ኣብ ስታድዮም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 35 ሰባት ብመኪና ተረጊጾም ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ሓቢሮም።

እቶም ግዳያት ኣብ ከተማ ዙሃይ ኣብ ዝርከብ ስታድዮም ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝገብርሉ ዝነበሩ እዋን ሓደ ሰብ ብመኪና ቀጽሪ ጥሒሱ ብምእታው ከምዝረገጾም ሰብመዚ ገሊጾም።

ኣብቲ ብሰኑይ ዝተፈጸመ፡ "ከቢድን ጨካንን መጥቃዕቲ" ብዙሓት ኣረጋውያንን ቆልዑን ዝርከብዎም ካልኦት 43 ሰባት ቆሲሎም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ቻይና ጸብጺበን።

እቲ ወዲ 62 ዘዋሪ እታ መኪና ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ብፖሊስ ተታሒዙ’ሎ።

ብሰንኪ'ቲ ዝወረዶ ባዕላዊ መጉዳእቲ ግን ሃለዋቱ ኣጥፊኡ (ኣብ ኮማ ኣትዩ) ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከብ እቶም ሰብመዚ ጠቒሶም።

እታ ከተማ ብምኽንያት ተአንግዶ ዘላ ዓቢ ሲቪላውን ወተሃደራውን ምርኢት ነፈርቲ: ልዑል ጸጥታዊ ሓለዋ ክግበር ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን'ዩ እቲ ፍጻመ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ኣፈናዊ መርመራ ፖሊስ ከምዝእምቶ፡ እቲ 'ፋን' ብዝብል ስም ተገሊጹ ዘሎ ውልቀሰብ፡ ምስ ፍትሕ ሓዳር ብዝተኣሳሰር ዝተኻየደ ምምቕቓል ንብረት ብምንጽርጻሩ ነቲ መጥቃዕቲ ክወስድ ተደፋፊኡ።

እንተኾነ ግን፡ ንባዕሉ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ኣብ ሆስፒታል ስለዝርከብ መርመርቲ ሕቶታት ከቕርብሉ ኣይክኣሉን ዘለዉ።

ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ ዝገልጽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ብትእዛዝ ሰብመዚ ክእለ'ኳ እንተ ተፈተነ፡ ገለ ግን ክሳብ ሕጂ ይዘውር ኣሎ።

ቸን ዝተባህለ ምስክር ዓይኒ ንሓደ መጽሄት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ጉጅለታት ኣብቲ ስፖርታዊ ማእከል ዝኾነ ስታድዮም ስሩዕ ምንቅስቓስ ንኽገብሩ ኣብ ዝተኣከብሉ'ዩ እታ መኪና ብናህሪ ኣትያቶም ኢሉ።

ንሱ ዝነበራ ጉጅለ ኣብ ዙርያ እቲ ስታድዮም መበል ሻዱሻይ ዙርያ ጉያኣ ኣብ ዝዛዘመትሉ እዋን፡ እታ መኪና ናብኦም ገጻ ብምሕንባብ "ብዙሓት ሰባት ኣውዲቓ" ኢሉ።

"እናኾለለት ትኸይድ ብምንባራ ኣብ ኩሉ እቲ ሰባት ዝጎይሉ ዝነበሩ መስመራት፡ ምብራቕ፡ ደቡብ፡ ምዕራብን ሰሜንን- ዝነበሩ ሰባት ተጐዲኦም" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ዘሕዝን መጥቃዕቲ፡ ምስቲ ካብቲ ስታድዮም 40 ኪሜ ርሒቑ ዝካየድ ዘሎ ምርኢት ኣየር ቻይና ምትሕሓዝ ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንጹር ኣይተረጋገጸን ዘሎ።

ቻይና፡ ትምካሓለን ሓደስቲ ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን (ድሮናት) ኣብቲ ምርኢት ኣቕሪባ'ላ። ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርገይ ሾይጉ ኣብቲ ምርኢት ከምዝተሳተፍ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ፡ በቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ከምዝተሻቐለ ብምሕባር፡ እቶም ግዳያት ግቡእ ኣልያ ክረኽቡን፡ እቲ በቲ መጥቃዕቲ ዝጥርጠር ሰብ ከቢድ መቕጻዕቲ ክወርዶን ተማሕጺኑ።

ማእከላይ መንግስቲ ሓደ ጉጅለ ናብቲ ቦታ ከምዝለኣኸ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ከምዝተፈፀሙ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ዓባይ ንግዳዊት ከተማ ሻንግሃይ፡ ብኣልማማ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ካራ፡ ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ብዙሓት ቆሲሎም ነይሮም።

ኣብቲ ወርሒ'ውን ኣብ ደቡባዊ ቻይና፡ ሓደ ወዲ 10 ዓመት ጃፓናዊ ተመሃራይ ብኻራ ተወጊኡ ተቐቲሉ ነይሩ።