እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኣርባዕተ ኣንፈት መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱሎም ገሊጾም
ሓይልታት ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኣንፈት ሰሜን ምዕራብ ከባቢ ኣድያቦ ሎሚ ንግሆ ብኣርባዕተ ኣንፈት መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱሎም ገሊጾም።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ልፍንታዊ ሓይሊ መጥቃዕቲ ከፊቱሎም ዝበሎም ዝርዝር ቦታታት ኣብ ትዊተር ኣስፊሩ'ሎ።
እቲ መግለጺ፡ ካብ ፍቕያ ገብረ ክሳብ ኣደመይቲ፡ ካብ ሰላሞ ክሳብ ሸራሮ፡ ካብ ጐቦ ጽንዓት ናብ ዓዲ ኣሰርን ዕርዲ ማቲዎስን ኰይኖም፡ ብዓዲ ጐሹን ብከቢድ ብረት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ይብል።
ጌታቸው ወሲኹ፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ኣንጻሮም ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ ይከላኸሉ ኣለው ኢሉ።
ነዚ ክሲ ዝምልከት ብሸነኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን፤ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዘሎ ምቍራጽ ኣገልግሎታት ቴሌኮም’ውን ብሳልሳይ ወገን ምጽራይ ኣይተኻእለን።
ትማሊ ረቡዕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እታ ሃገር ምስ ሱዳን ኣብ እትዋሰነሉ ምዕራባዊ ክፋል ሓዊሱ፡ “ሓይልታት ትግራይ እቲ ኲናት ናብ ዝተፈላለዩ ግንባራት የስፍሕዎ ኣለዉ” ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ሚኒስትሪ ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ “ብወገን ቈቦ ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ፡ በቲ ዝወጠንዎ መሰረት ዘይተዓወተ፡ ብሸነኽ ምዕራብ ሓድሽ ግንባራት ኲናት ከፊቶም” ይብል።
ነዚ ኣመልኪቱ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሓይልታት ትግራይ ብሰቘጣ፡ ሓምዳይትን ደደቢትን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ግንባራት መጥቃዕቲ ከፊቶም ምባል “ዛንታ ይፈጥር ኣሎ፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ሰሙን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ “ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት” ናብ ኤርትራ ብምልኣኽ እቲ ኲናት “ዓለምለኻዊ ንምግባር ድልየት ኣለዎ” ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ኣብ ሽረ ሓደ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ካብቲ [ዝበሃል ዘሎ] ከባቢ ዝመጽኡ መራሕቲ መካይን ብረቡዕ ዶብ-ሰገር ልውውጥ ተዅሲ ከም ዝተገብረን ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ኣብ እትርከብ ከተማ ሸራሮ ድማ ሎሚ ሓሙስ ካብ ንጉሆ ሰዓት 4፡30 ጀሚሩ ደብዳብ ከቢድ ከም ዝተሰምዐን፡ ገሊጾምለይ ክብል ንሮይተርስ ቃል ሂቡ።
ኣብ ግንባር ምስ ዘሎ ሰራዊት ርክብ ዘለዎ ኣመራርሓ ሚሊሻ ጐንደር ብወገኑ፡ ብከባቢ ሸራሮ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዘነጻጸረ “መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት” ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጹ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ትማሊ ምስ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኲናት ከም ዝኣተዉ ዝገልጽ እቲ ሚሊሻ፡ ብሸነኽ መንግስቲ ዝቘሰሉ ወተሃደራት ሕክምና ይግረበሎም ኣሎ ኢሉ።
እቲ ሆስፒታል’ውን ሲቪል ሕሙማት ከውጽእ ትእዛዝ ከም ዝተዋህቦ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣሜሪካ እቲ ዳግም ዝተጀመረ ኲናት ስግኣት ከም ዝፈጠረላ ገሊጻ።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዘካይዱዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ደው ከብሉ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ጸዊዑ።
“እቲ ኲናት ዳግም ምውልዑን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዘውርዶ ሓደጋን ኣዝዩ የተሓሳስበና” ኢሉ።
ኣብዚ ትሸዓተ መዓልታት ኣቝጺሩ ዘሎ ሓድሽ ኲናት፡ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ቈቦ ክቈጻጸሩዋ እንከለው፡ ኣብ ካልኦት ግንባራት እውን እቲ ውግእ ጸንኪሩ ከም ዘሎ ይግለጽ።
እቲ ኲናት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝሒሉ'ኳ እንተጸንሐ፡ ዳግም ምውልዑ ከቢድ ምፍሳስ ደም ከየስዕብ ተሰጊኡ ኣሎ።