ኣመሪካ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ናብ እኩባት ተኹሲ ንዝኸፈተ ሰብ ብምቕታል ህይወት ብዙሓት ኣድሒና

ብረት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ምዕራብ ቨርጂንያ፡ ቻርልተን፡ ሓንቲ ዕጥቕቲ ናብ እኩባት ሰባት ተኹሲ ንዝኸፈተ ውልቀሰብ ቀቲላ፡፡

ብዙሕ ናይ ገበን ታሪኽ ዘለዎ ወዲ 37 ዓመት ደኒስ በትለር፡ ኣስታት 40 ንዝኾኑ ዕለተ ልደት ዘኽብሩ ዝነበሩ ሰባት ዒላማ ምስገበረ እዩ ተቐቲሉ፡፡

ቅልጡፍ ስጉምቲ እታ ጓል ኣንስተይቲ ህይወት ከምዘድሓነን ምናልባት እውን ጃምላዊ ቅትለት ካብ ምፍጻም ተኸላኺሉ ክኸውን ከምዝኽእልን ወሃቢ ቃል ፖሊስ ቶኒ ሃዘለት ይገልጽ፡፡

እቲ ክስተት፡ ነቲ ኣብ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቴክሳስ ዝተፈጸመ ቅትለት ስዒቡ ኣብ መላእ ኣመሪካ ቁጽጽር ኣጽዋር ዝምልከት ክትዕ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እዩ ኣጋጢሙ፡፡

በትለር: ረቡዕ ኣጋግዘ መኪና እናሽከርከረ እንትሓልፍ፡ ህጻናት ይጻወቱ ስለዝነበሩ ሃዲኡ ክዝውር መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ፡፡

ድሕሪኡ ኤኣር-15 ዓይነት ጠበንጃ ሒዙ ብምምላስ፡ ኣብ መኪንኡ ኮይኑ ናብቶም ኣብ ኣፍደገ መንበሪ ገዛ ዕለተ ልደት ዘኽብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ተኹሲ ከፊቱ፡፡

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከምዝሓበሮ፡ እታ ነቲ ዕጡቕ ዝቐተለት መንነታ ዘይተገለጸ ውልቀ ሰብ፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ ምኽባር ጸጥታ ድሕረ ባይታ የብላን፡፡

‘‘ብሕጋዊ መንገዲ ዝዓጠቐት ኣባል ማሕበረሰብ እያ፡፡ ኣብ ክንዲ ካብቲ ሓደጋ ምህዳም፡ ምስቲ ሓደጋ ገጢማ ህይወት ብዙሓት ኣድሒና’’ ኢሉ፡፡

ድሕሪ እቲ ተኹሲ ኣብቲ ቦታ ዝጸንሐት እታ ውልቀ ሰብ፡ ምስቶም መርመርቲ ትሰርሕ ከምዘላ እውን ተገሊጹ፡፡

እታ ውልቀ ሰብ ከምዘይትኽሰስ ፖሊስ ወሲኹ ገሊጹ ኣሎ፡፡

በትለር ብተደጋጋሚ ብጥይት ተወቒዑ ኣብቲ ቦታ ከምዝሞተ ጸብጻብ ፖሊስ ይገልጽ፡፡

ንሱ ብምኽንያት ዘለዎ ታሪኽ ገበን፡ ነቲ ክሕዞ ዘይግበኦ ዓይነት ጠበንጃ ብኸመይ ክረኽቦ ከምዝኸኣለ እውን ኣይተፈለጠን፡፡

ኣብዚ ሰሙን ሓደ ወርጠበ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተገዘአ ኤኣር-15 ዓይነት ጠበንጃ ተጠቒሙ 19 ህጻናት ተምሃሮን 2 መምህራንን ከምዝቐተለ ይዝከር፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ሕገመንግስቲ ኣመሪካ ዝሰፈረ ውልቀ ሰባት ብረት ክውንኑ ዘፍቅድ ሕጊ ናብ ክትዕ መሊስዎ ኣሎ፡፡