እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ሱዳን ስትራተጅያዊ መስመር ቀረብ ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝበተኸ ኣፍሊጡ
ሰራዊት ሱዳንን ምስኡ ዝተሰለፉ ሓይልታትን፡ ኣብ ግዝኣት ሰሜን ኮርዶፋ ንዝርከባ ባራን ኡም ሰያላን ዝርከብአን ወሰንቲ ከተማታትን ስትራተጅያዊ ቦታታትን ካብ ቍጽጽር ዳዕመ-ሰሪዕ ብምምንዛዕ ከምዝተቖጻጸሩወን ኣፍሊጦም።
ጠቕላሊ እዚ ሓይልታት ሱዳን ብሰንበት 26 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ሰራዊቱን ምስኡ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ነተን ከተማታት "ብሓይልን ቈራጽነትን ሓራ" ከም ዘውጽኡ ኣረጋጊጹ።
እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት "ብዝተጸንዐ ውጥን ዝተሰላሰለ" ኰይኑ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ መካይንን "ሓዲጎም ካብተን ከባቢታት ክሃድሙ ከም ዝተገደዱ፡" እቲ መግለጺ ወሲኹ ይሕብር።
ካብ ወገን ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ሰሜን ኮርዶፋ ወሪዱዎም ዝተባህለ "ስዕረት" ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ ግብረ-መልሲ የሎን።
ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ፡ ሰራዊት ሱዳን ምስ ሓባራዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ምክልኻልን ብምዃን ንኸተማታት ባራ፡ ኡም ጋርፋ፡ ኡም ሰያላን ጃብራ ኣል-ሸኽን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቘጻጸሩ ገሊጹ።
ሚናዊ ነቲ ስርሒት፡ "ንጹርን ዝተወሃሃደን ወተሃደራዊ ስጕምቲ" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ "እቲ ሎሚ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት መወዳእታ ውግእ ዘይኰነስ፡ ናብ ወሳኒ ስጕምቲ ዘምርሕ ሓድሽ ምዕራፍ እዩ፡" ኢሉ።
ኣብዚ ሓያል ውግእ ከም ዝተኻየደ ዝተገልጸ ስርሒት፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምንቅስቃስ ሓርነት ሱዳን ዝዀነ ሜጀር ጀነራል ዓብደልዓዚዝ እስማዒል ኣባካር (ሚስተር ኣታክ 77) ኣብቲ ውግእ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።
ሱዳን ትሪቡን ከም ዝጸብጸቦ፡ እዘን ሓራ ዝወጽኣ ከባቢታት ኣብቲ ሓፈሻዊ ውግእ ሱዳን ወሳኒ ወተሃደራዊ ረብሓ ኣለወን።
ከተማ ባራ፡ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት ዝዀነት ኣል-ዑበይድ ብሸነኽ ምብራቕ 45 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ሰሜን ኮርዶፋ እያ።
ምቍጽጻር ናይዛ ከተማ፡ ነታ ንመላእ ምዕራብ ሱዳን እተራኽብ ማእከል ንግድን ወተሃደራዊ መዓስከርን ዝዀነት ኣል-ዑበይድ ካብ ናይ ከበባ ስግኣት ዝቕንጥጥ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ካብዚ ብዝለዓለ ግን፡ ምቍጽጻር ኡም ሰያላ ነቲ ንሰሜን ኮርዶፋን ምስ ኡምዱርማን ዘራኽብ ስትራተጅያዊ መስመር ንሰራዊት ሱዳን ሓድሽ መስመር ቀረብ ዝኸፍት እዩ።
እዚ ምዕባለ'ዚ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ከቢድ ወተሃደራዊ ተነጽሎ ዘእተወሉ ምኽንያት፡ ካብ ዶባት ጫድ ተበጊሱ ብዳርፉር ኣቢሉ ናብ ግዝኣት ካርቱም ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ቀረብ (ነዳዲ፡ ኣጽዋርን ዕጡቓትን) ሕጂ ብሰራዊት ሱዳን ስለ ዝተቘርጸ እዩ።
ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ፡ እቶም ኣብ ውሽጡ ሱዳን ዘለዉ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ካብቲ ቀንዲ ምንጪ ቀረቦም ዝዀነ ዞባ ዳርፉር ተነጺሎም ከም ዝተርፉ ዝገብር ስትራተጅያዊ ስጕምቲ እዩ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ንምትሓዝ እዘን ከተማታት ብሓጐስ ከም ዝተቐበልዎ ንመደብ ራድዮ ቢቢሲ ዓረብኛ "ሊ ሰላም ኣል-ሱዳን" (ንሰላም ሱዳን) ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ገሊጾም።
ሓደ ካብቶም ነበርቲ፡ "ኵሉ መስመራት ዳግም ክኽፈት እዩ፣ መላእ ኮርዶፋን ድማ ናብ ንቡር ክትምለስ እያ፡" ክብል ተስፋኡ ገሊጹ። እንተዀነ፡ እታ ግዝኣት ገና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሰብኣዊ ጸቕጢ ከም እትርከብ ትካላት ረድኤት የጠንቅቓ ኣለዋ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣህራም ኦንላይን፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኣል-ዑበይድ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ኣሻቃሊ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ዳይረክተር እቲ ትካል ኣብ ሱዳን ዓብዱላ ኣል-ወርዳት ከም ዝገለጾ፡ ብሰንኪ እቲ ከበባን ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ሱዳን ዝውሕዙ ዘለዉ ተመዛበልትን፡ ቍጽሪ ህዝቢ እታ ከተማ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።
እዚ ድማ ኣብ ቀረብ መግቢ፡ ማይን መድሓኒትን ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ። ዳዕመ-ሰሪዕ ንኸተማ ኣል-ዑበይድ ንነዊሕ እዋን ከቢቡዋ ብምጽንሑ፡ እታ ከተማ ኣብ ደንደስ ጥሜት ትርከብ።
ካብ ምያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ንመላእ ሃገራዊ ቍጠባ ሱዳን ኣዳኺምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣስታት 13 ሚልዮን ዜጋታት ካብ መረበቶም ብምምዝባል ኣብ ዓለምና ካብ ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ፈጢሩ እዩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ሱዳን ምልክታት "ጃምላዊ ህልቂት" ዘለዎም ግህሰታት ይፍጸሙ ምህላዎም ከጠንቅቕ ጸኒሑ ኣሎ።
እዚ ኣብ ሰሜን ኮርዶፋ ብሰራዊት ሱዳን ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት፡ ንሰራዊት ሱዳን ካብ ምክልኻል ናብ መጥቃዕቲ ተሰጋጊሩ ምህላዉ ዘርኢ ኰይኑ፡ ኣብ ዝግበር ዝዀነ ናይ ሰላም ዘተ ድማ ንመንግስቲ ሱዳን ዝያዳ ድልዱል ናይ ምድርዳር ዓቕሚ ከም ዝህቦ ተንተንቲ ይገልጹ።