ትራምፕ 'ስመይ ኣጸሊሙ' ካብ ዝበሎ ኤቢሲ ኒውስ 15 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈሎ ተሰማሚዑ

ምሩፅ-ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኤቢሲ ኒውስ ምስ ፀለመ ብዝተኣሳሰር ኣብ ዝተመስረቶ ክሲ፡ ንምሩፅ-ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ 15 ሚልዮን ዶላር (12 ሚልዮን ፓውንድ) ክኸፍል ተሰማሚዑ።

እቲ ክሲ ፀለመ፡ ሓደ ፍሉጥ ጋዜጠኛ እቲ መራኸቢ ብዙሃን፡ ትራምፕ "ብዓመጽ ተሓታቲ" ኮይኑ ከምዝተረኸበ ብሓሶት ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።

ጆርጅ ስቴፋኖፑሎስ፡ ነዚ ዘረባታት ደጋጊሙ ዝገለፀ፡ ኣብ 10 መጋቢት ናይዚ ዓመት ምስ ሓንቲ ኣባል ኮንግረስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ንትራምፕ ዘለዋ ደገፍ ኣብ ዝተፈታተነሉ እዋን እዩ።

ዳያኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መጋብእያ፡ ትራምፕ ብ"ጾታዊ ትንኰያ" [sexual abuse] ተሓታቲ ምዃኑ ወሲኒም ነይሮም።

እንተዀነ እዚ 'ኣገላልፃ' ብመሰረት ሕጊ ኒውዮርክ ውሱን ትርጉም ኣለዎ፡ ምስ 'ፆታዊ ዓመፅ' ዝመዓራረ ኣይኰነን።

እቲ ከም ካሕሳ ዝኽፈል ገንዘብ ድማ ብነባር ፕረዚደንታት ኣመሪካ ንዝቘመ 'ፋውንዴሽን' ክውዕል ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ማዕኸን ዜና ንሕጋዊ መስርሕ ዝውዕል ንትራምፕ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክኸፍል እውን ክግደድ እዩ።

ብመሰረት ፀብፃብ ፎክስ ኒው፡ ከም ኣካል እቲ ብይን ኤቢሲ ብጋዜጠኛኡ ንዝተዋህበ ጌጋ መግለጺታት፡ "ጣዕሳ" እርማት ሓቲሙ ክዝርግሕ እዩ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ናይቲ ብ10 መጋቢት 2024 ብዛዕባ እቲ ዛንታ ኣብ ኢንተርነት ዘውጽኦ ዜና፡ ከምዚ ዝብል ብብርኪ-ኢዲተር ዝወፅእ ፅሑፍ እዩ ክዝርግሕ።

"ኤቢሲ ኒውስን፡ ጆርጅ ስቴፋኖፑሎስን፡ ምስ ተወካሊት ናንሲ ሜስ ኣብ ኤቢሲ ዚስ ዊክ ብ10 መጋቢት 2024 ኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ልዕሊ ምሩፅ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺታት የጣዕሶ" ይብል።

ወሃቢ ቃል ኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኩባንያ "እቶም ወገናት እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝርከብ ክሲ መዝገቡ ንክዕፆ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ሕጉስ እዩ" ኢሉ።

ኣብ 2023 ሲቪላዊ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ፡ ትራምፕ ኣብ 1996 ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣብ ዘሎ መቐየሪ፡ ኣብ ልዕሊ ኢ ጂን ካሮል 'ጾታዊ ትንኰያ' ከምዝፈጸመ ጥራይ በይኑ።

ብተወሳኺ ንጋዜጠኛ እቲ መጽሔት ብምጽላም ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ዳኛ ሉዊስ ካፕላን፡ መደምደምታ ዳያኑ፡ ሚስ ካሮል፡ ብመሰረት፡ "ነቲ ቃል ኣብ ሕጊ ቅጽዓት ኒውዮርክ ዝተውሃቦ ትርጉም" ትራምፕ ከም ዝዓመጻ ንቤት ፍርዲ ከተረጋግጽ ከም ዘይከኣለት ኣሚኑ።

እንተዀነ፡ ዳያኑ ትራምፕ ንወ/ሮ ካሮል ነቶም ቃላት ጸለመ [ትንኮያ]፡ 83.3 ሚልዮን ዶላር ክኸፍላ ኣዚዞም።

ጋዜጠኛ ጆርጅ ስቴፋኖፑሎስ፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ኤቢሲ ኒውስ ጆርጅ ስቴፋኖፑሎስ

ኣብቲ ብ10 መጋቢት ዝተኻየደ ቃለ መሕትት፡ ጋዜጠኛ ስቴፋኖፑሎስ ንኣባል ባይቶ ሪፓብሊካን ደቡብ ካሮላይና ናንሲ ሜስ ብኸመይ ንትራምፕ ክትድግፎ ከምእትኽእል ሓቲቱዋ።

ኣብቲ እዋን፡ እቲ ጋዜጠኛ ብሓሶት "ክልተ ዳያኑ፡ ትራምፕ ብዓመጽ ተሓታቲ ኮይኑ ረኺቦሞ" ኢሉ።

ስቴፋኖፑሎስ ኣብ ምሉእ እቲ ቃለ መሐትት፡ 10 ግዜ ነቲ ሓሳብ ደጋጊምዎ።

ቅድሚ እዚ ናይ ሕዚ ውሳነ፡ ትራምፕን ስቴፋኖፑሎስን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን መርትዖ ሒዞም ክቐርቡ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ነይሩ።

ትራምፕ ግን፡ ምስ ኤቢሲ ኒውስ ጥራይ ኣይኰነን ተኻሲሱ።

ንሱ ምስ ካማላ ሃሪስ ኣብ ዝገበሮ ክትዕ፡ "መታለሊ ኣካይዳ" ፈፂሙ ብዝብል፡ ኣብ ልአዕሊ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኰነ፡ ሲቢኤስ'ውን ክሲ መስሪቱ ኣሎ።

ኣብ 2023 እውን፡ ትራምፕ ሲኤንኤን ምስ ኣዶልፍ ሂትለር ከም ዘመሳሰሎ ብምግላፅ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዘቕረቦ ናይ ጸለመ ክሲ ቤት ፍርዲ ከምዝነጸጎ ዝዝከር እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኒውዮርክ ታይምስን ዋሽንግተን ፖስትን ክስታት ኣቕሪቡ ተነፂጐም እዮም።