ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ደብዳብ ቦምባታት ኣካይዳ

ኣሜሪካ ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ሶርያ ዝንቀሳቐሱ ኣስታት 900 ወተሃደራት ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣሜሪካ ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ሶርያ ዝንቀሳቐሱ ኣስታት 900 ወተሃደራት ኣለዋ
Published

ኣመሪካ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ምስ ኢራን ዝተኣሳሰሩ ጉጅለታት መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዘካየደት ሓላፊ ምክልኻል ኣመሪካ ገሊጹ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ሓደ ኣሜሪካዊ ኮንትራክተር ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምቕታሉ ስዒቡ’ዩ።

ሸሞንተ ደገፍቲ ኢራን ዝኾኑ ተዋጋእቲ፡ኣመሪካ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ሓደ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሓቢሩ።

ሰበስልጣን ምክልኻል እታ ሃገር ከም ዝገለጽዎ፡ ስለያ ኣመሪካ እቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ "መበቆል ኢራን'ዩ" ምባሉ ስዒቡ ኣመሪካ ድሕሪ ሰዓታት ብሓሙስ ምሸት’ያ መጥቃዕቲ ፈጺማ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዝርከባ መደበራት ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ክኸውን ከሎ ኣመሪካ’ውን ብመጥቃዕቲ ኣየር ምላሽ ሂባ’ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ዝርከቡ ወተሃደራታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሮኬት ስዒቡ ምስቲ ጉጅለ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝተበሃለ ዝሓየለ ዕጡቕ ሓይሊ ርክብ ኣለዎም ኣብ ዝበለቶም ቦታታት መጥቃዕቲ ቦምባታት ኣካይዳ ነይራ።

እቲ ናይ ሓሙስ ምሸት መጥቃዕቲ ኣየር፡ "[ነቲ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት] ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምኡ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝተኣሳሰሩ ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ሓይልታት ጥምረት ዝፈጸምዎ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት...ምላሽ" ንምሃብ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ባይደን ዝፈጸመ’ዩ።

ንሱ፡ "ምስ... [እቲ] ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝተኣሳሰሩ ጉጅለታት ዝጥቀሙሉ መሳለጥያታት" ዒላማ ከም ዝገበሩ ገሊጹ።

ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣቐዲማ ኣብ ከባቢ ሓሳካ ኣብ ዝርከብ መደበር ጥምረት ኣብ ዝርከብ ናይ ጽገና ትካል ብምውቃዓ፡ እቲ ኮንትራክተር ከም ዝሞተን ሓሙሽተ ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካን ካልእ ኮንትራክተርን ከም ዝቖሰሉ ሓቢሩ።

ትዕዝብቲ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ - ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተቖጻጻሪ ጉጅለ - በቲ ኣብ ኣውራጃ ደይር ኣል-ዙር፡ ኣብ ኣል-ቡካማልን ኣል-ማያዲንን ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ዞር ንዝርከቡ ቦታታት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ሸሞንተ ብኢራን ዝድገፉ ምልሻታት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።

ብወገን ኢራን ዝተወሃበ ዝኾነ ርእይቶ የለን።

ኣስታት 900 ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ከም ኣካል ናይቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ዓለማዊ ጥምረት ኣንጻር ጅሃዳዊ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ሶርያ ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ሶርያ ካብ ዝርከቡ መደበራት ወጻኢ ይንቀሳቐሱ እዮም።

ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ 2011 ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ንደሓር ንሓይልታት ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ንምምኻርን ከምኡ’ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምልሻታት ንምስልጣንን ንምዕጣቕን ኣማኢት ሰራዊት ናብ ሶርያ ብምስዳድ ኣብታ ሃገር ርኡይ ህላወ ከም ዝሃነጸ ይፍለጥ።