ኢትዮጵያ፡ ንዳኛን በዓልቲ ቤቱ ነበርን ኣብ መጋባእያ ዝቐተለ ተኸሳሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፡ ወልመራ ቤት ፍርዲ፡ ንሓንቲ ዳኛን በዓልቲ ቤቱ ነበርን ብጥይት ዝቐተለ ተኸሳሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ መርመራ ይግበረሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ዳይሬክተር ኮምዩኒኬሽን ቤት ፅሕፈት ዋና ዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልል፡ ኣቶ ጌታቸው ጣሰው፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ተኸሳሲ ነብሰ ቅትለት ክፍፅም ድሕሪ ምፍታኑ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ፍጻመ ብሓሙስ 23 ግንቦት 2018 ዓ.ም [ግ] ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ንጐሆ [ሰዓት ዓሰርቲ ረፋድ] ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ወልመራ ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ኣቅናው በቀለ ዝተባህለ ጥርጡር፡ ኣብ ጉዳይ ስድራ ቤት ንምክታዕን ምስ በዓልቲ ቤቱ ፍትሕ ንምውዳእን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝነበረ ዝገለጸ ኣቶ ጌታቸው፡ "ኣብቲ መዓልቲ ተታሒዙ ዝነበረ ቆጸራ፡ ኣፈፃፅማ ምምቓል ንብረት ንምፅራይ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

እቲ ዳይሬክተር፡ እቲ ሞጕት ኣብቂዑ ናይ መወዳእታ ብይን ኣብ ዝተነበበሉ እዋን፡ እቲ ጥርጡር ንበዓልቲ ቤቱ ነበር ወ/ሮ ኣልማዝ መኮነንን ኣብቲ መጋበእያ ንዝነበረት ዳኛ ወ/ሮ ወርቄ ፉካንሳን ተኲሱ ብጥይት ከምዝቐተለን ገሊጹ።

"እቲ ተኸሳሰሲ ነዚ ተግባር ዝፈጸሞ በቲ ብይን ሕጉስ ስለዘይነበረ እዩ ተባሂሉ ይእመን" ኢሉ።

እቲ ዳይረክተር ከም ዝበሎ፡ እታ በዓልቲ ቤቱ ነበር በቲ ዝተተኮሰላ ጥይት ሽዑንሽዑ ህይወታ ክሓልፍ እንከሎ፡ እታ ዳኛ ድማ ናብ ሆስፒታል ክትበፅሕ ኣይከኣለትን።

እቲ ጥርጡር፡ ናብ ባዕሉ ብምትኳስ፡ ንዓርሱ ከጥፈእ ድሕሪ ምፈታኑ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣብ ሆስፒታል ሆሌታ ሕክምና ድሕሪ ምርካቡ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ጳውሎስ ተላኢኹ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ኰይኑ ይሕከም ኣሎ።

ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየውረደ፤ ነብሰ ቅትለት ክፍጽም ካብ ምፍታን ሓሊፉ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ዝተገብረ ተዅሲ ከምዘየለን ተዛሪቡ።

ብዙሓት፡ እቲ ተኸሳሲ ብኸመይ ብረት ተዓጢቑ ናብ ቤት ፍርዲ ክኣቱ ከምዝኸኣለ ሕቶታት የልዕሉ ኣለዉ።

ኣቶ ጌታቸው ብዛዕባ እዚ ተሓቲቱ "እቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ እዩ ዘሎ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

"ቤት ፍርዲ ሓለውቲ ኣለዎም፤ ናብ ቤት ፍርዲ ዝኣትዉ ሰባት ቅድሚ ምእታዎም ይፍተሹ። ኣኽበርቲ ፖሊስ'ውን ኣለዉ፤ ከምዚ ዓይነት ስሕተት ምፍጣሩ ዘሕዝን'ዩ" ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ጥንቃቐ ክግበር ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

ንሱ ወሲኹ፡ ሓለውቲ ቤት ፍርዲን ኣኽበርቲ ቤት ፍርዲን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምስዚ ሕጂ ዘሎ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር መርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ተኸሳሲ ሕክምና ምስተገበረሉ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ እውን ገሊፁ።

ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ ከም ዝነበሮኦን፡ ምስ ኽልቲአን ፍትሕ ከምዝፈፀመን ይዛረብ።

ካብታ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐተላ ሰበይቲ እውን ቆልዑ ከም ዘለዉዎ ከም ዝፈልጥ ገሊጹ።

እቲ ሰብኣይ ምስ ክልቲአን ኣንስቱ'ዩ ኣብ ንብረት ምምቓል ኣብ መስሕሓብ ተጸሚዱ ነይሩ።