'በቃ ይኣክል! እቲ ፕረዚደንት ጠሊሙና እዩ'

ተቓውሞ ካብ ዘስምዑ መናእሰይ ሓደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኬንያ፡ ኣንጻር ናህሪ ዋጋ መነባብሮን ወሰኽ ግብሪን ናብ ናዕቢ ዝተቐየሩ ተቓውሞታት ተተኣናግድ ኣላ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብውሕዱ 24 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም፡ ሕጂ ድማ ከቢድ ተቓውሞታት ይለዓዓል ኣሎ።

ጀምስ ዋይናይና ዝተባህለ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝነብር መራሒ መኪና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ነቲ ንነብሱ ‘ንተራ ሰባት ዝቃለስ’ ኢሉ ዝገልጽ ዝነበረ፡ ዊልያም ሩቶ ድምጹ ሂቡ።

ሕጂ ግን ሚስተር ዋይናይና ዝተጠልመ ኮይኑ ይስምዖን ነቲ ተቓውሞታት ይድግፍን ኣሎ።

ፕረዚደንት ሩቶ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣቝሑት ኣዝዩ ወሲኹ፤ ኣብ ርእሲኡ መንግስቲ ግብሪ ወሲኹ ኣሎ።

ሚስተር ሩቶ፡ እቲ ወሰኻት፡ ንምኽፋል ዕዳታት፡ ስራሕ ንምፍጣርን ፕሮጀክትታት ንምምዋልን ከምዘድሊ ይዛረብ።

እንተዀነ፡ እቲ ወሰኽ ግብሪ ንህይወት እቶም ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ኬንያውያን ዝያዳ ኣጸጋሚ ገይርዎ ኣሎ።

ጓል ሚስተር ዋይናይና ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ ኰይና፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሰለስተ ሰሙን ኣብ ገዛ ኮፍ ኢላ ኣላ።

ምኽንያቱ ንሱ 14 ሽሕ ሽልን [100 ዶላር] ክፍሊት ትምህርቲ ክኸፍለላ ስለዘይከኣለ።

ሚስተር ዋይናይና፡ ብሰንኪ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ፡ ስርሓት ንግዱ ከምዝነከየ ይዛረብ።

ተጠቀምቲ ዓማዊላት ኣይረክብን ዘሎ፡ ሕጂ መኪናኡ ኣብ ጽርግያ ደው ኢላ ውዒላ፡ ገዛ ትኣቱ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 4 ሽሕ ሽልን ይረክብ ከምዝነበረን፡ እዚ ድማ ንመሰረታዊ ድሌታቱ፡ እንተላይ ክፍሊት ቤት ትምህርቲ ንምሽፋን እኹል ምንባሩ ይዛረብ።

ሕጂ ድሕሪ ወጻኢታት 500 ሽልን ጥራይ ሒዙ ናብ ገዛኡ ከምዝኣቱ ሓዘን እናተሰመዖ ይዛረብ።

"እዚ ድማ ንጽባሒቱ ነታ መኪና ነዳዲ ንምምላእ’ኳ እኹል ኣይኮነን።”

“ኣዝዩ ከቢድ እዩ ንዓና” ብምባል፡ መንግስቲ ብፍላይ ንናእሽቱ ትካላት ንግዲ ጽቡቕ ከምዘይገበረ ይዛረብ።

"ነገራት ዝሓሹ ኣይመስሉን፡ [ፕረዚደንት] ሓሲዩና እዩ፣ ንጭቆን ኣለና፣ ነገራት ይኸብዱ ኣለዉ። ዋጋ ነዳዲ ምስ ዝውስኽ፡ ካልእ ኵሉ እዩ ዋጋኡ ዝውስኽ፤ ዋላ ዋጋ መብራህቲ። ነገራት እናገደዱ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ።"

እቶም ክሳብ ሕጂ ንመንግስቲ ሩቶ ዝድግፉ ዝነበሩ ከይተረፉ፡ ተቓውሞታት ይገልጹ ከምዘለዉ፡ ሓደ ቲፋ ብዝተበሃለ ትካል ዝተሰርሐ ዳህሳስ ይሕብር።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 56% ኬንያውያን እታ ሃገር ናብ ዘይቅኑዕ ሓዲድ ተምርሕ ኣላ ኢሎም ይኣምኑ።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ መጋቢት ዝነበረ 48% ልዕል ዝበለ ቍጽሪ እዩ።

እቲ ትካል፡ እዚ ዘይዕግበት ነቲ ዝግበር ዘሎ ተቓውሞታት ይድርኾ ከምዘሎ ይግምት።

መረዳእታ መንግስቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ክሳብ ሰነ፡ ዋጋታት ገለ ኣገደስቲ ፍርያት መግቢ ኣዝዩ ከምዝወሰኸ እዩ ዘርኢ።

እቶም ቀንዲ ምንጪ መግቢ ዝዀኑ ፍርያት፡ ዕፉን፡ እኽልን ሓርጭን - ክሳብ 30 ሚእታዊት፡ ሩዝን ድንሽን ብኣስታት 20 ሚእታዊት፣ ሽኮር ድማ ኣስታት 60 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝተኻየዱ ተቓውሞታት ብውሕዱ 24 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP

'በቃ ይኣክል'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብቲ ብ1 ሓምለ ሕጊ ኰይኑ ዝጸደቐ 'እማመ ፋይናንስ’፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዝኽፈል ተወሳኺ ግብሪ ካብ 8 ሚእታዊት ናብ 16 ሚእታዊት ብዕጽፊ ኣዕብዩ፣ ኣብ መሰረታዊ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ድማ 1.5 ሚእታዊት፡ ኣብ ኣባይቲ ድማ ግብሪ ኣተኣታትዩ። ኣስራሕቲ እውን ክንድኡ መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ የገድድ።

እቲ ኣታዊ ናብ ሓደ ፈንድ ዝውህለል ኰይኑ፡ ነቶም ትሑት መነባበሮ ዘለዎም ሰባት ገዛውቲ ንምህናጽን ስራሕ ንምፍጣርን ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ መሸጣ ዝኽፈል ግብሪ (Turnover Tax) ንንኣሽቱ ትካላት ብሰለስተ ዕጽፊ - ናብ 3 ሚእታዊት ክዓቢ እንከሎ፡ ንልዑል ኣታዊ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ዝኽፈል ግብሪ ኣታዊ ድማ ካብ 30 ሚእታዊት ናብ 35 ሚእታዊት ክብ ክብል ተገይሩ።

እዚ ሓድሽ ዝተነብረ ግብሪ - ሕጂ ብቤት ፍርዲ ንግዚኡ ተኣጊዱ’ኳ እንተሎ - መንግስቲ ብሰንኪ ልዑል ዕዳ እታ ሃገር ኣድላይነቱ ይምጕት።

እቲ ዝሓለፈ ምምሕዳር፡ ንተራ ኬንያዊ ዘይሕግዙ ዝበሎም ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ገዚፍ ገንዘብ ብምውጻእ፡ ዕዳ እታ ሃገር ብሰፊሑ ከምዝወሰኸ ይኸስስ።

ሚስተር ሩቶ ኣብቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ከም ምክትል ፕረዚደንት ዘገልገለ ኰይኑ፡ ምስ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብዘይምስናዩ ግን ንርእሱ ኣግሊሉ ነይሩ እዩ።

ንሱን ሰበስልጣን መንግስትን፡ ነቲ ውዝፍ ዕዳ ምኽፋል ንመጻኢ እታ ሃገር ናይ ሓጺር ግዜ "መስዋእቲ" ምዃኑ ንኬንያውያን ይዛረቡ ኣለዉ።

ሚስተር ዋይናይና ግን ነዚ ኣበሃህላ ኣይቅበሎን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኪያምቡ - ጥቓ ናይሮቢ ዝነብር ኤድዊን ሲሚዩ ዝተበሃል ኣብ ‘ቦዳ ቦዳ’ (ሞተር ሳይክል ታክሲ) ዝሰርሕ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ምድማጹ የጣዕሶ።

"[እቲ ፕረዚደንት] ‘ሓደ ዓመት ሃቡኒ፡ ኣወንታዊ ለውጢ ክንርኢ ኢና’ ኢሉ። ሕጂ ቅኒት ቀይሩ፡ 'ነገራት ቅድሚ ምዕራዮም፡ ንዓመታት ክንጽበ ኣለና’ ይብል። ንሳቐ ኣለና። ፍጹም ተጠሊምና፡ ተረሲዕና ኣለና" ይብል።

ቻርለስ ካይንዶ ኣብታ ከተማ ክዳውንቲ ሓራጅ ኣብ ጽርግያ እናሸጠ ኣበርቲዑ ይሰርሕ።

መንግስቲ መብጽዓኡ ምፍራሱ፡ ዘሕዝን ምዃኑ እቲ ሰራሕተኛ ንቢቢሲ ይዛረብ።

"ሰባት 'በቃ ይኣክል!' ዝብሉሉ እዋን ክመጽእ እዩ" ይብል።

ጻዕራማት ሰባት ናብ ገበን ክኣትዉን ካልኦት ድማ "እቲ ስቓይ ምስ በዝሐ ንነብሶም ከጥፍኡ ከምዝኽእሉን" ይገልጽ።

ቻርለስ ካይንዶ መንግስቲ መብጽዓታቱ ኣፍሪሱ ይብል

'ብሓደ ለይቲ ዝፍጸም ነገር ኣይኮነን'

ምውሳኽ ግብሪ ሕማቕ ነገር እዩ ኢሉ ዝሓስብ ግን ኵሉ ሰብ ኣይኰነን።

ኣብ ውልቃዊ ትካል ኣካውንታንት ኰይና እተስርሕ ጄን ንጀሪ፡ መንግስቲ - ኬንያ ዘለዎ ገዚፍ ዕዳ ንምኽፋል ገንዘብ ከምዘድልዮ ትዛረብ።

‘ሽልን’ ኬንያ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣንጻር ዶላር ኣመሪካ ክምዘን እንከሎ፡ ብቐጻሊ እናደኸመ ብምምጽኡ፡ ወጻኢታት ምምላስ ዕዳ ድማ ዝያዳ ኣጋዲድዎ።

"ብሓደ ለይቲ ዝፍጸም ነገር ኣይኮነን። ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኢና ዘለና፤ ዋጋ ሽልን እናነከየ፡ ዕዳን ሽቕለት ኣልቦነትን እናወሰኸ ስለዝመጽአ" ትብል።

ኣብ ትካል ምኽሪ ንግዲ መንቶርያ ኢኮኖሚክስ ዋና ስነ-ቑጠባ - ኬን ጊቺንጋ፡ ኣብ ኬንያ ዝርአ ዘሎ ጸገም፡ ኣብ መንጐ እቲ ኣብ እዋን ጎስጓስ ዝተኣትወ መጽባዓ ዋጋ መነባብሮ ምቅላል ዝምልከት ተረኽን፡ ሕዚ ኣብ መዓልታዊ ኣቑሑት 'ግብሪ ዝውስኸሉ እንርእየሉ ዘለና ክውንነትን’ ዝፍጠር ግጭት እዩ” ይብል ፣ ።

መንግስቲ ኣክንዲ ኣብ ዋጋ መነባብሮ ዝውስኽ ግብሪ ዘተኮር፡ ዕብየት ብሕታዊ ጽላት ንምንቕቓሕ ዝያዳ ክሰርሕ ከምዝነበሮ ይዛረብ።

ንሱ፡ እቶም ሓደሽቲ መንግስታዊ ፕሮጀክትታት ኣባይቲ -በቲ ሓድሽ ቀረጽ ከም ዝምወሉ፡ እዚ ድማ ነቲ ጸገም ኣባይቲ ይዅን ሽቕለት ኣልቦነት ክፈትሖ ተኽእሎ ከምዘየለ ይገልጽ።

"ወለድ ምጉዳል፡ ምጉዳል ግብሪ፡ ከምኡ'ውን ፍትሕ ዝበለ ቍጽጽር- እዞም ሰለስተ ይግበር እሞ፡ እቲ ቍጠባ ስራሕ ክፈጥር ይኽእል፡ ናጻ ዕዳጋ ይሰርሕ።"

ይዅን እምበር፡ ተንታኒ ቍጠባ ኦድያምቦ ራሞጊ፡ ዕላማ እቲ ፕረዚደንት ቅኑዕ ምዃኑ ርግጸኛ ዀይኑ ይዛረብ - ዋላ'ኳ እቲ ኣገባባት "ጌጋ" ምዃኑ እንተ'ኣመነ።

መንግስቲ ንተራ ኬንያውያን ዝያዳ ክኸፍሉ ቅድሚ ምሕታቱ መጀመርያ ብኽነት ደው ከብል ኣለዎ ይብል።

መንግስቲ ነዚ ወቐሳ ይቕበሎ እዩ።

ዋና ኣማኻሪ ቁጠባ ዴቪድ ንዲ፡ መንግስታዊ "ብኽነት" ከምዝነበረ ኣብ ትዊተር ኣሚኑ።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ባጀት ባይቶ ንዲንዲ ንዮሮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ዝሓንጸጾ ትልሚ ግብሪ፡ ዝያዳ ብምልቃሕ ዝዓበየ ውዙፍ ዕዳ ከይፈጥር ንምርግጋጽ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ትዅረት፡ ኬንያውያን ተረባሕትን እቲ ሃገራዊ ቁጠባ ንምርግጋጽ ኣብ ምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

ብዙሓት ኬንያውያን ግን እዚ ዝሰርሕ ዘሎ ኣይመስሎምን፤ ቁጠዐኦም ንምግላጽ ናብ ጎደናታት የምርሑ ኣለዉ።