መናጽሂ ጽግያት ንምፍታሽ፡ ሰራሕተኛታት ዕርቃነን ዘውጽኡ ሓለፍቲ ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ሓደ ፋብሪካ፡ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ዘላ ንምፍላጥ፡ ሰራሕኛታት ዕርቃነን ክወጻ ዝገበሩ ሰለስተ ሰባት ተኣሲሮም።
ሓደ ሓላፊ እቲ ትካል ከምዝገለጾ፡ ኣካያዲት ስራሕ ናይቲ ብራውንስ ዝተባህለ ፋብሪካ መቀናበሪ ምግቢ፡ መናጽሂ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዘይቦታኡ ዝደርበየት መን ከምዝዀነት ንምፍላጥ ንደቂ ኣንስትዮ ሰራሐተኛታት ኣኪባተን።
እታ ዝደርበየት ክትዛረብ ብዘይ ምኽኣላ ድማ ጥራይ ዝባነን ክወጻ ገይራ።
እቲ ትካል ነታ ሓላፊት ከምዝሰጎጋን ምጽራይ የካይድ ከምዘሎን ሓቢሩ።
ፖሊስ እታ ነቲ ተግባር ዝተፈጸመላ ከተማ ሊሙሩ ብወገኑ፡ ሰለስተ ሰባት ነውራም ግህስት ብምፍጻም ክሲ ከምዝቐረበሎም ገሊጹ፡፡
ተወካሊት ህዝቢ እቲ ከባቢ ሰናተር ግሎርያ ኦርዮባ፡ ብዛዕባ እቲ ብሰኑይ ዘጋጠመ ተግባር "ዝርብሽ ደወል ስልኪ" ከምዝበጽሓ ትዛረብ፡፡
እታ ሓላፊት "ኣብ ሓደ መቐመጢ ጉሓፍ ሰብ ዝተጠቐመሉ መናጽሂ ጨርቂ ረኺባ፤ እቲ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እቲ መቐመጢ ጉሓፍ መናጽሂ ዝድርበየሉ ኣይኮነን" ትብል።
እታ ምስ ወርሓዊ ጽግያት ተተሓሒዙ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀነ ሕፍረት ከይስመዐን እትጉስጉስ ሰናተር፡ እታ ሓላፊት እተን ስራሕተኛታት ክዛረባ ብዘይ ምኽኣለን፡ ነታ ኣብ ቅነ ወርሓዊ ጽግያት ዘላ ፈቲሻ ንምቕጻዕ ነቲ ተግባር ከምዝፈጸመት ወሲኻ ሓቢራ።
ብተወሳኺ፡ ዋላ'ኳ ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ንምእታው እንተፈተነት እቲ ትካል ግን ነቲ ጉዳይ ምስ ሰራሕተኛታቱ ተዘራሪቡ ክፈትሖ ኣይከኣለን ክትብል ወቒሳ።
እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ በቲ ዝተፈጸመ ተግባር ‘‘ከምዝሓዘነን’’ እቲ ኣጋጣሚ ንጠቕላላ መስርሕ እቲ ትካል ዝገልጽ ከምዘይኰነን ኣፍሊጡ። እቲ ፍጻመ ብናጻ ኣካል ክምርመር የመቻችእ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ፡፡
ድሕሪ ዓሚቝ ምርመራ፡ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ዝሓበረ ፖሊስ ብግደኡ፡ ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ትካላት እውን ተመሳሳሊ ተግባር ከምዝፍጽሙ ሓቢሩ።
ጎስጎስቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ኬንያ ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ወርሓዊ ጽግያት ክሓፍራ ዝገብር ከቢድ ጸገም ኣሎ።
ኣብ ለካቲት፡ ሰናተር ኦርዎባ ኣብ ስረኣ ናይ ደም ንጣብ ስለዝተርኣየ ካብ ፓርላማ ክትወጽእ ተኣዚዛ ነይራ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
