ድሕሪ 40 ዓመታት ብሳላ ፖድካስት ዝተቓልዐ ገበን ቅትለት

ሀድሊ ቶማስ ዝሰርሖም ፖድካስት ገበን ኣብ ምቅላዕ ሓጊዞም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሀድሊ ቶማስ ዝሰርሖም ፖድካስት ገበን ኣብ ምቅላዕ ሓጊዞም እዮም
Published

ኣብ ሲድኒ ትነብር ዝነበረት ሊነት ዳውሰን፡ ቅድሚ 40 ዓመት፡ ኣብ ጥሪ 1982 ካብ ገዛኣ ክትጠፍእ እንከላ ጓል 33 ዓመትን ኣደ ክልተ ኣዋልድ እያ ነይራ። ፖሊስ ግን ኣሰራ ክረክብ ኣይከኣለን።

በዓል ቤታ ክሪስ ዳውሰን፡ ሊነት ኣብ ጥሪ 1982 ተሌፎን ደዊላ፡ ትሓስበሉ ናይ ጽምዋ እዋን ከምዘድልያ ከምዝገለጸትሉ ይዛረብ። ብድሕሪኡ'ውን ደጋጊማ ከምዝደወለትሉ ይሕብር።

ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተማጐቱሉ ጕጅለ ጠበቓታት፡ ሊነት ዳውሰን ድሕሪ ምጥፍኣ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝረኣይዋ ብምግላጽ፡ ካብ ጥሪ 1982 ንደሓር ብህይወት ዝነበረትሉ ተኽእሎ ክህሉ ከምዝኽእል ዘርኢ መርትዖ እዩ ኢሎም።

ሊነት ዳውሰን ካብ እትጠፍእ ኣትሒዙ ፈተውታን ቤተሰባን ደሃያ ኣይረኸቡን።

ክልተ ዝተፈላለዩ መርመራታት ግን ብ"ዝፍለጥ ሰብ" ከምዝተቐትለት ደምዲሞም።

ድሕሪ 40 ዓመታት፡ ኣብ መወዳእታ ሊነት ዳውሰን ዝጠፍኣትሉ ምስጢር ተፈቲሑ።

ሬሳ ሊነት ዳውሰን ክሳብ ሕጂ ኣይተረኸበን

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED

መግለጺ ስእሊ, ሬሳ ሊነት ዳውሰን ክሳብ ሕጂ ኣይተረኸበን

ምስጢር ዘቃልዐ ጋዜጠኛ

ጋዜጠኛ ሄድሊ ቶማስ ብዛዕባ ሊነት ዳውሰን ቅድሚ 21 ዓመት'ዩ ክሓትት ጀሚሩ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ እታ ኣብ 1982 ብዘይ ኣሰር ዝጠፍአት ኣደ ዝሰምዑ ውሑዳት ነይሮም።

ቶማስ ጉዳያ ምክትታል ምስ ጀመረ ግን፡ ብዛዕባ ዅሉ ክፈልጥ ጀሚሩ። እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ በዓል ቤታ ክሪስ ዳውሰን ብቕትለታ ምስ ተፈርደ፡ ጕዳይ ሊነት መኸተምታ ረኺቡ።

ጕዳያ ምክትታል ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ቶማስ፡ ዕሽነትን "ዘይፍትሓውን" ብዝመስል ዛንታ ሊነት ዳውሰን ከምዝተገረመ ይገልጽ።

"ንኣዋልድ ደቃ ውፍይቲ ዝነበረት መንእሰይ ኣደ፡ ብዛዕባ ደቃ ከምዘይትግደስ፡ በቃ ራሕሪሓተን ከምዝጠፍአት ሰበይቲ ተገይራ ክትርአ እንከላ፡ በዓል ቤታ ግን ምስ ሓንቲ ፍርቂ ዕድመ በዓልቲ ቤቱ ዝዀነት ተመሃሪት ዘይተለምደ ዝምድና ጀማሚሩ ነይሩ" ይብል።

ቶማስ ዘልዕሎም ሕቶታት እናዓሞቝ ክኸዱ እንከለው ግን ምድንጋሩ ብኡ መጠን እናዓበ ይኸይዱ።

ሊነት ዳውሰን ውሑዳት ክዳውንቲ ጥራይ ሒዛ እያ ከይዳ። ሳንጣ፡ መመላኽዒ፡ ዋላ’ውን መዝገብ ኣድራሻታት ከይሓዘት እያ ከይዳ።

ስራሕ’ውን ኣይነበራን፣ መኪና የብላን፣ ምናልባት ገንዘብ እንተሒዛ'ውን ውሑድ'ዩ ነይሩ ዝኸውን።

ብድሕሪኡ ብዘይካ ምስቲ ዝጠለማን ዘዋረዳ በዓል ቤታ ምስ ካልእ ሰብ ከምዘይተራኸበት ይንገር።

"እዚ ፍጹም መስሓቕ'ዩ" ይብል ቶማስ። “ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰባት እዚ ክርድኦም እዩ።”

ንሱ ከምዝበሎ፡ ሊነት ምስ ጠፍአት፡ ድሕሪ 40 ዓመታት፡ ሓደ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ተረዲእዎ።

ሬሳኣ ፈጺሙ ኣይተረኽበን። እቲ ምሉእ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ኵነታዊ መርትዖ ዝተመርኮሰ እዩ።

እቲ ፖድካስት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቶማስ፡ ዋላ'ኳ ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ ጉዳይ ሚስስ ዳውሰን ኣብ 2001 እንተፈለጠ፡ ንልዕሊ 15 ዓመት ብዕቱብ ክሓትት ኣይጀመረን ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ክልተ መርመራታት ቅትለት፡ "ሓደ ዝፍለጥ ሰብ" ብቕትለታ ክኽሰስ ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም። ኣኽበርቲ ሕጊ ግን እዅል መርትዖ ከምዘየለ ብምግላጽ ነጺጐምዎ።

ቶማስ፡ ኣዕሩኽ ስድራቤትን ጐረባብትን ሊነት ዳውሰን፡ ከምኡ'ውን ምስታ ብሕጋዊ ምኽንያት ጄሲ ብዝብል ትጽዋዕ ኣፍቃሪቱን ደሓር ካልኣይቲ በዓልቲ ቤት ዳውሰን ዝዀነትን ከዘራርብ ጀሚሩ።

ብተወሳኺ ምስ ኮሚሽነር ፖሊስ እታ ግዝኣትን ምስ ኣብቲ መርመራ ዝተሳተፉ ላዕለዎት ፖሊስ፡ ከምኡ'ውን ምስ ሓደ ካብቶም መርመራታት ዝመርሐ መርማሪ ሬሳ ዘይተለምደ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ።

‘ዘ ኣውስትራልያን - ዘ ቲቸርስፔት’ ንዝበሃል መደብ ዝሰርሖም ተኸታተልቲ ፖድካስት (ኣብ ኢንተርነት ዝቐርብ ዲጂታዊ ፋይል ድምጺ) ብዛዕባ ዳውሰን ዝነበሮ ርክብ ፍቕሪ ዝትንክፉን እዮም። እቲ ፖድካስት፡ ዳውሰን፡ ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ኣካላዊ ዓመጽ ከምዝፈጸመ ዝገልጽን ንበዓልቲ ቤቱ ዝቐትል ሰብ ክቘጽር ሓሲቡ ከምዝነበረ ዝገልጹ ክስታትን ዝትንክፍ እዩ።

ከምኡ’ውን ዳውሰን ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቓል ዝነበረ ዘይምስምማዕ ዘመልክት፡ ከምቀታሊ ዝገልጽን፡ ሬሳ በዓልቲ ቤቱ ብኸመይ ኣልይዎ ክኸውን ከምዝኽእልን ዝገልጽ ግምታት ዘጠቓልል እዩ።

እቲ ፖድካስት ኣብ መፋርቕ 2018 ምስ ተፈነወ ዓቢይ ዓወት ረኺቡ።

እቲ ተኸታታሊ ፖድካስት፡ ዝለዓለ ክብሪ ጋዜጠኝነት ኣውስትራልያ ዝተሸለመ፡ ልዕሊ 60 ሚልዮን ግዜ ሰባት ካብ ኢንተርነት ዘውረድዎን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርዝር በሉጻት ሙዚቃታት ዝተሰርዐን እዩ።

እቲ ፖድካስት ምስ ተፈነወ ድማ ዳውሰን ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ተኸሲሱ።

ሓው ሊነት ዳውሰን፡ ግሬግ ስምስን ብዓልቲ ቤቱ ሜሪሊንን እቲ መርመራ ከም እንደገና ክጅመር ተቓሊሶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓው ሊነት ዳውሰን፡ ግሬግ ስምስን በዓልቲ ቤቱ ሜሪሊንን እቲ መርመራ ከም እንደገና ክጅመር ተቓሊሶም

ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ንዓመታት ክከታተሎ ጸኒሑ፣ ፍረ ግን ኣይረኸበን። ብዙሓት ሰባት ድማ እቲ ፖድካስት ኣብ መወዳእታ ንሊነት ዳውሰን ገለ ተስፋ ፍትሒ ከም ዘረጋግጸላ ገሚቶም።

ድሕሪ እቲ ብሰሉስ ዝተዋህበ ውሳነ፡ ሓዋ ግሬግ ሲምስ ንሚስተር ቶማስ ስም ሓፍቱ ንምጽራይ ስለዝሓገዘ ኣመስጊኑ።

"ስድራኣ ትፈቱ ነይራ፡ ብፍቓዳ ገዲፋቶም ኣይትፈልጥን። የግዳስ እምነታ በቲ ትፈትዎ ሰብኣይ ተጠሊሙ'ዩ፡" ይብል።

እቲ ፖድካስት ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዳውሰን ዝነበረ ገበናዊ መስርሕ እውን ብስግንጢራዊ መገዲ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ነይሩ እዩ።

እቲ ፍርዲ

ጠበቓታት ዳውሰን ክሳብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ኽሲ ንኽንጸግ ተማጒቶም። እቲ ፖድካስት ፍትሓዊ ፍርዲ ንኸይረክብ ዝገብር ከምዝዀነ ገሊጾም።

ኣብያተ ፍርዲ፡ እቲ ፖድካስት ብሓቂ ብሓያሎ ምኽንያታት ጸገም ከምዝህልዎ ተረዲኦም ይብል ፕሮፌሰር ቤት ትምህርቲ ሕጊ ሜልቦርን ጀረሚጋንስ።

ቀዳማይ፡ እቲ ፖድካስት ኣብ ፍርዲ ቅትለት ከም መርትዖ ክቐርቡ ዘይፍቀድ ትሕዝቶታትን ግምታትን ዝፈነወ እዩ።

እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ፖድካስት ዝነበረ ዕላውነት፡ ኣብቶም ክመጹ ዝኽእሉ መጋባእያታት ምዝባዕ ክፈጥርን መሰኻኽር ክጋገዩን ክገብር ይኽእል እዩ፡ ዝብል ስክፍታ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጐ ቶማስን ፖሊስን ዝነበረ ምሕዝነታዊ ምትሕብባር ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዓቃቢ ሕጊ ጽልዋ ኣሕዲሩ ከይከውን ዝብል ስክፍታታት ኣስዒቡ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ዳኛ ሃሪሰን ብሰሉስ ቶማስ ኣብቲ ዛንታ ዝነበሮ ኣቀራርባ፡ "ሚዛናዊ ዘይኮነ" ኢልዎ ነይሩ።

"ደያኑ ሄድሊ፡ ቶማስ ሪፖርተር ጥራይ ኣይኮነን ዝብል ኣረኣእያ ሒዞም... ንዅሉ ሰብ እንተላይ ኣኽበርቲ ሕጊ ብዛዕባ ገበን ክሪስ ዳውሰን ከእምን ኣዝዩ ድሌት ኣለዎ" ይብል ፕሮፌሰር ጋንስ።

"ሓያሎ ሰባት በቃ ንዕድል ንጽህና ከምዘይግደስ ገሊጾም፣ ስነ-ምግባሩን ካልኦት ነገራትን ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ።"

ክሪስ ዳውሰን ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ክሪስ ዳውሰን ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን

ቶማስ ንገለ ካብቲ ነቐፌታ ዘይፍትሓዊ ክብል ገሊጽዎ። እንተዀነ፡ ብመሰረት ምኽሪ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ቅድሚ እቲ ፍርዲ ነቲ ፖድካስት ካብ ኢንተርነት ኣልይዎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣብ ዙርያ እቲ ጉዳይ ዝነበረ ግምታት ንኽሃስስ ብምሕሳብ ነቲ ፍርዲ ኣደናጕይዎ። መስርሕ ፍርዲ ዳውሰን፡ እቶም መጋባእያታት ኣብ ዘይሃለውሉ ኣብ ቅድሚ ሓደ ዳኛ ጥራይ ክቐርብ ተፈቒዱሉ።

እዞም ክልተ ውጽኢታት ምቹኣት ከምዘይነበሩ ፕሮፌሰር ጋንስ ይገልጽ።

ብሰንኪ'ቲ ምድንጓይ ፍርዲ - ምንዋሕ ግዜ፡ መሰኻኽር ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት ሞይቶም እዮም።

ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚ ሓደ ዳኛ ጥራይ ዝቐርብ ፍርዲ ገበነኛ ተባሂሉ ንኽፍረዶ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት እዩ። ዳያኑ፡ ዘይከም መጋባእያታት ምኽንያቶም ከረድኡን ኣብቲ ርትዓዊ ጥርጣረ ዝፈጥር ዝያዳ ጽኑዕ ትርጕም ክህልዎምን ተኽእሎታት አሎ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዳኛ ሃሪሰን ንመብዛሕትኡ እቲ ፖድካስት ዘቃልዖ ሓድሽ ሓበሬታ ዕሽሽ ኢሉዎ።

ውሳነ 'ንምእማኑ ዘጸግም እፎይታ' እዩ

ኣብቲ "ብሉጽ ተርእዮታት"፡ ሓቀኛታት ተኸታተልቲ ዛንታታት ገበን፡ ኣጸጋሚ ገበናት ፈቲሖም፣ ብጌጋ ዝተኣስሩ ሰባት ነጻ ኣውጺኦም፣ ብመርመርትን ኣኽበርቲ ሕግን ንዝፍጸም ግጕይ ተግባር ኣቃሊዖም እዮም ይብል ፕሮፌሰር ጋንስ።

እዚ ብሰሉስ ክዕወት ምርኣይ "ንምእማኑ ዘጸግም እፎይታ" እዩ ነይሩ ይብል።

"ኣብ መወዳእታ ክሪስ ዳውሰን ገበነኛ ምዃኑ ምስ ተኣወጀ፡ ሓያል ህሞት እዩ ነይሩ።"

"ብውሑዱ ን40 ዓመታት ውዲትን ምትላልን ክገብርን ክሕሱን ጸኒሑ'ዩ። ስለዚ ብግቡእ ክቕጻዕ ተስፋ እገብር።"