ኮኒኑዎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
