ብመሰረት ዝተበጽሐ ስምምዕ እኹል ሓገዝ ይኣቱ የለን - ሰብ መዚ ትግራይ

ሓገዝ ዝቕበሉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ብመሰረት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተሰበጽሕ ስምምዕ፡ ናብ ትግራይ እኹል መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣቱ ከምዘየለ ሰብመዚ ትግራይ ገሊጾም።

ምስ ቢቢሲ ሃርድቶክ ጻንሒት ዝገበረ ወሃቢ ቃል ህወሓትን መራሒ ተደራደርቲ ጉጅለ ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ዛጊድ ድሕሪ እቲ ውዕል ዝረብሕ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምዘይኣተወን ፖለቲካዊ ጸወታ ክኸውን ከምዝኽእል ከምዝጥርጥሩን ተዛሪቡ።

“ዋላኳ ብመወገን ማሕበሰብ ዓለም ተገዳስነት እንተሃለወ፡ እቲ ዛጊድ እንርእዮ ዘለና ምዕባለ ግን እዚ ዝበሃል ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙንን ሎምመዓልትን በረራታት ተጸቢና ኔርና። እንተኾነ እቶም በረራታት ተሰሪዞም እዮም። ፖለቲካዊ ጸወታ ዝመስል ነገር ከምዘለዎ ኢና ንጥርጥር” ኢሉ።

ዛጊድ ሰብኣዊ ሓገዘን መድሃኒት ዝሓዛ ውሑዳት መካይን ናብ ትግራይ ምእታወን ዘረጋገጸ ኣቶ ጌታቸው፡ እንተኾነ ነቲ ኣብታ ክልለ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ ከቢድ ጻዕሪ ዝሓትት ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

“ውሑዳት መድሓኒት ዝጸዓናን ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ምግቢ ዝሓዛን መካይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ይፈልጥ እየ። እንተኾነ ብመንጽር እቲ ገጢሙና ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ እቲ ጻዕሪ ክሳለጥ ኣለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ዝሓየለ ጻዕርን ትኹረትን ዘድልዮ እዩ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንጥርጣረ ብዘይህብ መልክዑ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ኣለዎ” ኢሉ።

ነቲ ንሞትን ምፍንቓልን ዜጋታት ከምኡ እውን ከቢድ ዕንወት ንብረትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምኽንያት ዝኮነ ኲናት ደው ንምባል ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ናብታ ኣብ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመሩን ዘኽእል ኮይኑ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቶምን ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ እውን ዕጥቆም ክፈትሑ እዮም።

ካልእ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ኣባል ተደራዳሪ ጉጅለ ትግራይ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ብወገኑ፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን፡ ናብ መላእ ትግራይ ዝኣተዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን 145 ጥራይ ምዃኑ ገሊጹ።

“ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ጉዳይ በቲ ዝተሰማማዕናሉ መንፈስ መሰረት ሰሊጡ ኣይመጽእን ዘሎ። ዳርጋ ኣብ ምሉእ ትግራይ፡ ንሕና ዝሓዝናዮን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተትሓዘ ከባቢ ሓዊስካ፡ ኣብ ሰለስተ ሰሙን 145 መካይን እየን መጺአን። ዳርጋ ምልክት ኣርእዩ እምበር ጀሚሩ እውን ክትብሎ ከቢድ እዩ፤ እዚ የተሓሳስበና እዩ” ኢሉ።

ተቛሪጾም ዝርከቡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምምላስ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ብተመሳሳሊ ከምዘይሰለጠ ዝገለጸ ኣምባሳደር ወንድሙ፡ እዞም ጸገማት ነቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሰብመዚ ትግራይ ዝተዘራረበ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ፡ ከምዝሓበርዎ ተዛሪቡ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ብወገኑ ነቶም ዝተልዓሉ ጸገማት ንምፍታሕ ምስ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ክዘራረብ ምዃኑ ከምዝሓበሮም እውን እቲ በዓል መዚ ተዛሪቡ።

“ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ጉዳይ በዚ ደረጃ እዚ ዝተደናጎየን ዝወሓደን ኣይመሰለናን፤ ከምኡ እውን ኣይተነገረናን። እዚ ሒዝና ከንዘራረበሉ ኢና ኢሎም ኣለዉ።”

ኣብታ ካብ መላእ ዓለም ተገሊላ ኣብ ሙሉእ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ፡ ሚልዮናት ነበርቲ ብሰንኪ ሕጽረት ምግብን መድሃኒትን ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዖም ከምዘርከቡ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ነቲ ህይወት ኣሽሓት ሰላማውያን ዝበልዐ፣ ሚልዮናት ዘፈናቐለን ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ዘዕነወን ኲናት ደው ከብሎ፡ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።