እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቻይና መደቀሲ ክፍሊ ተመሃሮ ብዘጋጠመ ባርዕ 13 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ማእከላይ ቻይና ኣብ ዝርከብ መደቀሲ ተመሃሮ ሓደ ቤት ትምህርቲ ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ 13 ሰባት ከምዝሞቱ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሺንሁዋ ሓቢሩ።
እቲ ባርዕ ትማሊ ዓርቢ ምሸት ኣብ ቻይና ኣውራጃ ሄናን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ህጻናት እዩ ኣጋጢሙ።
እዚ ብውልቂ ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ዕድመ መዋእለ ህጻናትን መባእታ ደረጃን ንዝርከቡ ተማሃሮ ከምዘገልግል ቻይና ደይሊ ሓቢሩ።
ኣካያዲ ናይቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ናንያንግ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ መርመራ ይካየድ ኣሎ።
ካልእ ተወሳኺ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ይሕከም ከምዘሎን ኣብ ድሓን ኩነታት ምህላውን ተፈሊጡ።
ብዛዕባ መንነት እቶም ዝሞቱ ይኹን ጠንቂ እቲ ባርዕ ብወግዓ ኣይተገለጸን።
ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ እቲ ሓበሬታ ምስበጽሖም ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ በጺሖም ነቲ ባርዕ ከምዘጠፍእዎ ሺንሁዋ ጸብጺባ።
ኣብ ቻይና ብሰንኪ ልሕሉሕ ምክትታል ደረጃታት ህንጻን ድሕነትን ሞት ዘስዕብ ባርዕ ሓዊ ልሙድ’ዩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ግዝኣት ሻንሲ ከተማ ሉልያንግ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ኣብያተ ጽሕፈት ብዘጋጠመ ባርዕ 26 ሰባት ምማቶም ዝዝከር’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ብዘጋጠመ ባርዕ መብዛሕቲኦም ተሓከምቲ ዝኾኑ ብውሕዱ 29 ሰባት ሞይቶም።
እቲ ክስተት ምስተመርመረ ድማ ምስ እቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር 12 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም።
እቲ ዘሕዝን ተንቀሳቓሲ ስእሊ ናይቲ ባርዕ፡ ሰባት ካብቲ ሃልሃልታ ንምህዳም ካብ መስኮት ወጺኦም ናብ ኣሃዱታት መተንፈሲ ኣየር ክድይቡ ዘርኢ እዩ።