መቐለ: ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮውሃንስን ብስእሊ

Published

ኢትዮጵያውያን፡ ካብ ህዝቢ ዓለም ንድሕሪት ሸውዓተ ዓመት ተፈልዮም'ዮም ሓድሽ ዓመት ዝቕበሉ።

እዚ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ'ውን እናተባህለ ዝበዓል ዘመን መለወጢ፡ ኣብታ ሃገር ሓደ መስከረም ተባሂሉ ሓድሽ ዓውደ ኣዋርሕ (ካላንደር) ዝልወጠሉ መዓልቲ'ዩ።

ዓውደ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ፡ ነፍሲ ወከፍ 30 መዓልታት ዝሓዛ 12 ኣዋርሕን ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ መዓልታት እተቑጽር መበል 13 ወርሒን ዝሓዘ እዩ።

እዛ ወርሒ ጳጉሜን ተባሂላ እትጽዋዕ ሓጻር ወርሒ፡ እታ ሃገር ዝተፈለየ ኣቋጻጽራ ኣዋርሕ ክህልዋ ገይራ እያ።

ገለ ጽሑፋት 'ጳጉሜን' ናይ ግሪኽ ቃል ኰይኑ፡ 'ዓመት ክጽብጸብ እንከሎ ዝተረስዓ መዓልታት' ማለት ምዃኑ ይገልጹ።

ከም ኣቆጻጽራ ዓውደ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ዓመት 365 መዓልታት፣ ሽዱሽተ ሰዓታት፣ ክልተ ደቒቕን 42 ካልኢታትን ኣለዎ።

በብኣርባዕተ ዓመት ክኣ እዘን ሽዱሽተ ሰዓታት ናብ 24 ሰዓታት ተደሚረን ሻድሸይቲ መዓልቲ እቲ ዓመት ይዀና።

ኣብ 600 ዓመት ሓደ ግዜ ክኣ፡ እተን ክልተ ደቒቕን 42 ካልኢታትን ሓደ ሙሉእ መዓልቲ ኰይነን ሻብዐይቲ መዓልቲ ይፈጥራ።

ዓመት በዓላት፡ መስዋእቲ ዝዀና ጠለ-በጊዕ፣ ምስ ስነ ስርዓት ቡን ዝቐርቡ ፍረምረን ጥዑማት መግብታትን ተማሊኦም፡ ምስ ስድራ፣ መሓዛን ጐረባብትን የኽበሩ።

ከም ውጽኢቱ ብፍላይ ኣብ ድሮ በዓላት፡ ዕዳጋታት፣ ድኳናት ብብዝሒ ሰባት ተጨናኒቘም ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኲናት ዝጸንሐት ትግራይ፡ ካብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ጀሚሩ መብዛሕትአን ከተማታት ኣንጻራዊ ሰላምን ርግኣትን ተራእዩወን ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ዓመት ድማ፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ብልዑል ብሩህ ተስፋ መጻኢ ዝኽበር ዘሎ ፈላማይ ዘመን መለወጢ እዩ።