ፕረዚደንት ባይደን ገበነኛ ንዝተብሃለ ወዱ ምሕረት ገይሩሉ

ባይደን ምስ ወዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ነቲ ብኽልተ ገበናት ዝተኸሰሰ ወዱ ሃንተር ወግዓዊ ምሕረት ገይሩ።

ባይደን ንወዱ ቅድሚ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ‘ምሕረት ክገብረሉ እዩ’ ተባሂሉ እኳ እንተነበረ፡ ከምኡ ከምዘይከውን ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘውፀኦ መግለጺ፡ “ወደይ ንበይኑ ተነፂሉ መጥቃዕቲ በጺሕዎ፤ እዚ ድማ ምጥምዛዝ ፍትሒ እዩ” ኢሉ።

ሃንተር ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ብዝቐረበሉ ክሲ ምትላል ግብሪ፣ ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ ዕጸፋርስን ምሓዝ ዕጥቅን ኣብ ወርሒ ሰነ ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ።

ሃንተር፡ ወዲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደነት ብገበን ዝተፈርደ ናይ መጀመርታ ኣመሪካዊ እዩ።

ምሩፅ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ "እቲ ፕረዚደንት ንወዱ ምሕረት ምግባሩ ነቶም ካብ [6 ሰነ] ጀሚሮም ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕልፉ ዘለዉ’ውን ዝምልከት ድዩ? እዚ እዩ ምዝመዛን ምጥምዛዝን ፍትሒ” ኢሉ።

ንውጽኢት መረጻ ኣመሪካ ዘይተቐበሉ ደገፍቲ ትራምፕ 6 ሰነ ኣብ 2022፡ ናብቲ ካፒቶል ሂል እናተብሃለ ዝፅዋዕ ቤተ-መንግስቲ ኣትዮም ናዕቢ ምክያዶም ዝዝከር እዩ።

"ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚረ፡ ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ኢደይ ከእቱ ኣይደልን እየ ዝብል። ብመሰረት ቃለይ፡ ወደይ ንበይኑ ተነፂሉ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ክፍረድ ተዓዚበ" ኢሉ።

ባይደን፡ ኣብዚ ውሳነ ንምብፃሕ ብዙሕ ከምዝተቓለሰ ገሊፁ።

"ህዝቢ ኣመሪካ፡ ከም ኣቦን ፕረዚደንትን፡ ከመይ ገይረ ናብዚ ውሳነ ከምዝበፃሕኹ ክርድአለይ ተስፋ እገብር።"

እቲ ምሕረት ዝተገብረሉ ወዲ እቲ ፕረዚደንት፡ ሃንተር ጆ ባይደን፡ "ኣብ ጸልማትን ግዙእ ወልፊ ሓሽሽ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋንን ዝፈፀምክዎ ገበን እዩ፡ ንፖለቲካዊ ረብሓ ውዒሉ" ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።

“እቲ ምሕረት ከም ዕሽነት ኣይርእዮን እየ። ዝተረፈ ዕድመይ ንሕሙማትን ጽጉማትን ኣብ ምሕጋዝ ከሕልፎ እየ" ኢሉ።

ሃንተር ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኾነ ዓይነት ኣልኮላዊ መስተ ይኹን ሓሽሽ ኣይተጠቐመን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ንሓደ ኣባል ስድራቤቱ ምሕረት ክገብር እዚ ናይ መጀመርታ እዋን ኣይኮነን።

ኣብ 2001 ቢል ክሊንተን ንሓዉ ሮጀር ክሊንተን ምሕረት ገይሩሉ።

ኣብ 2020 ዶናልድ ትራምፕ'ውን ንኣቦ ስብኣይ ጓሉ- ኢቫንካ ትራምፕ፡ ቻርለስ ኩሽነር ምሕረት ገይሩሉ ነይሩ።

ትራምፕ ትማሊ ሰንበት ንቻርለስ ኩሽነር ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ፈረንሳ ክኸውን ሸ ኣሎ።

ሃንተር ባይደን ምስ ሰበይቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሃንተር ባይደን መን እዩ?

ሃንተር ባይደን እቲ እንኮ ብህይወት ዘሎ ወዲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን እዩ።

እዚ ወዲ 54 ዓመት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ክሳብ ናይ ሓዳር ባእሲ ዝበጽሕ ብድሆታት ኣጋጢምዎ እዩ።

ባይደን፡ ኣብ ዕድመ ንእስነቱ መስተ ክወስድ ከም ዝጀመረን፡ ተማሃራይ ኮለጅ ከሎ ድማ ኮኬይን [ዘይሕጋዊ ዕፅ] ብዘይግቡእ ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ተኣሚኑ።

ካብ’ቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ድማ ኣብ ማእከል መሕወዪ ኣትዩ ነይሩ።

ምሩቕ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውንን ቤት ትምህርቲ ሕጊ ያልን ዝኾነ ሃንተር፡ ኣብ ካቶሊካዊ ጉጅለ ኢየሱሳውያን ወለንተኛታት ኮር ተጸንቢሩ የገልግል።

ኣብኡ ድማ ምስ በዓልቲ ቤቱ ካትሊን ቡህለ ተራኺቦም፡ ኣብ 1993 ተመርዕዮም። ሰለስተ ቆልዑ ኣፍርዮም።