መርድእ መራሒኡ ንህዝቢ ዘፍለጠ ምክትል ፕረዚደንት ናምቢያ ፕረዚደንት ኰይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

Published

ሓድሽ ፕረዚደንት ናሚብያ ምቡምባ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ናሚብያ ምስ ሞተ ድሕሪ ሰዓታት፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ምክትል ፕረዚደንት ናምቢያ እንከሎ መርድእ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ዕላዊ ድሕሪ ምግባሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ቃለ-መሓላ ፈጺሙ።

ወዲ 82 ዓመት ሃገ ጌይንጎብ ትማሊ ሰንበት ኣጋ ምሸት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዊንድሆክ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረሉ እንከሎ እዩ ሞይቱ።

ገዲም ተጋዳላይ ቃልሲ ናጽነት እታ ሃገር ዝዀነ ሚስተር ጌይንጎብ፡ ብሕማም መንሽሮ ከምዝተጠቕዐን ብዛዕባ ኵነታት ጥዕናኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝርዝር ሓበሬታ ንህዝቢ ኣፍሊጡ ከምዝነበረን ይፍለጥ።

ናምቢያ "ትእምርቲ ሓርነት" ከምዝሰኣነት ሚስተር ምቡምባ ገሊጹ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ መተካእታ ሚስተር ጌይንጎብ ኰይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ፡ ክሳብ ኣብዚ ዓመት መወዳእታ ዝካየድ መረጻ ድማ መራሒ እታ ሃገር ኰይኑ ከገልግል እዩ።

ንሱ፡ ድሕሪ ሞት እቲ ፕረዚደንት ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ፡ “ኣብ መረጻ ኣይክሳተፍን እየ ስለዚ ኣይትስንብዱ" ኢሉ።

ንሱ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መራሒ ክብሪ ብምሃብ፡ "ሃገርና ብሳላ መሪሕነት ናይቲ ቀንዲ ሃንዳሲ እቲ ቅዋም ዝነበረ ፕረዚደንት ጌይንጎብ ህድእትን ርግእትን ኰይና ትቕጽል ኣላ" ኢሉ።

ሚስተር ጌይንጎብ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2015 ፕረዚደንት ኰይኑ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ይዅን እምበር፡ ድሕሪ ናጽነት 1990 ግን ኣብ ላዕለዎት ፖለቲካዊ ጽፍሕታት ኣገልጊሉ’ዩ።

ጠንቂ ሞቱ ብልክዕ ኣይተገልጸን፤ እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣሜሪካ "ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ ፍወሳ ዋህዮታት መንሽሮ" ከምዝገበረን ቅድሚ 31 ጥሪ ናብ ዓዱ ብነፋሪት ከምዝተመልሰን ቤት ጽሕፈቱ ገሊጹ።

ኣብ ራድዮ ናሚብያ፡ ሰባት ብዛዕባ መራሒኦም ነበር ሓሳባትን ራእይን ኣልዒሎም ዝኽሪ ክገብርሉ ተራእዮም።

ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ክልእኹ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ብዙሓት ብዛዕባ ሚስተር ጌይንጎብ ናጽነት ሃገሩ ንምርግጋጽ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ክዛረቡ ጸኒሖም እዮም።

ካብኣቶም ሓደ ፕረዚደንት ጐረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ "ናሚብያ ካብ መግዛእትን ኣፓርታይድን ሓራ ንምውጻእ ዝተቓለሰ ልዑል ገዲም ተጋዳላይ" ክብል ገሊጽዎ።

ሚስተር ጌይንጎብ ን27 ዓመታት ኣብ ስደት ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ቦትስዋና፡ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ግዜ ኣሕሊፉ፡ ኣብኡ ድማ ብፖለቲካ ዶክትሬት ዲግሪ ተማሂሩ።

እታ ሃገር ናጽነት ቅድሚ ምርካባ ሓደ ዓመት ኣቐዲሙ ኣብ 1989 ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ንሱ፡ "ሃገርና ኣብ ምምዕባል ብዙሕ ምዕባለታት እኳ እንተ ኣመዝገብና፡ ንዅሉ ዝሓቁፍ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝያዳ ስራሕ ይጽበየና ኣሎ፡" ኢሉ ነይሩ።

ሚስተር ጌይንጎብ ኣብ 2015 ንመጀመርታ ግዜ ፕረዚደንት ኰይኑ ዝተመረጸ ክኸውን እንከሎ ኣብታ ሃገር ዝነውሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምስርሑ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ሳንዱቕ ድምጺ ብውጽኢት እንተኼድና ግን ተፈታውነቱ ነክዩ ነይሩ።

ኣብ መረጻ 2014 ድማ 87 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ ነይሩ፤ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ግን ናብ 56 ሚእታዊት ወሪዱ።

ቀዳማይ እብረ ስልጣን ሚስተር ጌይንጎብ ምስ ደው ዝበለ ቍጠባን ልዑል ደረጃ ሽቕለት ኣልቦነትን ድኽነትን ከምዝተጋጠመ ባንኪ ዓለም ኣፍሊጡ ነይሩ።

ውድቡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብርክት ዝበሉ ዕንደራታት ብልሽውና እውን ኣጋጢምዎም እዩ።

እዚ ድማ ነቲ "ፊሽሮት" ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ንኣታዊ ዘለዎ ኮታ ምግፋፍ ዓሳ ንምሃብ ጉቦ ወሲዶም ተባሂሎም ይኽሰሱ ነይሮም።