መራሕቲ ትግራይ 'ዘቘምናዮ ግዝያዊ መንግስቲ የለን' ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ህወሓት ብመሰረት'ቲ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ትግራይ መሰጋገሪ ምምሕዳር ከምዘይመስረተ ኣፍሊጡ።
ሓደ መርበብ ሓበሬታ ውሽጢ ዓዲ፡ ህወሓት 28 ኣባላት ዝሓቘፈ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ንምቛም ዘካየዶ መስርሕ ከምዝዛመ ሓቢሩ ነይሩ።
ይዅን እምበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምስረት ነቲ ኣብ መንጐ ወገናት ስምምዕ ፕሪቶርያ ምምኽኻር ብምክያድ ጥራሕ ከምዝዀነ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፁ’ሎ።
ኣቶ ጌታቸው ብሰንበት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ "ተሳትፎ ኣዲስ ኣበባ [መንግስቲ ፈደራል] ዘይብሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ተመስሪቱ ምህላዉ ዝገልጽ ጸብጻባት ካብ ክውንነት ዝረሓቐ እዩ። ትግራይ እጃማ ክትፍፅም ጥራይ እያ ትጽዕር ዘላ" ኢሉ።
ትግራይ ካብቲ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ንምሕዋይ ኣብ ትጽዕረሉ ዘላ እዋን፡ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውድባት እታ ክልል ንዅሉ ዝሓቁፍ ግዝያዊ መንግስቲ ክቐውም ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ትግራይ ዝርከባ ተቓወምቲ ውድባት ህወሓት ነቲ መስርሕ ትብሕቶ ኣላ ብዝብል ኣብቲ ዋዕላ ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ብዘይምስታፍ ተቓውሞአን ምግላፀን ይፍለጥ።
ኮንፈረንስ ከመይ ነበረ?
እቲ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ንኽልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ 11 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ብምውጻእ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣኼባኡ ከምዝዛዘመ ይዝከር።
እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ከም ዝመጽኡ ዝተገልጹ ተዛተይቲ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ሲቪክ ማሕበራትን ውሑዳት ብሄራት ኩናማን ኢሮብን ወኪሎም ከም ዝመጽኡ እዩ ተገሊጹ።
ገሊኦም ብድምጺ፡ ገሊኦም ብዘይ ድምጺ ዝተሳተፉ ኰይኖም፡ መን ከም ዝሓረዮምን ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝተሓረዩን ዝተዋህበ መብርሂ ኣይነበረን።
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ፡ ኣብ ተልእኾ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምኡ’ውን ኣወዳድባን ክፍፍል ስልጣንን ዝኣመሰሉ ኣጀንዳታት ከም ዝዘተዩ ይሕብር።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ዝጣየስ ምምሕዳር፡ ሰላምን ጸጥታን እቲ ክልል ምውሓስ፣ ሓድነት ተጋሩ ምሕላው፣ ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ምምላስን ትዅረት ዘድልዮም ክፋላት ማሕበረሰብ [ሓርበኛታት፡ ጉዱኣት ኲናት፡ ደቂ ኣንስትዮ] ፍሉይ ኣቓልቦ ክግበረሎም ዝብል ይርከቦ።
ከምኡ’ውን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ንቡር ክምልስን፡ ወረርቲ ዝበልዎም ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ክልል ክወጽኡን ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ ኣሎ።
ተቓወምቲኸ እንታይ ይብሉ?
ኣብቲ ኮንፈረንስ ሰለስተ ብሄራዊ ውድባት ትግራይ ናብቲ ጉባኤ ተዓዲሞም ንባዕሎም ከግልሉ እንከለው፡ ንዕኦም ዝተዳለው ወናብር ጥርሖም ኰይኖም ኣብ ገለ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ኣሳእል የርኢ። እዚ ብዙሕ ከካትዕ ቀንዩ።
ኣቦ መንበር ውድብ ባይቶ ትግራይ፡ ዶ/ር ጸጋዘኣብ ካሕሱ፡ እቲ ዕድመ ከም ዝበጽሖም ኣረጋጊጹ።
“ካብ መጀመርታኡ ብማዕርነት ዝተመስረተ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንሳተፍን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ኮሚቴ ናይ ሓደ ውድብ ድሌትን ባህግን እዩ ዘንጸባርቕ።
"እቲ ከይዲ'ውን ናይ ህዝቢ ትግራይ ውራይ ኣይኰነን፤ ናይ ሓደ ውድብ ውራይ እዩ" ክብል ነቒፉ።
ብተመሳሳሊ ካብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ክንፈ ሓድሽ፡ ውድቦም እቲ ዝተጣየሰ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ “ሕጋዊነቱ” ስለ ዘይቅበልዎ፡ ናብቲ ንሱ ዘዋሃሀዶ ጉባኤ ክጽንበሩ ከም ዘይፈቕዱ እዩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ’ሎ።
"ክንቅበሎ እንተዄንና ካብ መጀመርታ ከም ብሓድሽ ንዅሉ ዝሓቍፍ ኮሚቴ ክጣየሽ ይግባእ ነይሩ" ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
