እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ዑደት የካይድ ኣሎ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ምስ ኣቦመንበር ሉኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ እቲ ቤት ጽሕፈት ብትዊተር ሓቢሩ።
ኣብይ ኣሕመድ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን ናብታ ሃገር ዑደት ከካይድ እዚ ንመጀመሪያ ግዜ ከም ዝኾነ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ብመሰረት መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኢቲቪ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት "ኩሉ መዳያዊ ዝምድና" ንምድልዳል ኣብ ዝሕግዙ መንገድታት ክዛተዩ እዮም።
"ኢትዮጵያ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ፖለቲካዊ ዘተ ሱዳናውያን ከምእትድግፍ" ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓቢሩ'ሎ።
ወተሃደራውን ሲቪላውን ጉጅለታት ሱዳን፡ በቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዘጋጠመ ዕልዋ መንግስቲ ንዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅልውላው መፍትሒ ንኽረክብ ንነዊሕ እዋን ዘተ ከካይዱ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።
ኣገልግሎት ዜና ሱዳን (ሱና) ከምዝበሎ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ኣልዒሎም ተዘራሪቦም ኣለዉ።
"ኣብ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሓባራዊ ናይ ምውህሃድ ኣገባባት ብዛዕባ ዝሕይለሉ መንገዲ" ከምዝተዘራረቡ ሱና ጸብጺቡ።
እቲ ብክልቲኦም ወገናት ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ምስሕሓባት ተዘራሪቦም እንተኾይኖም ብንጹር ኣይገለጸን።
ብሰንኪ ዶባዊ ምስሕሓብ፡ ንግድብ ህዳሰን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናትን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ዝመልኦ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።
እቲ ዶባዊ ምስሕሓብ ናብ ምትፍናንን ወተሃደራዊ ረጽሚን ኣስዒቡ ምንባሩ'ውን ይዝከር።
ኣብ ከባቢ ዶብ ኣልፋሻጋ ዝርከብ ልሙዕ መሬት ሕርሻን ግድብ ህዳሰን ብዝምልከት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ንዓመታት ዝጸንሐ እዩ።
ኣብ ታሕተዋይ ሩባ ናይል ዝርከባ ሱዳንን ግብጽን፡ ኣብ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተቓውሞአን ክገልጻ ምጽንሐን ይዝከር። ኣብ ምምላእ ዕቋራ ማይን ስርሓት እቲ ግድብን ስምምዕ ክግበር እውን ክደፍኣ ጸኒሐን እየን።
ብተወሳኺ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ዝተወልዐ ግጭት ስዒቡ ኣብ መንጎ ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን ወጥሪ ተጋዲዱ ነይሩ።
እቲ ኲናት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓትዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሱዳን ክስደዱ ከም ዘገደደ ይፍለጥ።
እንተኾነ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ወጥሪ ሕጂ ምምሕያሽ ዘርእይ ዘሎ ይመስል።