መቐለ: ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮውሃንስን ብስእሊ

ዕዳጋ ሰተ ሰምሃልን ገልገለ መስቀልን
መግለጺ ስእሊ, ዕዳጋ ሰተ ሰምሃልን ገልገለ መስቀልን
Published

ኢትዮጵያውያን፡ ካብ ህዝቢ ዓለም ንድሕሪት ሸውዓተ ዓመት ተፈልዮም'ዮም ሓድሽ ዓመት ዝቕበሉ።

እዚ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ'ውን እናተባህለ ዝበዓል ዘመን መለወጢ፡ ኣብታ ሃገር ሓደ መስከረም ተባሂሉ ሓድሽ ዓውደ ኣዋርሕ (ካላንደር) ዝልወጠሉ መዓልቲ'ዩ።

ዓውደ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ፡ ነፍሲ ወከፍ 30 መዓልታት ዝሓዛ 12 ኣዋርሕን ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ መዓልታት እተቑጽር መበል 13 ወርሒን ዝሓዘ እዩ።

እዛ ወርሒ ጳጉሜን ተባሂላ እትጽዋዕ ሓጻር ወርሒ፡ እታ ሃገር ዝተፈለየ ኣቋጻጽራ ኣዋርሕ ክህልዋ ገይራ እያ።

ገለ ጽሑፋት 'ጳጉሜን' ናይ ግሪኽ ቃል ኰይኑ፡ 'ዓመት ክጽብጸብ እንከሎ ዝተረስዓ መዓልታት' ማለት ምዃኑ ይገልጹ።

ከም ኣቆጻጽራ ዓውደ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ዓመት 365 መዓልታት፣ ሽዱሽተ ሰዓታት፣ ክልተ ደቒቕን 42 ካልኢታትን ኣለዎ።

በብኣርባዕተ ዓመት ክኣ እዘን ሽዱሽተ ሰዓታት ናብ 24 ሰዓታት ተደሚረን ሻድሸይቲ መዓልቲ እቲ ዓመት ይዀና።

ኣብ 600 ዓመት ሓደ ግዜ ክኣ፡ እተን ክልተ ደቒቕን 42 ካልኢታትን ሓደ ሙሉእ መዓልቲ ኰይነን ሻብዐይቲ መዓልቲ ይፈጥራ።

ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝሓሸ ቀረብ ሸቐጣት እኳ እንተሃለዎ ዋጋ ፍራምረ ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ነበርቲ ይገልጹ
መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝሓሸ ቀረብ ሸቐጣት እኳ እንተሃለዎ ዋጋ ፍረምረ ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ነበርቲ ይገልጹ

ዓመት በዓላት፡ መስዋእቲ ዝዀና ጠለ-በጊዕ፣ ምስ ስነ ስርዓት ቡን ዝቐርቡ ፍረምረን ጥዑማት መግብታትን ተማሊኦም፡ ምስ ስድራ፣ መሓዛን ጐረባብትን የኽበሩ።

ከም ውጽኢቱ ብፍላይ ኣብ ድሮ በዓላት፡ ዕዳጋታት፣ ድኳናት ብብዝሒ ሰባት ተጨናኒቘም ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኲናት ዝጸንሐት ትግራይ፡ ካብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ጀሚሩ መብዛሕትአን ከተማታት ኣንጻራዊ ሰላምን ርግኣትን ተራእዩወን ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ዓመት ድማ፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ብልዑል ብሩህ ተስፋ መጻኢ ዝኽበር ዘሎ ፈላማይ ዘመን መለወጢ እዩ።

ዕሙር ዕዳጋታት መቐለ ኣብ ድሮ ኣውድኣመት
መግለጺ ስእሊ, ዕሙር ዕዳጋታት መቐለ ኣብ ድሮ ኣውድኣመት
ዕዳጋ ተፈጥራዊ ዕጣን ቁናምኒ (ቁፍቋፍ) ኣብ ዕዳጋ ዓዲሓቂ
መግለጺ ስእሊ, ዕዳጋ ተፈጥራዊ ዕጣን ቁናምኒ (ቁፍቋፍ) ኣብ ዕዳጋ ዓዲሓቂ
እዛ ቅርሺ ጥዕያቲ ድያ ስናዕ
መግለጺ ስእሊ, እዛ ቅርሺ ጥዕያቲ ድያ ስናዕ
ጠለ በጊዕ ብብዝሒ ኣብ ዕዳጋታት መቐለ ይርኣያ። ኣብዚ ዕለት ዋጋ ድዑል 15  ሽሕ ብር: ማጉላ 12 ሽሕ ብር: ወጠጦ 7 ሽሕ: ምክት 10,000 ሽሕ: ኣርሒዶ 5 ሽሕ ውዒሉ
መግለጺ ስእሊ, ጠለ-በጊዕ ብብዝሒ ኣብ ዕዳጋታት መቐለ ይርኣያ። ኣብዚ ዕለት ዋጋ ድዑል 15 ሽሕ ብር: ማጉላ 12 ሽሕ ብር: ወጠጦ 7 ሽሕ: ምክት 10,000 ሽሕ: ኣርሒዶ 5 ሽሕ ውዒሉ
ሸዊት መሸላባሕሪ ተመሪቁሑን ተጠቢሱን ስድራ ዝዕንግለሉ ግዜ ኣኺሉ
መግለጺ ስእሊ, ሸዊት ባሕሪ ተመሪቁሑን ተጠቢሱን ስድራ ዝዕንግለሉ ግዜ ኣኺሉ
ኣብ ግዜ ኣውደኣመት ዕምበባ መሸላ:ቸኮሌት: ከረሜላን ብሽኩቲን ኣብ ቁርሲ ቡን ይቕረብ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ግዜ ኣውደኣመት ዕምበባ መሸላ:ቸኮሌት: ከረሜላን ብሽኩቲን ኣብ ቁርሲ ቡን ይቕረብ