ኣብ ሆስፒታል ኦክላሆማ፡ ንሓኪሙ ዒላማ ብዝገበረ ዕጡቕ ኣርባዕተ ተቐቲሎም

መኪና ፖሊስ ቱልሳ ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ሓደ ሆስፒታል ኦክላሆማ፡ መጥባሕቲ ሕቘ ንዝገበረሉ ሓኪም ደልዩ ዓጢቑ ብዝመጽአ ሓደ ሰብ፡  ሰለስተ ሰራሕተኛታትን ሓደ ሕሙምን ከም ዝተቐትሉ  ፖሊስ ገሊጹ።

ዶክተር ፕረስተን ፊሊፕስ በቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ሰበስልጣን ከተማ ቱልሳ ገሊጾም።

ፖሊስ ትማሊ ሓሙስ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቶም ካልኦት ግዳያት ዶክተር ስቴፋኒ ሁሰን፡ ኣማንዳ ግለንን ዊልያም ላቭን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እቲ ጥርጡር ንባዕሉ ብጥይት ብምህራም ህይወቱ ከምዘሕለፈ መገለጺ ፖሊስ የነጽር።

ንሱ፡ ቅድሚ’ቲ ፍጻመ ኤኣር-15 ዝዓይነታ ጠበንጃ ከም ዝዓደገን፡ ናይ ኢድ ሽጕጥ ከኣ ዓጢቑ ከም ዝነበረን ፖሊስ ኣረጋጊጹ።

እቲ ሰብኣይ ብ19 ግንቦት ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ፍራንሲስ ድሕሪ ዝተገብረሉ መጥባሕቲ ሕቘ፡ "ንዶክተር ፊሊፕስ ብቐጻሊ ቃንዛ ከም ዝወቐሶ፡" ሓላፊ ፖሊስ ‘ቲ ከባቢ ወንደል ፍራንክሊን፡ ገሊጹ።

እቲ ጥርጡር ካብ ሆስፒታል ምስ ወጸ፡ "ኣብ ውሽጢ ሓያሎ መዓልታት ብዙሕ ግዜ ደዊሉ ቃንዛ ከምዘለዎን ተወሳኺ ሕክምና ከምዝደሊን" ሓላፊ ፖሊስ ወሲኹ ይገልጽ። እንተዀነ እቲ ዝደለዮ ሕክምናዊ ሓገዝ ምርካቡን ዘይምርካቡን ግን ዛጊት ዝተፈልጠ የለን።

ሓበሬታ ፖሊስ ብተወሳኺ፡ ኣብ ቦታ ፍጻመ ገበን ዝተረኽበ ደብዳበ፡ እቲ ጥርጡር "ንዶክተር ፊሊፕስን ንዝኾነ ኣብ መንገዱ ንዝኣተወ ሰብን ንምቕታል ሓሲቡ ከም ዝመጽአን፡" የነጽር።

"እታ ደብዳበ ብዛዕባ’ቲ ዛንታ ነጊራትና፤ ብመደብ ተታሒዙ ዝነበረ እዩ፡" ይብል ሓላፊ ፖሊስ ፍራንክሊን።

ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ረቡዕ ዘተፈጸመ ቅትለት፡ ሓበሬታ ምስ በጽሖ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቓይቕ’ዩ ናብቲ ህንጻ ሕክምና በጺሑ። ቍጽሪ ምውታት ካብኡ ንላዕሊ ከምዘይወሰኸ ኸኣ ኣረጋጊጹ። 

እንተዀነ፡ ካልኦት ዓሰርተ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ሰበስልጣን ፖሊስ ወሲኾም ገሊጾም።

"ዝቐሰምናዮ ስልጠና ብዘይ ምውልዋል ቅልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ ኣኽኢሉና፡" ይብል ፍራንክሊን።

ፖሊስ ኣብ ኡቫልደ ቴክሳስ ምስ ሓደ 19 ህጻናት ዝርከብዎም 21 ሰባት ብጥይት ዝቐተለ ዕጡቕ ንምቍጽጻር ን40 ደቓይቕ ድሕሪ ምጽባዮም፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኵነታት ንጡፍ ግብረመልሲ ንምሃብ ዘኽእሎም ፍሉይ ስልጠናታት ክወስዱ ጸኒሖም እዮም።

ትካል ጥዕና ቅዱስ ፍራንሲስ፡ ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመ ኵነታት ዝተሰምዖ ጓሂ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ’ሎ።

ኣብ ኣሜሪካ 390 ሚልዮን ሸጓጕጥ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር፡ ኣብ 2020 ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ንደሓር ብጥይት ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ብኽልተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ፡ ኤፍቢኣይ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ሓደ ሱፐርማርኬት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቴክሳስ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝተዓጥቁ ውልቀሰባት ብዝፈጸምዎ ተዅሲ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱ ኣይርሳዕን።