ብካራን ብማርተሎን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞትን ጉድኣትን ኣስዒቡ

Published

ኣብ ማእከላይ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ጎደና፡ ብካራን ብማርተሎን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብኣይ ክሞት እንከሎ፡ ካልኦት ክልተ ድማ ቆሲሎም።

እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ቀዳም ኣብ ጥቓ ኣይፍል ታወር እዩ ተፈጺሙ።

ሓደ ወዲ 26 ዓመት ፈረንሳዊ ዜጋ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ብኣኽበርቲ ሕጊ ጸረ ግብረሽበራ መርመራ ይግበረሉ ኣሎ።

ዜግነት እቲ ዝተቐትለ ሰብ ጀርመናዊ ምዃኑ ሰበስልጣን ኣረጋጊጾም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን፡ እቲ ግዳይ መጥቃዕቲ ክፍጸሞ እንከሎ ምስ በዓልቲ ቤቱ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ሓደ መራሒ ታክሲ ጣልቃ ኣትዩ ነታ በዓልቲ ቤቱ ከም ዘድሓና ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ከም ዝገለጾ፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ሩባ ሴን ብዝርከብ ድልድል ኣቢሉ ድሕሪ ምህዳሙ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክልተ ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሙ።

ነቲ ሓደ ግዳይ ብማርተሎ ኣብ ዓይኑ ከም ዝወቕዖ’ውን ገሊጹ።

ብድሕሪኡ እቲ ጥርጡር ብፖሊስ ተታሒዙ፡ ብጥርጣረ ቅትለትን ምስ ሓደ ግብረሽበራዊ ትካል ብዝተኣሳሰር ፈተነ ቅትለትን ይምርመር ኣሎ።

እቶም ዝቖሰሉ ክልተ ሰባት ሓደ ፈረንሳዊን ሓደ እንግሊዛዊ በጻሕቲ ኰይኖም፡ ህጹጽ ሕክምና ከም ዝተገበረሎምን ንህይወቶም ዘስግእ ነገር ከም ዘየጋጠሞምን ተገሊጹ።

ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ስርሒት ዝጀመረ ክኸውን ከሎ፡ ሰብመዚ ድማ ሰባት ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ሚኒስተር፡ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዝተገልጸ ሰብ "ኣላሁ ኣክባር" ኢሉ ዓው ከም ዝተሰምዐን፡ "ኣብ ኣፍጋኒስታንን ኣብ ፍልስጤምን ብዙሓት ኣስላም ይሞቱ ስለዘለዉ" ከም ዝተረበሸን ንፖሊስ ምግላጹ ሓቢሩ።

እቲ ጥርጡር ኣብ 2016 ካልእ መጥቃዕቲ መደብ ኣውጺኡ ተባሂሉ ተፈሪዱ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘሕለፈን ኣብ ዝርዝር ምክትታል ኣገልግሎት ጸጥታ ፈረንሳ ከም ዝነበረን’ውን ገሊጹ።

ብተወሳኺ ጸገማት ስነ-ኣእምሮ ከም ዝነበሮ'ውን ከም ዝፍለጥ እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ።

ብቀዳም እቲ ጥርጡር ንመንግስቲ ፈረንሳ ዝነቐፈሉን ቅትለት ንጹሃት ኣስላም ክብል ዝገለጸሉን ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝተዘርግሐ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ንኹሎም በቲ "ሽበራዊ መጥቃዕቲ" ዝተሃስዩ ሰባት ብምጽንዕናዕ፡ ነቶም ህጹጽ ኣገልግሎት ዝሃቡ ኣመስጊኑ።

"ምእንቲ ብስም ህዝቢ ፈረንሳ ፍትሒ ክወሃብ፡ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ዓቃቢ ሕጊ ጸረ ግብረሽበራ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ክወስድ'ዩ" ኢሉ።

ቅድሚ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኣራስ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ መምህር ብካራ ከም ዝተቐተለ ይዝከር።

እዚ ድማ መንግስቲ ፈረንሳ፡ ነታ ሃገር ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንቕሓት ሃገራዊ ድሕነት ከእቱ ከም ዝደረዀ ይዝረብ።