እስራኤል፡ ድሕሪ ከቢድ መጥቃዕቲ ሮኬት ንሌባኖስን ቓዛን ኣጥቂዓ

Published

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሊባኖስን ኣብ ስግር ምድረበዳ ቓዛን ምስ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ዝተኣሳሰሩ ዒላማታት ከም ዝሃረመ ገሊጹ።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ድሕሪ’ቲ ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ሮኬት ዝስዓበ ኰይኑ፡ እስራኤላውያን ንሓማስ ነቒፎም።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከብ “ሽበራዊ” ትሕተ ቅርጺ ሓማስ ከም ዝተወቕዐ ገሊጾም።

ፖሊስ እስራኤል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ብተኸታታሊ ለይቲ ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ድሕሪ ዘካየዶ ወፍሪ፡ ወጥሪ ዓሲሉ ቀንዩ ኣሎ።

እቲ መስጊድ ኣብ እስላም ሳልሳይ ዝተቐደሰ ቦታ ኰይኑ፡ እቲ እስራኤል ዘካየዶ ወራር ምስ ፍልስጤማውያን ዓመጽ ዝተሓውሶ ምስሕሓብ ኣበጊሱ፤ ኣብቲ ሰፊሕ ዞባ ድማ ቁጥዐ ፈጢሩ።

እቲ ሮኬት ክትኰስ እንከሎ፡ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኣዛዚ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል እናሃለወ ፍልስጤም፡ “ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ኰፍ ኣይትብልን” ኢሉ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ሎሚ ዓርቢ 7 ሚያዝያ 2023 ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከቡ ትሕተቅርጺ ኣሸባሪ ጕጅለ ሓማስ ሓዊሱ” ዒላማ ዝዀኑ ቦታታት ሓበሬታ ከም ዝነበሮ ገሊጹ።

ሓማስ፡ ትማሊ ሓሙስ ካብ ሊባኖስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ብመን ከም ዝተፈጸመ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ 17 ዓመታት ካብ ሰሜናዊ ጐረቤት እስራኤል ዝተፈጸመ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ኰይኑ፡ እስራኤል መብዛሕትአን ካብተን 34 ሮኬታት ከም ዝዓገተት ጸብጺባ። እንተዀነ እተን ሽዱሽተ ኣብ ህንጻታት ዕንወት ከም ዘውረዳ ሓቢራ።

ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ቓዛ እውን መጥቃዕቲ ኣየር ኣሐይለናኦ።

ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ኣስታት 20 ሚሳይላት ኣብ ኣርባዕተ ሓደስቲ ቦታታት መጥቃዕቲ ፈጺመን።

ፍልስጤማውያን ዕጡቓት እውን ሓድሽ ዙርያ መጥቃዕቲ ሮኬት ናብ ደቡባዊ እስራኤል ተኲሶም፤ ኣብኡ ድማ ደወል መጠንቀቕታ - ሳይረን ተሰሚዑ።

ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ መፍረ ኣጽዋርን፡ ኣብ ልዕሊ መሬት ኣብ ዝርከብ ሰለስተ ቦታታትን ከም ዘጥቅዓ ንወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ጠቒሳ ጋዜጣ የሩሳሌም ፖስት ጸብጺባ።

እዚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ድሕሪ’ቲ ኣብ ነሓሰ 2022 ምስ እስላማዊ ጅሃድ ዝተኻየደ ውግእ ዝኸበደ ምዃኑ ይንገር።

እዚ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ጸጥታ ድሕሪ ምክያዱ ዝስዓበ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ንሱ ብተሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ንጸላእትና ክንሃርሞም ኢና፤ ንሳቶም ድማ ንዅሉ ተግባራት ምጥቃዕ ዋጋ ክኸፍልሉ እዮም" ኢሉ።

ብተወሳኺ "ዓመጽ ዝጥቀሙ ኣኽረርቲ ወሳኒ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና" ብምባል ወጥሪ ክሃድእ ጸዊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ፡ ካብ መሬት እታ ሃገር ዝካየድ ዝዀነ ይዅን “ነቲ ኵነታት ዝህውኽ" ወተሃደራዊ ስርሒታት ኰኒኑ።

ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዩኒፊል ድማ እቲ ኵነታት “ኣዝዩ ከቢድ'ዩ” ብምባል፡ “ክግታእን፣ ከይዓርግን” ኣተሓሳሲቡ።