እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማምዳኒ ካብ ቃል ማእሰርቲ ኣንሳሒቡ፡ ናታንያሁ 'ጽልኢ የጓሃህር ኣሎ' ክብል ነቒፉዎ
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ከንቲባ ከተማ ኒው ዮርክ ዞህራን ማምዳኒ ንዓኡ ንምእሳር ምፍርራሕ እኳ እንተ ገበረ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ከም ዝወጠነ ገሊጹ።
ማምዳኒ፡ ነቲ ብቤት ፍርዲ ገበን ዓለም (ICC) ዝወጽአ ትእዛዝ ማእሰርቲ ንምትግባር ሕጋዊ ስልጣን ከም ዘይብሉ ብምእማን፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘስምዖ መጠንቀቕታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንሳሒቡ ኣሎ።
እቲ መራሒ እስራኤል ትማሊ ሰንበት ምስ መደበር ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ እቲ ማምዳኒ ዘስምዖ ናይ ቀደም ምፍርራሕ "ከም ዘይሻቐል" ብምግላጽ፡ ነቲ ከንቲባ "ጽልኢ የጓሃህር ኣሎ" ክብል ወቒስዎ።
ናታንያሁ ወሲኹ፡ "ንሱ ንዅሎም ነበርቲ ኒው ዮርክ፡ ንኣይሁድ፡ ክርስትያን፡ ሙስሊምን ንዅሉን ከንቲባ ክኸውን እናተገብኦ፡ ንሓደ ጕጅለ ምስ ካልእ ንምግጫ ይጽዕር ኣሎ፡" ኢሉ።
ናታንያሁ ነቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ኒው ዮርክ ዘጋጠመ፡ ሓደ ኣይሁዳውን ሓደ እስያውን ብኻራ ዝተባኣስሉ ፍጻመ ከም ኣብነት ጠቒሱ። ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ተጠርጣሪ ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከሎ፡ "ኣላሁ ኣክበር" እናበለ ይጭድር ነይሩ።
እቲ ውልቀሰብ ብገበን ጽልኢ ተኸሲሱ ኣሎ።
ክልተኦም ሰባት ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ኰይኖም፡ እቲ ፍጻመ ብመራሕቲ ማሕበረሰባት ኣይሁድን እስያውያን ኣመሪካን ኵነነ ገጢምዎ ኣሎ።
ናታንያሁ ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነበርቲ ኒው ዮርክ ዝዀኑ ኣይሁድ "ኣብ ፍርሒ ይርከቡ" ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት እቲ ከንቲባ ብዛዕባ እዚ ርእይቶ ንምሃብ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብቕጽበት መልሲ ኣይሃበሉን።
ጽኑዕ ደጋፊ መሰላት ፍልስጤማውያን ዝዀነ ማምዳኒ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ምቅዋሙ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ቀንዲ መርገጺ ጐስጓስ መረጻኡ ገይርዎ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘስምዖ መደረ ድማ ንናታንያሁ "ገበነኛ ኲናት" ክብል ጸዊዕዎ።
ማምዳኒ ከም ኣካል ጐስጓስ መረጻኡ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ገበን ዓለም (ICC) ኣብ ልዕሊ ናታንያሁ ዘውጽኦ ትእዛዝ ማእሰርቲ ንምትግባር ቃል ኣትዩ ነይሩ።
እስራኤል ግን ኣብ ቓዛ ገበን ውግእ ፈጺማ ዝብል ክሲ ብምንጻግ፡ ናታንያሁ ነቲ ክሲ "መሰረት ዘይብሉ" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።
ሰራዊት እስራኤል ናብ ቓዛ ዝኣተወ፡ ድሕሪ'ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ዝተመርሐ መጥቃዕቲ እዩ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 1,200 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ 251 ድማ ተታሒዞም ተወሲዶም።
ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስራኤል ልዕሊ 73,000 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 21,000 ቈልዑ እዮም።
እዚ ጸብጻብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኣማኒ ተገይሩ ይውሰድ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ብዛዕባ እቲ ንናታንያሁ ንምእሳር ዘተኣታተዎ ቃል ምስ ሓተተቶ፡ ማምዳኒ ምምሕዳሩ ነቲ ሕጊ ከም ዝመርመሮ ብምግላጽ፡ "ነዚ ትእዛዝ ንምትግባር ናጻ ዝዀነ ሕጋዊ ስልጣን የብልናን፡" ኢሉ።
ማምዳኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንምእሳር ስጕምቲ ክወስድ ብምጽዋዕ፡ "በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ተቐባልነት የብሉን፡" ክብል ዛዚሙ።