እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልዑል ንሕንሕን መጥቃዕትን ዘተኣናግድ ዘሎ መረጻ ናይጀርያ
ናይጀርያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝነበሩ መረጻታት ልዑል ንሕንሕ ዝተርኣየሉ መረጻ ትማሊ ቀዳም ኣካይዳ።
ኣብቲ ቁጽሪ መረጽቲ ክብ ዝበለሉ ናይ ትማሊ መረጻ፡ ከይዲ ምድማጽ ናይ ምድንጓይ ዝንባለን ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ድማ ብዕጥቛት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ተፈሊጡ።
ድሕሪ እቲ ኣብ 1999 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ዘብቅዐ ወተሃደራዊ መሪሕነት ኣዝዩ ልዑል ንሕንሕ ዝተርኣየሉ ናይ ሎምዘበን ፕረዚደንታዊ መረጻ ድምጺ ናይ ምቑጻር ስራሕ ተጀሚሩ’ሎ።
ኣብቲ መረጻ ብዙሓት መናእሰይን ንፈለማ እዋን ኣብ መረጻ ዝሳተፉን ሰባት ገና ብጊሓቱ’ዮም ድምጾም ንምሃብ ተሰሊፎም።
ኣብ ገለ ገሊኡ ናቑጣታት መረጻ ናይ ምጉታት ኩነታት፣ ኣብ ገሊኦም ከዓ ከረጢት መረጻ ካብ ምሕዳግ ክሳዕ መጥቃዕቲ ዝበጽሕ ጉድኣት ከምዝወረዶም ተገሊጹ።
ገለ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ድማ ኣብ ገለ ናቑጣታት መረጻ ምትእጉጓል ከምዝነበረ ሪፖርት ምግባሮም ስዒቡ ውጽኢት መረጻ ከካትዕ ከምዝኽእል ተገሚቱ’ሎ።
87 ሚልዮን መራጺ ዝሳተፈሉ ዘሎ ፕረዚደንታዊ መረጻ ናይጀርያ ኣብ ኣፍሪቃ ልዑል ምንቅስቓስ ዴሞክራሲ ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ’ዩ ዝዝረበሉ ዘሎ።
ኣብ ናይጀርያ ወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ተኣልዩ ስርዓተ ብዙሓት ውድባት ካብ ዝተከል ንድሓር ኣብ ዘሎ 24 ዓማዉቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ውድባት ማለት’ውን ኣብ መንጎ ገዛኢ ውድብ ኤፒሲን ፒፒዲን ተባሒቱ ከምዝቐጸለ ይፍለጥ።
እንተኾነ ፕረዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ ንምትካእ ይካየድ ኣብ ዘሎ ናይ ሎምዘበን መረጻ ናይ ብዙሓት መናእሰይ ድጋፍ ዘለዎ መራሒ ሌበር ፓርቲ ፒተር ኦቢ ጎሊሁ ተራእዩ።
ብዓስርተ ኣሽሓት ኣብ ዝቑጸር ናቑጣታት መረጻ ከይዲ ቆጸራ ድምጺ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ እዚ ተኣኪቡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣቡጃ ናብ ዝርከብ ኮምሽን መረጻ ናይጀርያ ክልኣኽ’ዩ።
ናይ መወዳእታ ውጽኢት መረጻ ናይጀርያ ድሕሪ መጻኢ ሰሉስ ዕላዊ ክግበር ትጽቢት ይግበረሉ።
ዋና ፈጻሚ እቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ መሓሙድ ያኩቡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ናቑጣታት መረጻ ከይዲ ምሃብ ድምጺ ምድንጓያት ከምዝነበረ ብምጥቃስ ይቕሬታ ሓቲቱ።
ዝኾነ ይኹን ድምጺ መውሃቢ ወረቐት ሒዙ ሪጋ ዝሓዘ መራጻይ ድምጹ ክህብ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ዋና ፈጻሚ መረጻ ናቑጣታት መረጻ ክዕጸዉ ተባሂሉ ተታሒዝሉ ካብ ዝነበረ ግዜ ከምዝተወናውሐ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዓባይ ከተማ እታ ሃገር ሌጎስ ዝቕመጡ መረጽቲ ናቑጣታት መረጻ ምስተዓጸዉ ድሕሪ 4 ሰዓታት ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣፈጸምቲ መረጻ ጥቓ ሊኬ ናብ ዝርከብ ናቑጣ መረጻ እንትበጽሑ ብዙሓት ታሕጓሶም ገሊጾም።
“ናይጀርያዊ ስለዝኾንኩ ኩሉ ነገር ከጋጥመኒ ከምዝኽእል እግምት’የ። ስለዝኾነ ድማ ኣሸበሸብ ባትሪ ቴሌፎነይ እንተዓጽዩ ኢለ ፓወር ባንክን ማይን ሒዘ’የ መጺኤ። ኣፈጸምቲ መረጻ ክሳዕ ዝመጽኡ ተጸብየ ክመርጽ’የ” ክትብል ንፈለማ እዋን ኣብ መረጻ ዝተሳተፈት ኤዲዝ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣብዝሓ ድባብ እቲ መረጻ ሰለማዊ ከምዝኾነ ዝተገለጸ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሌጎስ ግን ኣብ ገሊኦም ናቑጣታት መረጻ መጥቃዕትን ዝምታ ሳንዱቕ መረጻን ከምዝነበረ ጸብጻብ ቀሪቡ።
ገለ ገለ መረጽቲ ድምጾም ንክህቡ ኣብ ዝተሰለፍሉ ከባቢ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶምን ከምዝተሰጎጉን ቅርታኦም ኣስሚዖም።
ኣብ ካልኦት ከባቢታት ድማ መረጽቲ ንውሱናት ሕጹያት ክመርጹ እንተዘይኮይኑ ግን ንማእከላት መረጻ ራሕሪሖም ክወጽኡ ከምዝተሓተቱ ገሊጾም።
ኣብ ግዝኣታት ደቡባዊ ዴልታን ሰሜናዊ ክፋል ካትቲሳን ዝርከቡ ዕጥቛት ኣብ ገለ ገለ ናቑጣታት መረጻ መጥቃዕቲ ከምዘውረዱ ዝሓበረ መሓሙድ ያኩቡ ማሽናት መረጋገጺ ድምጺ ወረቐት ከምዝተወሰዱ ሓቢሩ።
እተን ዝተወሰዳ ማሽናት ተተኪኤን ስነ ስርዓት ምሃብ ድምጺ ንኽቕጽል ሓለዋ ፈጥታ ሓይሉ ከምዝቐጸለ ኣፍሊጡ።
እንተኾነ ግን ኣብታ ብሃብቲ ነዳዲ ዝሃብተመት ግዝኣት ደቡባዊ ባዮልሳ ዝርከባ 141 ናቑጣታት መረጻ ከይዲ ምሃብ ድምጺ ስለዝተቛረጸ ንሎሚ ሰንበት ከምዝተናውሐ ተፈሊጡ።
ኣብ ግዝኣት ምብራቓዊ ቦርኖ ዝርከቡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ኣፈጸምቲ መረጻ ተኹሲ ከፊቶም ንብዙሓት ሰበ ስልጣን ከምዘቑሰሉ እቲ ሓላፊ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።
ቅድሚ እቲ መረጻ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ሕጽረት ሓድሽ ገንዘብ ምኽንያት ድማ ልዑል ቁጥዐን ኣብ ባንክታት ህውከትን ዕግርግርን ኣስዒቡ።
ብውጽኢት ናይዚ መረጻ ተሓርዩ ዝስየም ሓድሽ ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ምምሕያሽ ገንዘብ፣ ዘልሓጥሓጥ ዝብል ዘሎ ቁጠባ እታ ሃገር፣ ልዑል መጠን ሸቕሊ ኣልቦነት ኢሉ እውን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ ህይወቶም ናይ ዝስኣኑ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ጉዳይ መልክዕ ናይ ምትሓዝ ዕዮ ገዛ ክህልዎ ትጽቢት ይግበር።