እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዱጉል እሳተጎመራ ክነቱግ ጀሚሩ
ኣብ ኣመሪካ ክፍለሃገር ሃዋኢ ዝርከብ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ዱጉል እሳተጎመራ ማውና ሎኣ ድሕሪ 40 ዓመታት ንፈለማ እዋን ክነቱግ ጀሚሩ።
ነቲ ከባቢ ሓሙኽሽቲ ክዕብሉኾ ምዃኑ ሰብመዚ ህጹጽ ሓደጋታት ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ትፋእ እሳተጎመራ (ላቫ) ካብቲ ጎቦ ከምዘይሓልፍን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዘብጽሖ ሓደጋ ከምዘይህሉን ሓቢሮም።
እንተኾነ ግን፡ ሃገራዊ ትካል ዳህሳስ ስነምድሪ ኣመሪካ (ጂኦሎጂካል ሰርቨይ)፡ እቲ ኩነታት ሃንደበት ክቕየር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ።
እቲ እሳተጎመራ፡ ብሰንበት ምሸት'ዩ ካብ ከርሲ ናይቲ ኣብ ሞኩኣዌዊኦ ዘሎ ጥርዚ ክነትጒ ጀሚሩ።
እሳተጎመራ ማውና ሎኣ፡ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን 1984 ኣብ ዝነተጎሉ እዋን፡ ዝተፍኦ ሓዊ ክሳብ 8 ኪሜ ብምፍሳስ ንከተማ ሂሎ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዋ ምንባሩ ይግለጽ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ሃገረ ኢኳዶር'ውን ሓደ ዓቢ እሳተጎመራ ክተክኽ ጀሚሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ኢኳዶር፡ ክተክኽ ዝጀመረ እሳተጎመራ ኮቶፓክሲ
ኣብ ሃገረ ኢኳዶር ዝርከብ እሳተጎመራ ኮቶፓክሲ ካብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣትሒዙ ክተክኽ ጀሚሩ'ሎ። እቲ ዘውጽኦ ትኪ ክሳብ 1.8 ኬሜ ንሰማይ ክዓርግ ከምዝተራእየ ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ሓሙኽሽቲ'ውን ኣብ ርእሰከተማ ኲቶን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሩባታትን ክዓልብ ከምዝጀመረ ትካል ጂኦፊዚክስ እታ ሃገር ሓቢሩ።
እቲ ፍሉጥ እምባ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ጋዝ ክተፍእ'ኳ እንተጸንሐ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዝተራእየ ግን ካብ ንቡር ንላዕሊ ምዃኑ ተገሊጹ።
እሳተጎመራ ኮቶፓክሲ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ንጡፋት እሳተጎመራታት ላቲን ኣመሪካ'ዩ።
ዛጊት ብዓሰርተታት ንዝቑጸር ግዜ ዝነቶገ እቲ እሳተጎመራ፡ ኣብ ነሓሰ 2015 ድሕሪ ናይ 70 ዓመታት ተዛማዲ ህድኣት ልዑል መጠን ዘለዎ ሓሙኽሽቲ ክተፍእ ተራእዩ ነይሩ።
እቲ ዝዓበየ ነትጒ ግን ኣብ 1877 ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ዝተፍኦ ጭቃ ክሳብ 100 ኪሜ ፈሲሱ ምንባሩ ይንገር።
እቲ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ከቢድ ስግኣት ዝፈጥር እሳተጎመራ፡ ንብዙሓት ቀባእቲን ስኣልትን ግን ሞያዊ መስሕብ ምዃኑ ይግለጽ።