ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ብዙሓት ተመዛበልቲ ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ኣብ ትግራይ፡ ዓዲ-ዳዕሮ ንኻልኣይ ግዜ ብሰሉስ 25 መስከረም 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር፡ 65 ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ኣብ ባይታ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ንቢቢሲ ገሊፆም።
ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ቈልዑን ዓበይትን ዝርከብዎም" ሓያለ ሰባት ኣብቲ ደብዳብ ተቐቲሎም ኢሉ።
እዚ ሰሉስ ብድሮን ከምዝተኻየደ ዝተገልጸ ደብዳብ ብሓይሊታት ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተፈጸመ'ዩ ኣቶ ጌታቸው ከሲሱ ዘሎ።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ምላሽ የለን።
ብሰንኪ ኣብታ ክልል ዘሎ ጸገማት መራኸቢታት ቢቢሲ ነቲ ክሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
እቶም ግዳያት ካብ ምዕራብ ትግራይን ተፈናቒሎም ኣብ ኣድያቦ ተዓቚቦም ዝነበሩ ምዃኖም ጌታቸው ረዳ ጠቒሱ።
እቲ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረድኤት፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ካብ ዓዲ ዳዕሮ ናብ ኣንፈት ሽረ እንዳስላሰ 5 ኪሎ ሜትሮ ርሒቝ ኣብ ዝርከብ መዕቈቢ ስደተኛታት ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።
ንሱ፡ ኣብዚ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 65 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 70 ሰባት ከምዝቘሰሉን ወሲኹ ገሊጹ።
“ዝተጐድኡ ሰባት ናብ ሆስፒታል ሽረ ተወሲዶም ኣለዉ። ሕጽረት መድሃኒትን ሕክምናን ስለዘሎ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ካብቶም በቲ ደብዳብ ነፈርቲ ዝሞቱ፡ ብዙሓት ህጻናትን ዓበይትን ከምዝርከብዎም፡ እቲ ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንወተሃደራዊ መኽዘናት ሓይልታት ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ደብዳባት ኣብታ ከተማ ኣካይዱ ምንባሩ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጾም ነይሮም።
ሰብመዚ ትግራይ ግን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ነቲ ደብዳብ ከምዝፈጸሞ'ዮም ገሊጾም ነይሮም።
ኣቐዲሙ'ውን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጉድኣት ዘውረደ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ተኻይዱ ምንባሩ ነበርትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ከባቢታት ደብዳባት ከምዝተኻየዱ'ውን ሰብመዚ ትግራይ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
እቲ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኣዊጁ ዝነበረ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት በቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዳግማይ ዝተወልዐ ውግእ ከምዝፈረሰ ይፍለጥ።
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ድማ ከቢድ ውግኣት ክካየድ ምጽንሑን፡ ብሰንኩ ኣማኢት ኣሽሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዝተመዛበሉን ይግለጽ።
ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ተመዛበልቲ፡ ካብቲ ኲናት ይካየደሉ ከምዘሎ ዝዝረበሉ ዓዲ ሃገራይን ከባቢኡን ሃዲሞም ዝመጽኡ፣ ካብ ኣስገደ፡ ጽምብላ፡ ደደቢትን ጸሊሞን ዝተመዛበሉ ካልኦት'ውን ከም ዝርከብዎም ሓቢሩ።
ብሓፈሻ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ኣብ ባይታ ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ቢቢሲ፡ ዳግማይ ምውላዕ ናይቲ ኲናት ዝእምት፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ከባቢ ከተማ ሸራሮን ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ዓቢ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከምዝነበረ ዘርኢ ብናይ ሳተላይት ስእልታት ዝተሰነየ ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምውጽኡ ይዝከር።
ኣገዳስነት ዓዲ-ዳዕሮ እንታይ'ዩ?
ዓዲ-ዳዕሮ ካብ ዶባት ኤርትራ ናብ ሽረ ኣብ ዝወስድ ዓቢ ጽርግያ፡ እትርከብ ኰይና፡ ካብቲ ዶብ 89 ኪሎሜትሮ ርሒቓ እትርከብ እያ።
ካብታ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝዓበየት ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ድማ፡ 25 ኪሎሜትሮ ርሒቓ ትርከብ።
ከምኡ ድማ፡ ታሪኻዊ ከተማ ዓዲ-ነብሪኢድን ከተማ ሽረን ዝራኸቡላ እያ። ካብ ዓዲ-ዳዕሮ ናብ ዶባት ገጽ ኣብ ዝርከብ ታሕታይ ኣድያቦ ከባቢ፡ ጽዑቕ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ዘይተረጋገጹ ጸብጻበት ይሕብሩ።
ኣብታ ናይ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ግዳይ ዝዀነት ከተማ፡ መንበሪ ገዛውትን፡ ኣብያተ ትምህርትን ከምዝዓነዋ ዘርእዩ ምስልታት ክወጽኡ ቀንዮም እዮም።
እቲ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ከተማ ዝዀነ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከምዘየለ እዩ ይዛረብ።
ዓዲ-ዳዕሮ እንታይ ፍሉይ ወተሃደራዊ ኣገዳስነትን ዒላማታትን ከምዘለዋ'ኳ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ግን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንመኽዘናት ኣጽዋር ሓይልታት ትግራይ ከምዘዕነወ'ዮም ዝምጕቱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ30 መስከረም ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፡ ትካላት ጥዕና፡ ኣብያተ-ትምህርትን፡ ከምኡ'ውን ትካላት ረዲኤት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ኣጽዋርን መራሕትን ይሓብኡ ከምዘለዉ ከሲሱ ነይሩ።
ሕቡራት ሃገራት ይዅን ካልኦት ትካላት ረዲኤት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝሃብዎ መግለጺ የለን።
እታ ከተማ ሓንቲ ካብተን ሓደስቲ ተፈናቐልቲ ናይቲ ዞባ ተዓቚበምለን ዘለዋ ምዃና ይግለጽ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
