እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቅሉዕ ፆታዊ ስእልታት ንምርካብ ንሓደ መንእሰይ ምኽፋሉ ተኸሲሱ
ኮኾብ ኣቕራቢ መደብ ቢቢሲ፡ ንሓደ መንእሰይ ፆታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ፅዩፍ ስእልታት ንክልእኽ ገንዘብ ከምዝኸፈለ ዘ ሳን ፀብፂቡ።
እቲ መንነቱ ዘይተገለጸ ጋዜጠኛ፡ ነቲ/ነታ ፆታ ዘይተነጸረ መንእሰይ ካብ 17 ዓመቶም ጀሚሩ ፆታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ስእልታት ንክልእኸሉ/ንክትልእኸሉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፓውንድ ከም ዝኸፈለ ፀብፃብ ጋዜጣ ዘ ሳን የመልክት።
ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ከምዘሎ ዝገለጸ ቢቢሲ፡ እቲ ኣቕራቢ መደብ ንዝቕፅሉ መዓልታት ናብ ኣየር ከምዘይቐርብ ሓቢሩ።
ጋዜጣ ዘ ሳን፡ ስድራ ግዳይ ብ 19 ግንቦት ናብ ቢቢሲ ቅረታ ከምዘቕረቡን፡ እቲ ጋዜጠኛ ምዱብ ስርሑ ምቕፃሉ ከም ዝሓዘኑን ጸብጺቡ።
ወላዲት እቲ/ታ ግዳይ ንዘ ሳን ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ/ታ ኣብዚ እዋን 20 ዓመት ጌሩ ዘሎ ውላዳ፡ ነቲ ካብቲ ጋዜጠኛ ዝተቐበሎ ገንዘብ ኮከይን ንምዕዳግ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ገሊፃ።
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት “እቲ ሕጉስ ወደይ/ጓለይ ሓደገኛ ውሉፍ ዕፀፋርስ ኮይኑ/ና” ኢላ።
ቢቢሲ ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ቢቢሲ፡ “ዝኾነ ዓይነት ክሲ ተገዲስና ኢና ንርእዮ። ነዚ ዝምልከት መስርሕ እውን ኣለና።
ተወሳኺ ምርመራ ዝጠልብ ሓበሬታ እንተድኣ በፂሑና፡ ነዚ ንምትግባር ስጉምትታት ክንወስድ ኢና። እዚ፡ ነዚ ሓበሬታ ንዝሃቡና ሰባት ብምዝርራብ ነቲ ጉዳይ ብዕምቆት ምርዳእ ዝሓውስ እዩ” ኢሉ።
ነዚ ሓበሬታ ዝሃበ ኣካል፡ “ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ንፅዕረሉ መልሲ እንተድኣ ዘይረኺብና ንናይ ምስጓም ዓቕምና ክገትኦ ይኽእል እዩ፡ እዚ ማለት ግና ምርመራ ደው ነብል ኢና ማለት ኣይኮነን” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
“ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ካብ ጋዜጣታት ሓዊሱ ሓድሽ ሓበሬታ ምስ ንረክብ፡ ብመሰረት ውሽጣዊ መስርሕ ግቡእ ግብረመልሲ ክንህበሉ ኢና።”