ዶላር ስለምንታይ እዩ ዝሕይል ዘሎ? ጽልውኡ'ኸ?

ዶላር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ዶላር ኣሜሪካ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ባጤራታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ንኽልተ ዕቝድ ዝሓየለ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

እዚ ማለት ዶላር ምግዛእ ክቡር ክኸውን እንከሎ፡ ዶላር ድማ ዝያዳ ፓውንድ፡ ዩሮ ወይ የን [ባጤራ ጃፓን] ክገዝእ ይኽእል ማለት እዩ። እዚ፡ ን ትካላት ንግዲ ዓለም ይዅን መነባብሮ ስድራቤታት ዝጸሉ እዩ።

ዶላር ግን ክሳብ ክንደይ እዩ ሓያል?

እቲ መጠነ ሸርፊ ዶላር ብመንጽር ዩሮ፡ ፓውንድን የንን ሓዊሱ ብማእከላይ ገምጋም ካልኦት ሽዱሽተ ዓበይቲ ባጤራታት ዓቂኑ ዝመልክት ሓባሪ (The dollar index - DXY)፡ ዶላር ኣብ 2022 ብ15% ወሰኽ  ዘርኣየ የመልክት።

ስለምንታይ’ዩ ዶላር ክሳብ ክንድዚ ሓያል ባጤራ ኰይኑ?

ማእከላይ ባንክ ኣሜሪካ፡ ናህሪ ዋጋታት ንምቍጽጻር ምእንቲ ኽከኣል፡ ኣብዚ ዓመት ብዙሕ ግዜ መጠነ-ወለድ ወሲኹ። እዚ ድማ ገንዘብ ምልቃሕ ከቢድ ገይርዎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ከም ቦንድ መንግስቲ ዝኣመሰሉ ፋይናንሳዊ ፍርያት ዝያዳ ገንዘብ ትመልስ ማለት እዩ፤ እዚ ድማ ንኣውፈርቲ ዝያዳ ሰሓቢ ይኸውን።

ቦንድ፡ መንግስታት ገንዘብ ዝልቅሑሉ ኣገባብ ኰይኑ፡ ኣብ መጻኢ ምስ ወለዱ ዝመልስዎ እዩ። ብሓፈሻኡ ቦንድ ኣመና ውሑስ’ዩ ተባሂሉ እዩ ዝግምገም።

ኣብ ሓምለ 2022 ጥራይ፡ ኣውፈርቲ ወጻኢ 10.2 ቢልዮን ዶላር ቦንድ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዓዲጐም፤  በዚ ድማ ክሳብ 7.5 ትሪልዮን ዶላር ተወኒኖም ኣለዉ። 

ኣውፈርቲ ነዞም ​​ቦንድታት ንምዕዳግ ዶላር ክገዝኡ ኣለዎም፣ እዚ ጠለብ’ዚ ድማ ዋጋኦም ክውስኽ ይገብሮ።

ኣውፈርቲ ካልኦት ባጤራታት ሸይጦም ዶላር ክገዝኡ ከለዉ፡ እቶም ካልኦት ባጤራታት ዋጋኦም የንቈልቍል።

ብሪጣንያ ዓቢ ምቝራጽ ግብሪ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ዋጋ ፓውንድ ብመንጽር ዶላር ኣመና ወሪዱ።

ኣሜሪካ ንባጤራኣ ዝፈጠረቶ "ውሑስ መዕቆቢ" ሰፊሕ ስለዝዀነ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓለማዊ ቍጠባ ኣብ ጸቕጢ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ኣውፈርቲ ዶላር ክገዝኡ ይደልዩ፤ እዚ እውን ንዋጋ ዶላር የዕብዮ።

ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ዝፈጠሮ ቅልውላው ዋጋታት ጋዝን ነዳድን፡ ብዙሕ ቁጠባታት ኣውሮጳን ኤስያን  ኣብ መዋጥር እዩ ዝርከብ።

ኣሜሪካ፡ ብሰንኪ’ዚ ዝዓርግ ዘሎ ወሰኽ ዋጋታት ጸዓት ክሳብ ክንድኡ ኣይተሃስየትን። ሽሕ’ኳ ቍጠባኣ ኣብዞም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እንተነከየ፡ ንግዳዊ ትካላት ብምሉእ ዓቕመን ይሰርሓን ሰራሕተኛታት ይቘጽራን ኣለዋ፤ እዚ ድማ ከም ምልክት ቀጻልነት ዘለዎ ምትእምማን ክርአ ይከኣል።

እዚ እናዀነ ግን፡ ምሕያል ዶላር፡ ነተን እቶተን ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ዘኻዕብታ ከም ኣፕልን ስታርባክስን ዝኣመሰላ ትካላት ኣሜሪካ ዝሃሲ እዩ።

እተን ኣብ ‘S&P 500 stock market’ ዝነግዳ ኩባንያታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መሸጣአን ክሳብ 100 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከጋጥመን ከም ዝኽእል ይግመት።

ምሕያል ዶላር፡ ንድኹም ባጤራ ብኸመይ ይጸልዎ?

ድኹም ባጤራ ዘለወን ሃገራት፡ ካብዚ ምሕያል ዶላር ክረብሓ ከም ዝኽእላ እዩ ዝግመት።  ምኽንያቱ እቲ ንኣሜሪካ ዝሸጣኦ ንብረትን ኣገልግሎታትን ክሓስር ስለዝገብሮን ሰደድ ስለዘዕብን እዩ።

እዚ ዀይኑ ግን፡ እቲ ካብ ኣሜሪካ ዘእትዋኦ ኣቝሑ ክኸብር ምዃኑ ይፍለጥ።

ዋጋ ነዳዲ ብዶላር ስለዝትመን ወይ ዝሽየጥ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለምና ዋጋ ነዳዲ ክዛይድ እዩ።

ንኣብነት ኣብ ኬንያ እንተርኢና፡ ሽሊን ብመንጽር ዶላር ናብ ኣዝዩ ትሑት ደረጃኡ ስለዝወረደ፡ ዋጋ ነዳዲ ካብ ፈላማ 2022 ኣትሒዙ ዳርጋ ብ40% ወሲኹ።

ዶላር ብዘለዎ ርግኣት፡ ብዙሓት ሃገራትን ትካላትን ዝወስዳኦ ልቓሕ፡ ኣክንዲ ብናይ ገዛእ ርእሰን ባጤራ ዝኸውን ብዶላር ከገብራኦ ይመርጻ።

ዋጋ ዶላር እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ፡ ዕዳታት ብባጤራ ውሽጢ ሃገር ምምላስ ከቢድ ይኸውን።

መንግስቲ ኣርጀንቲና ብፍሉይ፡ ብምሕያል ዶላር ሕሱም ተወቒዑ ዘሎ መንግስቲ እዩ።

ፋይናንሳዊ ዕቝር ገንዘብ ንምሕላውን ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ኣቝሑት ንግዚኡ ኣጊዱ ኣሎ።

ነቶም ዶላር ናብ ሃገሮም ዝሕውሉ ኸ?

ናብ ስድራኦም ዶላር ዝልእኩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲዶም ዝሰርሑ ሰባት ነናብ ስድራቤታቶም ዝሰድዎ መጠን ገንዘብ፡ ዓመታዊ ብገምጋም 625 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ። እዚ ሓዋላታት እዚ ንቝጠባ’ተን ተቐበልቲ ሃገራት ኣገደስቲ እዩ።

ወጻእተኛታታት ሰራሕተኛታት ካብ ኣሜሪካ ጥራይ ዓመታዊ ኣስታት 150 ቢልዮን ዶላር ከምሕውሉ ይግመት፤ እዚ ድማ ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ንሜክሲኮ፡ 16 ቢልዮን ዶላር ንቻይና፡ 11 ቢልዮን ዶላር ንህንዲ፡ 11 ቢልዮን ዶላር ንፊሊፒንስ እዩ።

ዶላር ኣሜሪካ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ፡ ካልኦት ባጤራታት ብብዝሒ ክገዝእ ይኽእል ማለት እዩ። እዚ ድማ ነተን ብዶላር ዝሕወለለን ተቐበልቲ ሃገራት ዝሓሸ ረብሓ ኣለዎ።

በርናደት ክሩዝ፡ ምስ ሰለስተ ደቃ ኣብ ሳን ሆዘ - ፊሊፒንስ ትነብር።

እዛ ስድራቤት፡ ኣብቲ ንልዕሊ 18 ዓመታት ከም ነርስ ኰይኑ ኣብ ኒውዮርክ እናሰርሐ ዶላር ዝሕውል፡ ኣቦ ስድራ ፍረድ እያ እትምርኰስ።

ዶላር፡ ብመንጽር ፔሶ ፊሊፒንስ እንክርአ ብ13.5 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ። "ኣብ ፊሊፒንስ፡ ኣቑሑን ኣገልግሎታትን ዋጋኦም ንሂሩ እዩ፡" ትብል በርናደት።

"ምኽባር ዶላር ግን ነቲ ዘድልየና ነገራት ንኽሽፍን ኣመና ይሕግዘኒ ኣሎ። እቲ ዝያዳ ገንዘብ፡ በዓል ቤተይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኰይኑ ንዝኸፈሎ ዘሎ መስዋእቲ ዝያዳ ዋጋ ዘለዎ ይገብሮ።" 

ሃገራት ብምሕያል ዶላር እንታይ ይገብራ ኣለዋ?

ብዙሓት ሃገራት፡ ወለድ ክብ ብምባል ክብሪ ገዛእ ባጤራአን ንምዕባይ ይጽዕራ ኣለዋ።

ኣብ ኣርጀንቲና፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መጠን-ወለድ ማእከላይ ባንክ 69.5% እዩ። ኣብ ጋና 19%፡ ኣብ ናይጀርያ 14%፡ ኣብ ብራዚል ድማ 13.75% እዩ።

ይዅን እምበር ዝለዓለ መጠን ወለድ ማለት ንንግድን ስድራቤታትን ገንዘብ ምልቃሕ ዝኸበረ እዩ።

ትካላት ክሽገራን ምናልባት’ውን ሰራሕተኛታት ከባርራ ይኽእላ እየን። በዚ ኸኣ ስድራቤታት ወጻኢታተን ክቕንሳ ይኽእላ እየን።

እዚ ኸኣ ብግደኡ [ዓለም] ንቝጠባዊ ዝሕጠት ገጻ ከተንደልህጽ ክገብራ ይኽእል እዩ።