ኤርትራ፡ ጽንብል በዓል መስቀል ብስእሊ

Published

ጽንብል በዓል መስቀል ሎሚ 27 መስከረም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየ ስነስርዓት፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሰበስልጣን መንግስትን ዲፕሎማሰኛታትን ዝርከብዎ ብዙሕ ህዝቢ ተሳቲፉ።

እቲ ብኣመንቲ ክርስትና ዝኽበር በዓል መስቀል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር'ውን ተጸንቢሉ ውዒሉ።

በዓል መስቀል፡ ሓባሪ ምዃኑ ዝእመን ዳሜራ ብምውላዕ ዝኽበር'ዩ።

እዞም ዝስዕቡ ስእልታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበረ ጽንብል ንምንጽብራቕ ዝሓረናዮም እዮም፣