ተማሃሮ ንሓድሕዶም ከይቀዳድሑ ዝወደይዎ መከላኸሊ የዘራርብ

ምንጪ ስእሊ, MARY JOY
ፊሊፒናውያን ተማሃሮ ኣብ እዋን ፈተና ንሓድሕዶም ከይቀዳድሑ ዝተፈላለየ ነገራት ኣብ ርእሶም ገይሮም እንከለው ዘርኢ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ብዙሓት ሰባት ኣግርሞት ፈጢሩ።
እቶም ኣብ ፊሊፕንስ ኣብ ላጋዚፕ እትብሃል ከተማ ትርከብ ኮሌጅ ዝምሃሩ ተማሃሮ፡ ኣብ እዋን ፈተና ኣብ ኣራእሶም ንየማን ንጸጋም ከርእዮም ዘይክእል ዝተፈላለየ ነገራት ገይሮም እንከለዉ’ዮም ዝርኣዩ።
እቶም ተማሃሮ መከላኸሊ ክገብሩ ትእዛዝ ምስ ተውሃቦም፡ ኣብ ከባቢኦም ብዝረኸብዎ ጣውላ፡ ባኮ መትሓዚ እንቋቖሖን ካልእን ብምግባር እዮም ተጣቢቦም ሰሪሖም።
መምህሮም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ኣብ እዋን ፈተና ቅንዕና ከምዝህሉ ንኸተረጋገጽ “ኣዘናጋዒ” መገዲ ትሓስብ ምንባራ’ያ ገሊጻ።
እታ ፕሮፌሰር ሜሪ ጆይ ማንደኒ ኦርቲዝ ዝተብሃለት መምህር ናይቶም መካኒካዊ ምህንድስና ዝፍተኑ ዝነበሩ ተማሃሮ “እቲ ዝሓሰብክዎ ተማሃሮ ቀልጢፎም ስለዘተግበርዎ ኣዝዩ ውጽኢታዊ’ዩ ነይሩ” ኢላ።
እቲ ኣገባብ ተማሃሮ እቲ ኮሌጅ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ወርሒ ጥቅምቲ ፈተና ናይ ርብዒ ሰሚስተር እናተፈተኑ እንከለዉ’ዩ ተፈቲኑ።

ምንጪ ስእሊ, MARY JOY
ፕሮፌሰር ማንደኒ ኦርቲዝ፡ ኣብ መጀመርታ፡ እቶም ተማሃሮ፡ ካብ ዝተፈላለየ ወርቓቅቲ ተጠቒሞም ነቲ መከላኸሊ ምቕድዳሕ ክሰርሕዎ’ያ ትእዛዝ ሂባቶም ነይራ።
እታ ፕሮፌሰር፡ እቶም ተማሃሮኣ ንትእዛዛ ብጽቡቕ ተቐቢሎም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቓይቕ ገሊኦም ቖብዕ፡ ገሊኦም ‘ሀልመት’ ገሊኦም ኣዝዩ ዘገርም ነገራት ሒዞም ከምዝመጽኡ ኸኣ ነቲ ኩነታት ብስሓቕ ትገልጾ።

ምንጪ ስእሊ, MARY JOY
እታ ፕሮፌሰር ኣሳእል ተማሃሮኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሓ፡ ኣሽሓት ሰባት ክቐባበልሉን ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ፊሊፒንስ ክስሕብ ክኢሉ።
ብዘይካ እዚ እታ መምህር ንዝተጠቐመትሉ ሜላ፡ ካልኦት ኮሌጃት እታ ሃገር’ውን ምቕድዳሕ ተማሃሮ ንምግታእ ከተኣታትዋኦ ምዃነን ክገልጻ ተሰሚዐን።
ፕሮፌሰር ማንዳነ ኦርቲዝ፡ ተማሃሮኣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝሓሸ ውጽኢት ከምዘመዝገቡን ምቅድዳሕ ከምዘይህሉ ምፍላጦም ዝያዳ ከጽንዑ ከምዝቐሰቦምን ትገልጽ።
ኣብ እዋን ፈተና፡ ዝብዝሑ ተማሃሮ ቀልጢፎም ከምዝወድኡ ብምግላጽ፡ ዝኾነ ተማሃራይ ክቀድሕ ከምዘይተረኸበ ሓቢራ።

ምንጪ ስእሊ, MARY JOY






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
