ኤርትራ፡ ጽንብል በዓል መስቀል ብስእሊ

ነበርቲ ከተማ ከረን ዳሜራ እናተዓዘቡ

ምንጪ ስእሊ, Dawit

መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ከተማ ከረን'ውን ነቲ በዓል ዓቢ ዳሜራ ብምውላዕ ኣኽቢሮሞ ውዒሎም
Published

ጽንብል በዓል መስቀል ሎሚ 27 መስከረም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየ ስነስርዓት፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሰበስልጣን መንግስትን ዲፕሎማሰኛታትን ዝርከብዎ ብዙሕ ህዝቢ ተሳቲፉ።

እቲ ብኣመንቲ ክርስትና ዝኽበር በዓል መስቀል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር'ውን ተጸንቢሉ ውዒሉ።

በዓል መስቀል፡ ሓባሪ ምዃኑ ዝእመን ዳሜራ ብምውላዕ ዝኽበር'ዩ።

እዞም ዝስዕቡ ስእልታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበረ ጽንብል ንምንጽብራቕ ዝሓረናዮም እዮም፣

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስያን ዝርከብዎም መራሕቲ ዝተፈላለዩ እምነታት

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስያን ኣቡነ ቄርሎስ ዝርከብዎም መራሕቲ ዝተፈላለዩ እምነታት ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ፡ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝተኻየደ ጽንብል ተሳቲፎም ነይሮም
ሓያለ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ኣብቲ ኣብ ሜዳ ባሕቲ ምስከረም

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ሓያለ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ኣብቲ ኣብ ሜዳ ባሕቲ ምስከረም ዝተኻየደ ጽንብል
ዳሜራ መቀል ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም እናነደደ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ዳሜራ መቀል ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም እናነደደ
ሃይማኖታዊ መዝሙር ዘስምዑ መንእሰያት ከረን

ምንጪ ስእሊ, Dawit

መግለጺ ስእሊ, ሃይማኖታዊ መዝሙር ዘስምዑ መንእሰያት ከረን ኣብ ጽንብል መስቀል እናተሳተፉ
ካህናትን ዲያቆናትን ከረን ብጸናጽልን ከበሮን ተሰንዮም ኣብ ዙርያ ዳሜራ እናኾለሉ

ምንጪ ስእሊ, Dawit

መግለጺ ስእሊ, ካህናትን ዲያቆናትን ከረን ብጸናጽልን ከበሮን ተሰንዮም ኣብ ዙርያ ዳሜራ እናሸብሸቡ
ነቲ ጽንብል ዝምልከት ሃይማኖታዊ ተዋስኦ ዘርእዩ መንሰያት ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ነቲ ጽንብል ዝምልከት ሃይማኖታዊ ተዋስኦ ዘርእዩ መንሰያት ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣስመራ