ኣብ እስራኤል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ቱሪስት ተቐቲሉ ሸውዓተ ድማ ቆሲሎም

Published

ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ቴል ኣቪቭ፡ ኰነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ከም ዝዀነ ብዝተጠርጠረ ናይ መኪና መጥቃዕቲ ሓደ ኢጣልያዊ ቱሪስት ክሞት ከሎ ሸውዓተ ድማ ከም ዝቖሰሉ እስራኤላውያን ሓካይም ገሊጾም።

እስራኤል እቲ ዝተቐትለ ሰብ፡ ወዲ 36 ዓመት ኢጣልያዊ ዜጋ ኣሌሳንድሮ ፓሪኒ ምዃኑ ከም ዘፍለጠቶ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ሓቢሩ።

ሓደ ሓኪም፡ እቶም ዝቖሰሉ ሰለስተ ዜጋታት ብሪጣንያን ሓደ ካልእ ኢጣልያዊን ከም ዝርከብዎም ንቴሌቪዥን እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ መዘናግዒ ቦታ ዝተገልበጠት መኪናን ሓደ እስራኤላዊ ፖሊስ ተኹሲ ክኸፍትን የርኢ።

ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ እቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ ብመኮንናት ብጥይት ከም ዝተቐትለ ሓቢሩ።

እቲ ጥርጡር፡ ዩሱፍ ኣቡ ጃበር ዝተበሃለ ነባሪ ካፍር ቃሲም ዝተባህለት እስራኤላዊ-ዓረብ ከተማ ከም ዝዀነ’ውን ጠቒሱ።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብዓርቢ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ክልተ ብሪጣንያውያን እስራኤላውያን ኣሓት ድሕሪ ምሟተንን ኣዲአን ድማ ድሕሪ ምቑሳላን ዝተፈጸመ እዩ።

ፖሊስ ቴል ኣቪቭ ከም ዝበሎ፡ ሓደ ወዲ 45 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መንገዲ መኪናኡ እናዘወረ፡ ቅድሚ ምግልባጣ ንሓያሎ እግረኛታት ከም ዝሃረመ ሓቢሩ።

ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ መዐደሊ ነዳዲ ዝሰርሕ ዝነበረ ፖሊስ ነቲ ዕግርግር ሰሚዑ፡ ናብቲ ቦታ ድሕሪ ምጉያዩ፡ መራሒ እታ መኪና "ሽጉጥ ዝመስል ነገር" ከልዕል ድሕሪ ምርኣዩ ተኲሱ ከም ዝቐተሎ ይንገር።

ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እስራኤል፡ ብዘይካ እቲ ገበነኛ ዝተባህለ፡ በቲ መጥቃዕቲ ብድምር ሸሞንተ ሰባት ከም ዝተጎድኡ ኩሎም ድማ ኣጋይሽ ከም ዝኾኑን ገሊጹ።

ካብቶም ዝቖሰሉ እቶም ሰለስተ ማእከላይ፡ እቶም ኣርባዕተ ድማ ቀሊል መጉዳእቲ ዝበጽሖም እዮም ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ ብሞት ዜጋኣ "ዓሚቕ ሓዘን" ብምግላጽ ነቲ መጥቃዕቲ "ውርደት" ክትብል ገሊጻቶ።

ፓሪኒ ኣብ ሮማ ጠበቓ ኰይኑ ከም ዝሰርሐ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ከም ኣካል ናይቲ ንሽበራ ንምምካት ዝግበር ጻዕሪ ዕቑር ኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን ኣሰሊፉ ኣሎ።

ኔታንያሁ ኣብቲ ተኹሲ ዝተፈጸመሉ ቦታ'ውን በጺሑ'ዩ።

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስን ምድረበዳ ጋዛን ኣብ ልዕሊ ናይ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ዒላማታት መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምፍጻሙ ሰዓታት ጸኒሑ’ዩ ኣጋጢሙ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ትማሊ ሓሙስ ካብ ሊባኖስ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ዝተተኮሳ 34 ሮኬታት ዝተወሃበ ምላሽ ከም ዝዀነን፡ ነዚ ድማ ነቲ ጉጅለ ከም ዝወቐሰን ገሊጹ።

ፖሊስ እስራኤል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ንኽልተ ለይቲ ድሕሪ ዘካየዶ ወፍሪ እቲ ወጥሪ ተጋዲዱ ይርከብ።

እቲ ዘመተ ኣብ ውሽጢ እቲ መስጊድ ምስ ፍልስጤማውያን ዓመጽ ዝመልኦ ምግጣም ዘበገሰ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ቁጥዐ ፈጢሩ።

ሓማስ ነተን ሮኬታት ከም ዝተኮሰ ኣየረጋገጸን፤ እንተዀነ ኣብቲ እዋን ናብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ቤሩት ዑደት ዝገብር ዝነበረ መራሒ እስማዒል ሃኒየህ፡ ፍልስጤማውያን ኣብ እዋን መጥቃዕቲ እስራኤል፡ 'ኢዶም ሒዞም ኰፍ ከም ዘይብሉ' ተዛሪቡ ነይሩ።