ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቋረጸቶ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትጅምር እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ኣብ ኢትዮጵያ አቋሪጽዎ ዝጸንሐ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ኣብ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቢድ ስርቅን ጉሕለትን ከምዝተፈጸመ ድሕሪ ምርግጋጹ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ሓዊሱ ንተፈናቐልቲ ዝህቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ወሃቢት ቃል ዩኤስኤኣይዲ ጀሲካ ጀኒንግስ ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ ክገብር ዝተሳለጡ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ድርድራትን ፍረ ከምዘፍረዩ ሓቢራ።
“ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ኣዋርሕ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነጥፉ መሓዙትን፡ ሰፋሕትን ኣገደስትን ምትዕርራይ መሓውራት ሰብኣዊ ሓገዝ ክፈጥሩ ዘኽኣሉ ወሰንቲ ዲፕሎማስያዊ ዘተታትን ድርድራትን ኣከይዱ።”
እቶም ምትዕርራያት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቶም ዘድልዮም ምብጽሑ ንምርግጋጽ ዘኽእል እኹል ከይዲ ቁጽጽርን ምምራጽን ተሓገዝትን ክህሉ ከምዝሕግዝ ዝገለጸት እታ ወሃቢት ቃል “ከም ውጽኢቱ ድማ ዩኤስኤኣይዲ ካብ ዝቕጽል ወርሒ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሓገዝ ምግቢ ክጅምር እዩ ኢላ።”
ሰነ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (ዩኤስኤ ኣይዲ - USAID) እቲ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ካብ ኣፍ ተጠቀምቲ እናተመንጠለ ንኻልእ ዕላማ ስለዝውዕል ክቋረጽ ከም ወሰነ ምግላጹ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን "ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክቐርብ ዝነበሮ ናይ መግቢ ሓገዝ ካብቲ ዝተሓሰበ ዕላማ ወጻኢ ብብዝሒን ብዝተዋደደን መንገዲ ናብ ካልእ ዕላማ ብምውዓሉ" ብዝብል ናብ ውሳነ ከምዝበጽሐ እዩ እቲ ትካል ረድኤት ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ውሳነ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ ዝተወሰደ ምዃኑ ምግላጹ እውን ዝዝከር እዩ።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ 02 ሰነ 2015 [ግእዝ] ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ብዙሕ ረድኤት ንኻልእ ዓላማ ብምውዓሉ ነታ ሃገር ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ከምዝቋረጸ ወግዓዊ ገይሩ።
እቶም ውሳነታት ኣብታ ብሰንኪ ድርቅን ኲናትን ኣስታት 20 ሚልዮን ህዝባ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኾኑ ሃገር ድንጋጸ ፈጢሩ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዩኤስኤኣይዲ ግብራዊ ዝገበሮ ውሳነ ምቍራጽ ሰብኣዊ ሓገዝ "ፖለቲካዊ እዩ" ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።
ወሃቢት ቃል ዩኤስኤኣይዲ ጀሲካ ጀኒንግስ፡ እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዝጅመር ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ፈተነ እዋን ከምዝኾነ ብምሕባር እቶም በቲ ትካል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትካላት ረድኤትን ዝተገበሩ ምትዕርራያት ውጽኢታውነቶም ብቐጻሊ ክግምገም እዩ ኢላ።
እቲ ምትዕርራይ ብቀንዱ “ ክትትልን ቁጽጽርን መደባት፣ ክትትል ፍሰት ቀረባትን ምምሕያሽ ከይዲ ብመሓዙት ዩኤስኤኣይዲ ዝካየድ ምዝገባ ተጠቀምትን ዘጠናኽር” ከምዝኾነ እቲ መግለጺ ይሕብር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ “ምስ መሓዙት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘለዉዎ ስራሕቲ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ” ክገብርን ንተቖጻጸርቲ “ዘይተገደበ ተበጻሕነት” ክፈቅድን ከምዝተሰማምዐ እውን እታ ወሃቢት ቃል ገሊጻ።
ኣብታ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ኣስታት 90 ምኢታዊት ነበርታ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝኾኑ ዝግለጽ ትግራይ ምቁራጽ ረድኤት ዝገደደ ቅልውላው ፈጢሩ ጸኒሑ።
ኣብቲ ክልል ንዝተጸገሙ ተባሂሉ ዝመጸ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን መሪሕነት እቲ ክልልን ከምዝተዘረፈ ተገሊጹ እዩ።
ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብቲ ክልል ዘረፋ ከምዝተፈጸመ ምርግጋጹን ስጉምቲ ከምዝወስድን ሓቢሩ ዝነበረ ኮይኑ፡ ዛጊድ ግን ብዛዕባ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ዕላዊ ኣይተገበረን።
ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓገዝ መግቢ ካብ ዝህባ ሃገራት ብቐዳምነት እትስራዕ እያ።
ወሃቢት ቃል ዩኤስኤኣይዲ ጀሲካ ጀኒንስ፡ እቲ ዝተገበረ ምትዕርራይ፡ ኣብታ ብዙሕ ተጸባዪ ሓገዝ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ምግቢ ናብቶም ዝደልይዎ ክበጽሕ ከምዘኽአል ገሊጻ ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
