“ብሰብ ሰርሖ-ብልሒ እትሕገዝ ድሮን ናይ ባዕላ ተቖጻጻሪ ቀቲላ” ዝብል ሓበሬታ ሓሶት’ዩ- ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ብሰብ ሰርሖ-ብልሒ ተሓጊዛ እትሰርሕ ድሮን ኣብ ቀረባ ርሕቐት ንዝነበረ ተቖጻጻሪኣ ተኵሳ ቀቲላ እያ ዝብል ሓበሬታ ስኑዕ ከም ዝዀነ ገሊጹ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ብሰብ ሰርሖ-ብልሒ ተሓጊዛ እትሰርሕ ድሮን መገዛእ ናይ ባዕላ ተቖጻጻሪ ተኵሳ ከም ዝቐተለት ምግላጹ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀንዩ ነይሩ።
እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሓበሬታ ተዛቢዑ ዝቐረበሉ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ ሓላፊ መምርሒ ልህቀት ሰብ ሰርሖ ብልሒ ኮሎኔል ተከር ሃሚልተን ኣብ ሓደ ዋዕላ ተረኺቡ ተሞክሮኡ የካፍል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝሃቦ ሓሳብ ካብ ዓውዲ ወጻእ ተቐንጪቡ ብምዝርግሑ ከም ዝዀነ ኣብሪሁ።
ሮያል ኤርኖቲካል ሶሳይቲ ኣብ ቀረባ ግዝያት ኣብ ዘዳለዎ ዋዕላ ሰብ ሞያን መሻኽትን ሰብ ሰርሖ-ብልሒ ተረኺቡ ተሞክሮኡ ዘካፈለ ኮሎኔል ተከር ሃሚልተን፡ ‘ኣብ ግዜ ፈተነ እዚ ድሮን መንገዛእ ተቖጻጻሪኡ ተኵሱ ቀቲሉ’ዩ’ ብዛዕባ ምባሉ መረዳእታ የለን።
ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ‘ፈለማ ሰበ ሰርሑ-ብልሒ ዝመርሖ ናይ ድሮን ልምምድ ኣይተገበረን’ ኢሉ።
እንተዀነ ኮሎኔል ሃሚልተን ኣብቲ ዋዕላ ሓሳባዊ ዝዀነ ኣብነት ክህብ እንከሎ፡ ሓንቲ ብሰብ ሰርሖ-ብልሒ እትምእዘን ድሮን ካብ መርየት ናብ ሰማይ ዝውንጨፍ ሚሳኤል ንኽትወቅዕ ኣብ እትፍትነሉ ግዜ እቲ ተቆጻጻሪ ናይታ ድሮን ነቲ ወፍሪ ደው ክተብሎ ብተደጋጋሚ ምስጨቕጨቃ ብሓሳብ ተቐጻጻሪኣ ዘይተሰማምዐት ድሮን እቲ ወፍሪ ንምዕዋት ኢላ ንኣዛዚኣ ትቐትል’ዶ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ነይሩ።
እቲ ኮሎኔል ነዚ ሓሳባዊ ሕቶ ምስኣልዓለ “ብሲሙሌሽን ብዝገበርናዮ ፈተነ እታ ድሮን ዝተውሃባ ወፍሪ ክተፈጽም ክትብል ንፍጻሜ ወፍርታታ ከዕንቅፋ ዝኽእል ዋላ ንኣዛዚኣ ክትቀትል ከምእትኽእል ርኢና ኢና ኢሉ።
እቲ ኮሎኔል ታከር ሃሚልተን ዘልዓሎ ኣብነት ኣብ ሓሳባዊ ፈተና ዝተደረኸ ክስተት’ዩ ነይሩ።
ይኹን እምበር እቲ ክስተት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሓሉ ኩነት ኣብ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ዘጋጠመ ሓቃዊ ክስተት ተገይሩ’ዩ ቀሪቡ።
“ሰብ ሰርሖ-ብልሒ ንኣፍ መተኮሲ ናይቲ ድሮን ናብቲ ኣብ ህንጻ ኰይኑ ዝመርሕ ዘሎ ተቖጻጻሪኡ ዘዘረሉ ምኽንያት ነቲ ኦፕሬሽን ደው ንኸብሎ ብተደጋጋሚ ይቌየቖ ስለ ዝነበረ’ዩ” ዝበለ ኮሎኔል ሃሚልተን እዚ ድማ ብሰብ ሰርሖ-ብልሒ ዝካየዱ ወተሃደራዊ ወፍርታት ሓደጋኦም ክሳዕ ክንደየናይ ከቢድ ከም ዝዀነ ንምርዳእ ዝተጠቐመሉ’ዩ ነይሩ።
ሰራሕተኛ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ዝዀነ ኮሎኔል ታከር ሃሚልተን፡ እቲ ናቱ ሓሳብ ካብቲ ምሉእ ዓውዲ ወጻእ ኰይኑ ኣዘራራቢ ኰይኑ ምቕናዩ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “እቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝተዛረብኩዎ ኣብነት ሓሳባዊ’ዩ። ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ነዚ ተግባር ኣይፈጸመን፡ ንቐጻሊ’ውን ኣይክፍጽሞን’ዩ” ኢሉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ሰብ ሰርሖ-ብልሒ ንቐጻሊ ብዛዕባ ክፈጥሮ ዝኽእል ስግኣትን ሓደጋን፡ ምናልባት’ውን ካብ ቁጽጽር ደቂ ሰባት ወጻእ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ህይወት ደቂ ሰባት ካልእ ጸገም ክፈጥር ከም ዝኽእል ዘተታታት ክካየዱ ቀንዮም ኣለዉ።
ኣብዚ መዳይ ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ሰብ ተሞክሮ ሓደ ፕሮፌሰር ዮሽዋ ቤንጊዮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ሰብ ሰርሖ-ብልሒ ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ክኣቱ ምግባር ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ኣረዲኡ ነይሩ።
“ኣዝዩ በሊሕ ዝበሃል ሰብ ሰርሖ-ብልሒ እንተንሰርሕ’ኳ ኣብ ወተሃደራዊ መዳያት ንኽተኣታቶ ክነፍቅድ የብልናን” ኢሉ ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
